እዚ ትገብሮ ዘለኻ፡ እንታይ እዩ፧

ሳልሳይ ዓመት ዝኽሪ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ክሓናጥጥ ቢለስ፡ ብርዐይ ግና፡ ”ደቅስ እሞ፡ እግዚኣብሄር ዝፈትዎ ክትወልድ” ብምባል፡ እናቃጨጨት ምጽሓፍ ከልኣትኒ።

”ቀድስ ዶ ደቅስ” እያ ትብል ዘላ፡ ቢለ፡ ንሓሳባታ ክርድኦ ተጋደልኩ። ”ኣዳም፡ ንዕኡ እትበቅዕ ደጋፊት ንኽረክብ፡ ክድቅስ ከም ዝነበሮ ዶ ረሲዕካዮ ኢኻ፧ ኪደናይ ደኣ፡ ደቅስ’ሞ፡ እግዚኣብሄር ዝፈትዎ ክትወልድ” ብምባል ከኣ ደጊማ ኣቃጨጨት።

ዕንይንይ ክብል ድሕሪ ምስትብሃላ፡ ብሓውሲ ምጕብዕባዕ፡ ”ቅድሚ ምግምሳስካ ግና፡ 2ሳሙ 12. ካብ ፍቕዲ 19 ሒዝካ ንበቦ” በለት።

“ዳዊት ከኣ ነቶም ገላዉኡ፡ እቲ ሕጻንዶ ሞይቱ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሞይቱ፡ በሉ። ሽዑ ዳዊት ካብ ምድሪ ተንሲኡ፡ ተሓጽበን ተለኽየን፡ ክዳውንቱ ድማ ለወጠ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር አትዩ ኸኣ ሰገደ። ናብ ቤቱ መጺኡ’ውን ዚብላዕደለየ፡ እንጌራ ድማ ኣቕረቡሉ እሞ በልዔ። ሽዑ እቶም ገላዉኡ፡ እዚ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር እንታይ እዩ፡ እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ ምእንታኡ ጾምካን በኼኻን፡ እቲ ሕጻን ምስ ሞተ ግና፡ ተንሲእካ እንጌራ በላዕካ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ መን ይፈልጥ እግዚኣብሄር እንተ መሐረኒ፡ እቲ ሕጻን ድማ እንተ ሓወየ፡ ኢለ ነበርኩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሕጻን ገና ብህይወቱ ኸሎ፡ ጾምኩን በኼኹን። ሕጂ ኸኣ ንሱ ሞይቱ፡ ንምንታይ ኢለ እጸውም፡ ደጊምዶ ኸምልሶ ይከአለኒ እዩ፡ ኣነ ናብኡ እኸይድ እምበር፡ ንሱስ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ፡ በለ። ዳዊት ድማ ንሰበይቱ ባትሴባ ኣጸናንዓ፡ ናብኣ ኣትዩ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ፡ ወዲ ድማ ወለደትሉ፡ ስሙ ኸኣ ሰሎሞን ኢሉ ሰመዮ፡ እግዚኣብሄር ድማ ፈተዎ።” (2ሳሙ 12፡19-24)

“እእእም!” ቢለ፡ ንገጸይ ብኾቦርታ ሸፈንኩ። መፍቶታት ረኺባ ብርዒ፡ ”ደቅስ እሞ፡ እግዚኣብሄር ዝፈትዎ ክትወልድ” ደጋገመትለይ። ካብቲ ጽሑፍ እናጠቐሰት’ውን ”እዚ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር እንታይ እዩ፧ እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ ምእንታኡ ጾምካን በኼኻን፡ እቲ ሕጻን ምስ ሞተ ግና፡. . . .” እንተስ ደኺመ፡ እንተስ ከምቲ ዝበለቶ “እግዚኣብሄር ዝፈትዎ” ክወልድ፡  በጥ በልኩ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ሽዱሽተ በጺሕና፡ ”ኣቲና ዶ ኣይኣተናን፧”

Next
Next

ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ