ሽዱሽተ በጺሕና፡ ”ኣቲና ዶ ኣይኣተናን፧”
ጻውዒት ንውህደት፡ ሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ እንተ ላዕለ ኵሉ ጉባኤ ዘሐዋርያት
”ኣቲና ዶ ኣይኣተናን” ጸወታ ቈልዑ’ዩ። ኣዒንትኻ ዓሚትካን ተጐምቢሕካን፡ ሓደ መራሒ ትገብር እሞ፡ ንሱ ናብ ዝደለዮ ክመርሓካ ብምፍቃድ ድማ፡ ”ኣቲና ዶ ኣይኣተናን፧” ቢልካ ትጥይቖ። እቲ መራሒ፡ ክሳዕ እታ ንሱ ናብ ዝደለያ ዘብጽሓካ፡ ሓንቲ መልሲ ጥራይ’ዩ ዝምልሰልካ! ”ኣይኣተናን።” ደጊምካ ትሓትት፣ ነታ መልሲ ይደግመልካ፣ ሰሊስካ ትሓትት፡ ነታ መልሲ ይስልሰልካ፡ ወዘተ።
ቦኽሪ ፓትርያርክ ዘሀገረ ኤርትራ፡ ቅዱስ ኣቡነ ፊሊጶስ ቀዳማዊ፡ 1998 እዮም ተሾይሞም። ክሳዕ እዚ ዘለናዮ ግዜ ድማ (2025)፡ ሽዱሽተ ፓትርያርካት፡ ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ኤርትራ ተቐሚጦም ኣለው፣ (ኣቡነ ፊሊጶስ፡ ያእቆብ፡ እንጦንዮስ፡ ዲዮስቆሮስ፡ ቄርሎስን ባስልዮስን)።
ኣብ ኢትዮጵያ’ውን እቲ ዛንታ ከምኡ’ዩ። ንልዕሊ 1500 ዓመታት ብግብጻውያን ጳጳሳት ትምራሕ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ናይ መጀመርያ ፓትርያርክ ብ1959 ተሾመ። ክሳዕ እዚ ዘለናዮ ጊዜ (2025) ድማ ሽዱሽተ ፓትርያርካት ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ኢትዮጵያ ተቐሚጦም ኣለዉ፣ (ኣቡነ ባስልዮስ፡ ቴዎፍሎስ፡ ተክለሃይማኖት፡ መርቆሬዎስ፡ ጳውሎስን ማትያስን)።
ኣቲና ዶ ኣይኣተናን፧
ኣብ ኤርትራ ኰነ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዘይ ስምረት መንግስቲ ዝተሾመ ፓትርያርክ የልቦን። ንመዛግብቲ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሾሙ፡ ሽዱሽተ ፓትርያርካት ገንጽሉ። ንመዛግብቲ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝተሾሙ፡ ሽዱሽተ ፓትርያርካት’ውን ገንጽሉ። ብዘይ ስምረት መንግስቲ ዝተሾመ፡ እንኮ’ኳ ይኹን፡ ፓትርያርክ፡ ኣብ ኤርትራ ወይስ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዘመነ ንጉስ፡ ወይስ ኣብ ዘመነ ድሕሪ ውድቀት ወተሃደራዊ መንግስቲ’ውን እንተዀነ፡ ፍጹም ኣይክትረኽቡን ኢኹም።
ኣዒንትና ዓሚትናን ተጐምቢሕናን፡ ”ኣቲና ዶ ኣይኣተናን” ምባል እንተቐጺልና እምበኣር፡ እቲ ክንሰምዖ እንኽእል ምላሽ፡ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ርዱእ’ዩ። ኣዒንትና ቋሕ ምባል ክሳዕ ዘይከኣልና ድማ፡ ርድኢትና’ውን ከምኡ ክኸውን ምዃኑ፡ ዘጠራጥር የብሉን።
ነገረ ውግዘት
ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ሓምሻይ ፓትርያርክ ኣቡነ ጳውሎስ ዝመርሕዎ ቅዱስ ሲኖዶስን፡ ራብዓይ ፓትርያርክ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዝመርሕዎ፡ ኣብ ስደት ዝነበረ ሕጋዊ ሲኖዶስን፡ ንሓድሕዳዊ ውግዘት፡ ከም ማይ’ዮም ዝሰትይዎን ዝነጽግዎን ዝነበሩ። በዚ ኸምዚ፡ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን፡ ብህልኽን ክርክርን ክኸዱ ድሕሪ ምጽናሕ ግና፡ መወዳእታኡ፡ ኣቡነ ጳውሎስ ዓሪፎም፡ ምስ ኣቡነ ማትያስ ዕርቂ ምስ ኰነ፡ መራሕቲ ክልቲኦም ሲኖዶስ፡ ነታ ሓንቲ መንበር፡ ብማዕረ ተማቐልዋ። ውህደትን ሓድነትን ጳጳሳት፡ ምእኩል ምሕደራ ኣብያተ ክርስቲያን ወዘተ. . . እቶም ዘይጻገቡ ዝመስሉ መተሃላልኽቲ፡ ኣብ ሓንቲ እንጌራን ኣብ ሓንቲ ጽዋእን ተራኸቡ! ኣዒንትና ቋሕ ከነብሎ እንተመረጽና፡ እዚ ጉዳይ እዚ በርሃው ኢሉ ክርኣየና’ዩ። ኣዒንትና ዓሚትናን ተጐምቢሕናን፡ ”ኣቲና ዶ ኣይኣተናን” ክንጻወት እንተመሪጽና ግና፡ እታ መልሲ ሓጻርን ንጽርትን እያ።
ጳጳሳተ ኤርትራ፡ ንሳልሳይ ፓትርያርክ ዘኤርትራ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ምስ መንግስቲ ወጊኖም ኣሕሊፎም ሃብዎም። ጳጳሳተ ኢትዮጵያ’ውን ንኻልኣይ ፓትርያርክ ዘኢትዮጵያ፡ ኣቡነ ቴዎፍሎስ “መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ቅኑዕ እዩ” ቢሎም ብምፍራም፡ ኣሕሊፎም ሂቦሞም ነበሩ። ”ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ፡ ሓድሽ ነገር ከቶ የልቦን” ዝበለ ንጉስ ሰሎሞን እኳ፡ ኣዒንቱ ቋሕ ኣቢለ ስለ ዝረኣየ ደኣ እምበር፡ ኣዒንቱ ስለዓመተ ኣይነበረን። መንግስትነት መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብቂዑ፡ ብመንግስትነት መለስ ዜናዊ ምስ ተተክአ፡ ሬሳ ኣቡነ ቴዎፍሎስ፡ ካብቲ ዝተቐብረሉ ተፋሒሩ፡ ዳግም ብኽብሪ ከም ዝቕበር ኰነ። ሽዑ፡ እቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ጳጳሳት ከይተረፉ፡ ንኣቡነ ቴውፍሎስ “ሰማዕት” ቢሎም ንምስማይ ተቐዳደሙ። እዚ፡ ጽባሕ ንግሆ፡ ኣብ ኤርትራ’ውን ከም ዘሎዎ ዝድገም ምዃኑ፡ ከይደቀስካ ዝሕለም፡ ግሁድን ውሁብን ክስተት’ዩ።
ኣቲና ዶ ኣይኣተናን፧
ግብጺ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ሓበሻ ክህልዋ ዝኽእል ጽልዋ፡ ብወገን ኢትዮጵያ እንተዘይሰሊጡ፡ ከምቲ ኣብ ግዜ ጥልያን’ውን ዝተገብረ፡ እንተወሓደ ብቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣቢላ ክትቅጽሎ፡ ድሌት ጸኒሕዋ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ’ውን ክኸውን ይኽእል፡ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ ገና ኣካል ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ንብጹዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ኣመሪካ፡ ነፍሶም ይምሓር ንብጹዕ ኣቡነ ማርቆስ ድማ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ በብዘለውዎ ንኤርትራውያን ንኸገልግሉ ብዝብል ሓሳብ፡ ብዘይ ስምረትን ፍቓድን ኢትዮጵያ፡ ብሲመተ ጵጵስና ዝቐብኣቶም።
ኣቲና ዶ ኣይኣተናን፧
ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ሽዱሽተ ፓትርያርካት ክትሸይም ከላ፡ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ሲመተ ሽዱሽቲኦም ፓትርያርካት፡ ኣይተሳተፈትን። ስለምንታይ፧ ቢልና ንሕተት። ስለምንታይ እያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሲመተ ቀዳማይ ወይ ኣብ ሲመተ ካልኣይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሲመተ ሽዱሽቲኦም ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ዘይተሳተፈት፧!
እስመ ኵሉ ኃላፊ ውእቱ
ጥልያን ኔሩ፡ እንግሊዝ ምስ መጸ ክቕጽል ኣይከኣለን። ቤተ ክርስቲያን ግና፡ ኣብ ዘመነ ጥልያን ኔራ፡ ኣብ ዘመነ እንግሊዝ’ውን ቀጸለት። ሃጸይ ሃይለስላሴ ኔሮም፡ መንግስቱ ሃይለማርያም ምስ መጸ ግና፡ ዙፋን ንግስነቶም ኣብቅዐ። መንግስቱ፡ ፓትርያርክ ቀቲሉ በብጊዜኡ ክልተ ፓትርያርክ ሾመ፡ ኢህወደግ ምስ መጸ ግና መንበሪኡ ኣብ ዚምብባወ ክሳዕ ዝገብር፡ ብእግረይ ኣውጽእኒ ተመልጠጠ። ወዘተ. . . እዚ ኣብ ኤርትራ በትረ ስልጣን ጨቢጡ ዝመርሕ ዘሎ’ውን፡ ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝመደቦ ጊዜ፡ ጸግዑ ክሕዝ’ዩ። ቤተ ክርስቲያን ግና ሽዑ’ውን ክትቅጽል’ያ!
ኣቲና ዶ ኣይኣተናን፧
ተመሊስካ ንእትረድኦ ሓዲግካዮ ምእታዉ፡ ልቦና ኣይኰነን’ሞ፡ ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ይትረፍ ንኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል ኦርቶዶክስሲ፡ ንምብራቕ ኦርቶዶክስ’ውን ኣብ ሲመተ መዓርግ ክዕድም ካብ ከኣለ፡ ምስ ኤርትራውያን ኣቦታት፡ ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ዘይዕረቐሉ፡ ዋላ ሓደ ከም ዘየልቦ ርኡይ ምልክት እዩ። ንግብጺ ተቐቢልካ፡ ንኣቡነ መቃርዮስ እትነጽገሉ ባይታ ክህሉ፡ ምሕንጋድ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ምሕንጋድ ከኣ መንፈሳውነት ኣይኰነን።
ለቡ
ኣዒንትና ዓሚትናን ተጐምቢሕናን ምኻድ ከብቅዕ ከም ዘሎዎ፡ ንኻልኢት’ኳ ይኹን ስግጥ ኣይንበለሉ። ኣዒንትና ቋሕ ነብል እሞ፡ ምድሪ ንዓጺድ ጻዕድያ ምህላዋ ኸኣ ነስተብህል።
ጻውዒት
ታሪኽ ምድጋምና ንዘይተርፍ፡ ነዊሕ ከይከድና፡ ውዒልና ሓዲርና ካብ ሓንቲ እንጌራ፡ ካብ ሓንቲ ጽዋእ፡ ካብ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን፡ ምክፋልና ኣይተርፍን እዩ እሞ፡ ብደገን ብውሽጥን ዘለኹም ኣቦታት፡ ነቲ ጉዕዞ ከተሕጽሩልና፡ ነታ ብደም ክርስቶስ እተጠርየት ቤተ ክርስቲያን፡ ከምቲ ክትኰኖ ዝግብኣ፡ ኣብነት ፍቕርን ሰላምን ምዃና፡ ብግብሪ ከተግህዱን፡ ከተርእዩን፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓት ክትሰብኽ ምእንቲ ክከኣላ ኸኣ፡ ንቕድም ምስ ገዛእ ርእሳ ከም እትዕረቕ ክትገብሩን፡ ክህነታዊ ጻውዒት አቕርብ ኣለኹ።
ወይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላከ ኣበዊነ፡ ስቡሕኒ ውእቱ፡ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም!
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል
17 ለካቲት 2025