ቀዋሚ ኮሚተ ሲኖዶስ ግብጺ፡ ንምርጫ ፓትርያርክ ኤርትራ ብዝምልከት ይጽሊ
ትማሊ ሰሉስ 05 ሕዳር ዝተጋብአ ቀዋሚ ኮሚተ ሲኖዶስ ግብጺ፡ ብዛዕባ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ምርጫ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ጸሎት ምግባር ክቕጽል ከም ዝወሰነ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ቀዋሚ ኮሚተ፡ ነቲ ብገለ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ፡ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ናብ ክልተ ንኽትምቀል፡ ገለ ጳጳሳትን ሊቃነ-ጳጳሳትን ዝርከብዎም ካልእ ቀጽሪ ከም ዝቖመ ዝሕብር ክስተትን ካልእ ጉዳያትን ንምርኣይ ኣብ ዝተጋብኣሉ’ዩ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን ጸሎት ምግባር ክቕጽል ከም ዝተወሰነ ኣፍሊጡ ዘሎ። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፡ ብመሪሕነት ፓትርያርክ ኣቡነ ቴዎድሮስ ዳግማይ፡ ምስ ኩሎም ሊቃነ ጳጳሳታ ብምልኣት ከም ዘላን፡ ንዕለት 18 ሕዳር ከኣ ብምኽንያት መበል 12 ዓመት ሲመተ ፕትርክና ኣቡነ ቴዎድሮስ ሓባራዊ ቅዳሴ ክግበር ምዃኑን፡ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ’ሎ።
ብቛንቋ እንግሊዝ እተጻሕፈ ምሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለጺ፡ ኣብዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።