ደበስ ወዲ ደባስን ደበስ ዘድልዮ ባጫን

ንዝፈልሐ ነገር፡ ዝሑል ማይ ብምእታው ከም ዝዝህም እንተጌርካዮ፡ ደቢስካዮ እዩ ዝብሃል። ወዲ ደባስ ከኣ፡  ማለት ቀሺ ማርቆስ ደባስ’ውን፡ ከምኣ’ዩ ጌሩ። እዛ «ወዲ ደባስ» እትብል ብህሎ፡ ነቶም እናጐየኹም እትሓስቡ፡ ድቃስ ከሊኣትኩም ከም ዘላ ኣይሰሓትክዋን። «ቀሺ ዮናስሲ ከምዛ ናይ ተጋደልቲ ጌርዋ፡» ትብሉ ምህላውኩም ከኣ፡ ብርዐይ’ውን ገሚታቶ’ላ። «መልእክተ ዮሐንስ ሐዋርያ ወልደ ዘብዴዎስ» ክብሃል ከሎ፡ «ወልደ ዘብዴዎስ» ማለት፡ «ወዲ ዘብዴዎስ» ማለት ዶ ኣይኰነን! «ወዲ ደባስ» እንተበልኩ ደኣ ከመይ ሰምበደኩም፧ ደጊም ነዚኣ’ውን እምበኣር፡ ዝሑል ማይ ይእተዋ’ሞ፡ ትደበስ!

«ቀሺ ዮናስ ፕሮተስታንት እዩ፡ ከምዝን ከምትን ይብል’ዩ፡ ኣብታ ናትካ ኣቃልዓዮ ዝበሉኒ ካህናት ኣለዉ። ንስኹም ልሳን የብልኩምን ዲኹም፧ ጌጋ እንተሃልይዎ፡ ንስኹም መልሱሉ ባዕልኹም ኢለዮም። ወይ ከኣ ንዑ ከራኽበኩም ኢለዮም፡ ክራኸቡ’ውን ኣይከኣሉን። ቀሺ ማርቆስ ዓሻ ኰይነ ግና፡ ብኣይ ጌሮም ከውቅዑ ዝሓሰቡ ሰባት ኔሮም’ዮም። ኣብ ዝቕጽል ኩሉ ከቕርቦ እኽእልየ፡ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ ታሪኽ ውልቀይ ኣይኰነን» በለ ቀሺ ማርቆስ።

ቅዲ ኣተሓኽኻ ስሓ-ላም

«ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባስ ብእግራ ትሓክኽ» ካብ ዝብል ምስላ፡ ዝሰናዕክዎ ብህሎ’ዩ። ባዕልኻ ንባዕልኻ፡ ገዛእ ርእስኻ ምምላኽ፣ ክትብሎን ክትገብሮን ዝግብኣካ፡ ባዕልኻ ክትብሎን ክትገብሮን ምኽኣል፣ ከምኡ’ውን ካብ ካልእ ከይተጸበኻ ርእስኻ ምኽኣል፣ ኣብ ዝብል፡ ናብዚ ክሳዕ ዘይዓሰልና፡ ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ፡ ትርከ-ምርኪ ኰለል ምባል ኣይተረፍን’ዩ። እዚ ኣተሓኽኻ ስሓ-ላም ቢለ ዘጠምቖ ዘለኹ ብህሎ፡ ነቲ «ልበይ መዓዱለይ፡ የፍቅረኪ’ዩ በሉለይ» ወዘተ ዝዓይነቱ፡ እወታዊ ዝመስል፡ ግናኸ ንብድሆኻ ተቢዕካ ንኸይትገጥሞ ዘስንፍ ኣበሃህላ’ውን ዝሓቍፍን ዝጥርንፍን ይኹን።  

እቶም ብእግሪ ቀሺ ማርቆስ ጌሮም፡ ንስሓ ቀሺ ዮናስ ክሓኩ ዝተማሕጸኑ ካህናት፡ እኒ መን ኰን ይኾኑ ዝብል፡ ድሮ ንኣእምሮይ ኣርሲሕዎ’ሎ። ካብ ኣምላኽ ብዙሕ ምሕረት እተቐበልኩ እየ እሞ፡ መን ይኹኑ መን ብዘየገድስ፡ ንርእሰይ ክጥዕመኒ፡ እወ ንርእሰይ ምእንቲ ክጥዕመኒ፡ ምሕረት ክገብር ፈትየ ኣለኹ። ንኹልኹም እቶም ከምኡ ዝበልኩም ኣምላኽ ይምሓርኩም! እትሓትዎ እንተለኩም ድማ፡ ከምቲ ቀሺ ማርቆስ’ውን ዓዲምዎ ዘሎ፡ ገጽ ንገጽ የራኽበና!!

ንእከለ ከሐጕስ ዝኣምኖ፡ ንእከለ ከጕሂ ዝጽየኖ እምነት ስለ ዘይኰነ፡ ኦርቶዶክሳዊ ምዃነይ ንኸእምን፡ ርኣዩለይ ስምዑለይ ምባል ዘድልየኒ ኣይመስለንን። ሓድሕድ ክንፋቐር፡ ሓድሕድ ክንጸዋወር፡ ሓድሕድ ክንለዋዋህ ደኣ እምበር፡ ሓድሕድ ተነኻኺስና ክንጣፋእ፡ ሓድሕድ ክንናቘር ክርስቲያናዊ ጻውዒትና ኣይኰነን። ስለዚ ኸኣ ኣብ ከምዚ፡ ኣጻልኡና፡ ኣፋትዉና ዝዓይነቱ ሓሸው’የ ክውዕል ኣይብህግን።

ቀሺ ማርቆስ ጠቒስዎ ከም ዘሎ፡ እቲ ካብ ኣቡነ ሲኖዳ ናብ ዲያቆን ዮሃንስ ገብረህይወት «ኣብ ትሕቲ መንፈሳዊ ጕስነትና ዘየለኻ ምዃንካ ንሕብር» ዝብል፡ ክታምን ማሕተምን ኣቡነ ሲኖዳ ዘሎዎ፡ ኢመንፈሳዊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሱሩ’ውን ንሓድነት እቲ ዕርቂ ዝፈታተን ብምዃኑ፡ ብኣጋኡ ክስሓብን፡ ተቐዲዱ ክድርበን፡ ይጽንሓለይ ክብሃሎ ኣይግባእን። ይንኣስ ይዕበ፡ ዝውሰን ውሳነ፡ ብምእኩል ኣገባብ፡ ብስምምዕ ክልቲኦም ጳጳሳት እንተዘይኰይኑ፡ ሕጋውነቱ ኰነ ተቐባልነቱ፡ ባይታ ዝዘበጠ ምዃኑ፡ ኣንድምን ኣንድምታን ምግንጻል ዘድልዮ ኣይኰነን።

ኣባ ተስፋጽዮን ዝተባህለ ቈልዓ  

ከም ምዝንጣል ጌሩ፡ ካልእ ዘሰቅቐኒ እንተሎ፡ ኣይፈለጥኩን። እቶም ኣብ ትሕቲ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝመሓደሩ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ እንመሓደር፡ እንተነቐፉናን እንተዘለፉናን፡ ብኣንጻሩ ድማ ንሕና ንዕኦም እንተዘለፍናዮምሲ፡ እቲ ናትና፡ ካብቲ ናቶም ብምንታይ እዩ ዝፍለ፧!

«ብፍላይ ከኣ እዚ ኣብ ዋሽግንተን ዲሲ ዘሎ፡ ኣባ ተስፋጽዮን ዝተባህለ ቈልዓ» በለ፡ ቀሺ ማርቆስ። እዚ፡ ፈጺሙ ካብ ኣፍ ቀሺ ክወጽእ ዘይነበሮን፡ ዘይግቡእን ብህሎ እዩ። ከመዮ እቶም ብጾትና “ኣባ ምሕጽንተ” ክብሉ ኔሮም፡ ሕጂ ግና «ብጹእ ኣቦና» ክብሉ ሩሖም ሞሊቖም ዘለዉ፡ ጽባሕ ንግሆ፡ ዕርቀ-ሰላም ምስ ወረደ፡ «ብጹእ ኣቦና» ምባል ንዘይተርፍ፡ ሕጂ ከቢድ ቃል ካብ ኣፍና ክወጽእ፡ ሸለል ክንብሎ ኣይግባእን። ብሱሩ’ውን ንሓሳብ ብሓሳብ ምምካት ደኣ እምበር፡  እንተተቐበልካዮ ከተኽብሮ፡ እንተነጸግካዮ ሓደው እንተነጸገካ ኸኣ ከተሕስሮ ዝብል ኣካይዳ፡ መንፈሳውነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰብኣውነት’ውን የብሉን። ደጊም ነዚኣ’ውን እምበኣር፡ ዝሑል ማይ ይእተዋ’ሞ፡ ትደበስ!

ብዝተረፈ

ቀሺ ማርቆስ ደባስ፡ ንዘርኣኻዮ ተበግሶን ትብዓትን፡ ልባዊ ኣድናቖት አቕርብ። ንኹልኹም እቶም ዘጸለምኩምን ከተጸልሙ ዝሃቀንኩምን፡ ኣምላኽ ይምሓርኩም። ብዛዕባ እታ ኣባይ ዘላ ካብ ኣቦታት እተቐበልክዋ እምነት፡ ምኽንያታ ንዝሓተኒ ዘበለ ኸኣ፡ ምላሽ ንምሃብ፡ ወትሩ ድሉው ምዃነይ፡ ብሓጐስ አረጋግጽ።

ብክርስቶስ
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ምርጫ ፓትርያርክ፡ ራብዓይ ዶ ሻድሻይ፧

Next
Next

ቀዋሚ ኮሚተ ሲኖዶስ ግብጺ፡ ንምርጫ ፓትርያርክ ኤርትራ ብዝምልከት ይጽሊ