ምርጫ ፓትርያርክ፡ ራብዓይ ዶ ሻድሻይ፧

ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ምርጫ ሻድሻይ ፓትርያርክ ክግበር ምዃኑ፡ 06 ሕዳር 2024 ኣበሲሩ'ሎ። ዛጊት፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፓትርያርካት፡ ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምምላእ ዝተመርጸ መን ይመስለኩም፧! ናይ መብዝሕትኹም ምላሽ፡ «ኣቡነ እንጦንዮስ» ዝብል ከም ዝኸውን ክግምቶ እኽእል’የ። ግምትን ክውንነትን ግና ወትሩ ይሳነዩ’ዮም ማለት ኣይኰነን።

ኣብ ሓደ ጫፍ ሓደ መቓን ተቐሚጡ፡ ዝበረቐት ጸሓይና በሃሊ፡ ጉዳዩ ዘይኰነ፡ ፈጺሙ ዘይሓስብ ሰብ ኣሎ። ኣብ ካልእ ጫፍ እቲ መቓን ድማ፡ ኮፍ ኢሉ ዝሓስብን ኣፍተልቲሉ ዝመራመርን ሰብ ከኣ ኣሎ። መብዝሕትኡ እቲ ካልእ፡ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ጫፋት፡ ካብን ናብን፡ ናብዝን ናብትን ዝርሮ ሓሳባት ሒዙ’ዩ ዝመላለስ።

በየናይ መዐየሪ ኢኻ እትፈርድ ዘለኻ፧!

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብ1991 ርእሳ ክኢላ ክትመሓደር ምዃና ምስ ተወሰነ፡ ብ1995 እያ፡ መመሓደሪ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ኣጽዲቓ። ኣብ ዓመተ 2002 ድማ «ተኣሪሙ ዝወጸ ካልኣይ ሕታም» ኣዳለወት። ነዚ ካልኣይ ሕታም፡ እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ተመዚዙ ዝመጸ፡ ይፍታሄ ወዲ ቐሺ ዲሜጥሮስ ዝሰንዖ’ዩ ብምባል፡ ዘይቅበልዎ ኣለዉ፣ እቶም ብእኡ ከመሓደሩ፡ «ሕራይ» ቢሎም ዝመረጹ ሲኖዶስ ኤርትራ ኸኣ፡ ነቲ ቀዳማይ ሕታም፡ ውዱቕ ገበርዎ።

ቀዳማይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ፊሊጶስ ኰነ፡ ካልኣይ ፓትርያርክ፡ ቅዱስ ኣቡነ ያእቆብ፡ ዋላ’ውን እቶም ሳልሳይ ፓትርያርክ፡ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ከምቲ እቲ ቀዳማይ ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝእዝዞ፡ ብድምጺ 318 መረጽቲ ኣይተመርጹን። መጺጻ ዶ፧ ዓርዒራ ዶ እዛ ጉዳይ፧ ኣብ ሓደ ጫፍ ሓደ መቓን ተቐሚጡ፡ ፈጺሙ ዘይሓስብ ሰብ ኣሎ። ኣብ ካልእ ጫፍ እቲ መቓን ተቐሚጡ፡ ኮፍ ኢሉ ዝሓስብን ኣፍተልቲሉ ዝመራመርን ሰብ ከኣ ኣሎ።

ራብዓይን ሓምሻይን ፓትርያርካት፡ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብህይወት ከለው ዝተሾሙ ስለ ዝዀኑ፡ ነቲ፡ ፓትርያርክ ብህይወት ከሎ ካልእ ክትክኦ ኣይግባእን ዝብል፡ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ስለ ዝጠሓሱ፡ ብሱሩ፡ ቀይደ-በተኻዊ ኪደት ምንባሩ፡ ዓይኒ ዘሕሲ ክስተት ኣይነበረን፡ ኣይኰነን ከኣ። «ይተካእ ይለቀብ» ይብሉ ወለዲ፡ ንሶም’ውን እንተዀኑ ግና፡ ነቲ ቀዳማይ ኰነ ነቲ ተመሓይሹ ዝወጸ ሕጊ’ውን ይኹን፡ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ኣማሊኦም ኣይተመርጹን።

መመሓደሪ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን፡ ዝእዝዞ፡ ኣምራጺት ኮሚተ ሰለስተ ሕጹያት ከተቕርብ ዝብል ክኸውን ከሎ፡ ሓምሻይ ፓትርያርክ ኰይኖም ዝተመርጹ ኣቡነ ቄርሎስ፡ ግና ንሶም ዝሓምሻዮም፡ ምስ 4 ካልኦት ሕጹያት እዮም ተወዳዲሮም። እምበኣርከስ፡ ቀዳማይ ንበል ሓምሻይ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ዛጊት ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ኣማሊኡ ዝተመርጸ ፓትርያርክ የብልናን።

እቲ ሕጊ ኸ እንታይ’ዩ ዝብል፧

እቲ ብ1995 ዝወጸ ቦኽሪ ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከም ዝእዝዞ፡ ምርጫ ፓትርያርክ ንምክያድ፡ ብቐዳምነት 17 ኣባላት ዝርከብዋ «ኣምራጺት ኮሚተ» እያ እትቐውም። ዋና ዕማም እዛ ኣምራጺት ኮሚተ፡ ካብቶም ድሮ ብመዓርገ ጵጵስና ተሸይሞም ዘገልግሉ ዘለዉ፡ ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድመኦም፡ መምያ፡ ንምርጫ ፓትርያርክነት ዝቐርቡ ሰለስተ ሕጹያት ምቕራብ እዩ። ነዞም ዝቐረቡ ሰለስተ ሕጹያት ድማ፡ ኩሎም ኣባላት ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ወከልቲ ገዳማተ ኤርትራ፡ ወከልቲ ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ብድምር 318 መረጽቲ እዮም። ካብቶም ሰለስተ ሕጹያት፡ እቲ ብብዝሒ ዝተመርጸ ኣቦ፡ መንበር ፓትርያርክነት ይቕበል።

እቲ ድሒሩ ብ2002 ዝተመሓየሸ ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከም ዝእዝዞ፡ ብዝሒ ኣባላት ኣምራጺት ኮሚተ፡ ግድን 17 ዘይኰነስ፡ ሲኖዶስ ብዘውጽኦ መምርሒ’ዩ ዝውሰን። ዋና ዕማም እዛ ኣምራጺት ኮሚተ ግና ከምቲ ቀዳማይ ሕጊ’ውን ኣስፊርዎ ዘሎ እዩ። ኣምራጺት ኮሚተ፡ ካብቶም ድሮ ብመዓርገ ጵጵስና ተሸይሞም ዘገልግሉ ዘለዉ፡ ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድመኦም፡ መምያ፡ ንምርጫ ፓትርያርክነት ዝቐርቡ ሰለስተ ሕጹያት ተቕርብ። እቶም ኣብ ምርጫ ዝሳተፉ፡ ከምቲ እቲ ቐዳማይ ሕጊ ዘስፈሮ 381 ዘይኰነ፡ ብቐዳምነት፡ ኩሎም ኣባላት ሲኖዶስን ኣበምኔታት ገዳማተ ኤርትራን ክዀኑ እዩ ዝድንግግ። ካልእ ምውሳኽ ኣድላዪ ኰይኑ እንተተረኺቡ ጥራይ ግና፡  ከካብ ሃገረ ስብከት ዝውከሉ፡ መረጽቲ ኣብቲ ምርጫ ክሳተፉ ይኽእሉ። ንብዝሖም ብዝምልከት ከኣ፡ ሲኖዶስ ብዝህቦ መምርሒ ይውሰን፡ እዩ ዝብል።

ጉዳይ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ኣስመራ፡ ወግዓዊ ቀብሪ ትግበር

ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብግፍዒ ከም መንበሮም ከም ዝእለዩ ስለ ዝተገብረ፡ ንሶም ብህይወት እናነበሩ፡ ካልኦት ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ከም ዝቕመጡ ስለ ዝተገብረ፡ ብዘይ ፍርዲ ንልዕሊ 16 ዓመታት ኣብ ዘቤታዊ ማሕዩር ምሕያሮምን ኣብኡ ምዕራፎምን፡ ንፓትርያርክ ዝግባእ ስርዓተ ቀብር ስለ ዘይተገብረሎምን ወዘተ፡ ብዅሉ እተገፍዑ ኣቦ እዮም። ብፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ቴዎድሮስ ዳግማዊ፡ «ሰማእት እንበለ ደም» ማለት እንተስ ብሰይፊ እንተስ ብጥይት፡ ደሞም ተኻዕዩ ዘይፈሰሰ፡ ግናኸ ንስለ እምነቶም ብሰማእትነት ዝሓለፉ ቅዱስ ኣቦ እዮም።

ካልኣይ ፓትርያርክ ዘኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣቡነ ቴዎፍሎስ፡ ብወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጨውዮም፡ ሃለዋቶም ከይተሓበረ፡ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ሳልሳይ ፓትርያርክ ከም ዝህልዋ ምስ ተገብረ፡ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፡ ነቲ መስርሕ ብምቅዋም፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዝምድና በተኸት። እቶም ሳልሳይ ሓሊፎም፡ እቶም ራብዓይ ስደት በጺሕዎም፡ ናብ ኣመሪካ ምስ ተሰዱ እሞ፡ ሓምሻይ ፓትርያርክ ምስ መጹ፡ ምስ ግብጺ መተዓረቒ ኰይኑ ዝቐረበ፡ ንሬሳ እቶም ካልኣይ ፓትርያርክ፡ ፍሒርካ፡ ወግዓዊ ቀብሪ ድሕሪ ምግባር፡ ምስ ዝሞተ ስለ ዘይምወት፡ እቲ ዝምድና ናብ ንቡር ምምላስ እዩ ዝነበረ። እቲ ጉዕዞ ቀጺሉ፡ ነቶም ቀዲሞም ዝተሾሙ፡ ሳልሳይን ራብዓይን ግና፡ ከም ዘይህልዋት ክገብርዎም ኣይተኻእሎምን። ስለዚ ኸኣ ኣቡነ ጳውሎስ፡ ሓምሻይ ፓትርያርክ ዘኢትዮጵያ ኰይኖም ነቲ ሰንሰለታዊ ርክብ ኣዐረይዎን ናብ ንቡር መለስዎን።

ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ምርጫ ሻድሻይ ፓትርያርክ ክግበር ምዃኑ፡ 06 ሕዳር 2024 ኣብ ዘበሰረሉ መግለጺ፡ ምስ ስምረት ገዳማት ብዛዕባ ሓድነትን ስምምዕን ክመክርን ክጽልን ከም ዝጸንሐ መጠን፡ ኣብ ደገን ውሽጥን ንዘሎ ህዝበ ክርስቲያን ብሓደ ጓሳን ሓደ መጓሰን ንምጥርናፉ ምእንቲ ክከኣል፡ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ እንጦንዮስ ንዝተፈጸመ በደል፡ ምዕሩግ መዛዘሚ ብምግባር ነቲ ምዕራፍ ክዓጽዎ፡ ይጽንሓለይ ክብሃሎ ዘይግባእ እዩ።

ከም መዘኻኸሪ

ሓምሻይ ፓትርያርክ ኣብ ምምራጽ ዝተሓልፈ መስርሕ፡

• ቀዳማይ መግለጺ፡ 08 ሚያዝያ 2021 ወጺኡ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣስመራ፡ ኃምሻይ ፓትርያርክ ንምሻም መደብ ከም ወጸ።

• ካልኣይ መግለጺ፡ 15 ሚያዝያ 2021 ወጺኡ፡ እቲ ምርጫ፡ መዓስን ብኸመይን ከም ዝፍጸምን ካልኦት ዝርዝራዊ ጉዳያቱን ዘነጽር መምርሒ ወጸ። ንመስርሕ ምርጫ ዝከታተልን ዘፈጽምን 7ተ ዝኣባላቱ ኣምራጺ ኮሚተ ቈመ።

• ሳልሳይ መግለጺ፡ 23 ሚያዝያ 2021 ወጺኡ፡ ኣብቲ ምርጫ ዝሳተፉ መረጽቲ ዝርቝሑሉ ኣገባብ፡ ሕጋዊ መስርሓቱን ደረት ግዜን ብምንጻር ነንዝምልከቶም ቕጥዕታቱን ሓበሬታኡን ተመሓላለፈ።

• ራብዓይ መግለጺ፡ 07 ግንቦት 2021 ወጺኡ፡ ብዝሒ ቍጽሪ መረጽቲ፡ 81 ምዃኖምን፡ ንሳቶም ድማ ካብ ውሽጥን ወፃእን ኣህጉረ ስብከታት፡ ካብ ጉባኤ ሊቃውንት፡ ገዳማውያን ኣበው፡ ከምኡ’ውን ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ዘዋጽኡ ምዃኖምን ተነግረ። ካብዞም 81፡ እቶም ሸሞንተ፡ ካብ ኣስመራ ምንባሮም ተሓበረ።

• ሓምሻይ መግለጺ፡ 11 ግንቦት 2021 ወጺኡ፡ ዕለተ ምርጫ ድማ 13 ግንቦት 2021 ምዃኑ ተነግረ።

 ደጊም ሕጊ ኣይጠሓስ

ኣምራጺት ኮሚተ ምስ ቈመት፡ ሕጹያት ተወዳደርቲ ጌራ እተቕርቦም፡ ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድመኦም፡ ሰለስተ ጳጳሳት ጥራይ ክኸውን ከም ዘሎዎ ኣይዘንጋዕ። ቃል ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብምልቃሕ፡ ”ንሕጊ እንተረገጽካዮ፡ ተመሊሱ’ዩ ዝረግጸካ!”

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ደበስ ወዲ ደባስን ደበስ ዘድልዮ ባጫን