ብዕራይ-ኣባጅጎን ፈረስ-ኣደይ ማርያምን
ዓመተ 2024 ዛዚምና፡ ናብ ዓመተ 2025 ንኣቱ’ለና! ነተን ክልተ ሽሕ ብድብዱቡ ሓዲግና፡ ነተን 25 ጥራይ ንሓዝ። ሓሳብና ንምውዳን ምእንቲ ክጥዕመና ግና፡ እንታይነት ብዕራይ ኣባጅጎን ፈረስ ኣደይ ማርያምን ንጥቀሶ። ብዕራይ ኣባጅጎ፡ «ውዕዉዕ ቀይሕ ዝሕብሩ፡ ሕንዚዝ መሰል፡ ድቕቕ ዝበለ ሓሸራ» እዩ፡ ይብለና ዘመናዊ መዝገበ ቃላት። «ፈረስ ኣደይ ማርያም» ንዝብል ከኣ፡ ኣብቲ መዝገበ ቃላት እኳ እንተዘይረኸብክዎ፡ ኣብ ዝኽሪ ቍልዕነተይ ግና፡ ሓደ ካብ ዓሌት ኣንበጣ ምዃኑ እዝክር’የ።
ክንዲ ኣባጅጎ ንዝምግዛፉ፡ ኣብ ሓደ ደቂቕ ሓሸራ ክትርእዮ ካብ ምኽኣል ዝዓቢ፡ ካልእ እምነት፡ ሓደው ካልእ ጥበብ፡ እንታይ ክህሉ ይኽእል፧ ክንዲ እምባ ኰይኑ ንዝተገተረ፡ ናብ ክንዲ ጸጸር ኣድቂቓ ናብ ባሕሪ ከተጥሕል እትኽእል፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኸውን እምነት ትርከበና ዶ፧ መሰረት እዛ እምነት እዚኣ እቲ ዘይንቕነቕ ትኹልን ጽኑዕን ቃል ኣምላኽ እዩ። «እምነት ካብ ምስማዕ’ያ በለ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ (ሮሜ 10.17) ንነገራት ኣብ ምትዕብባይ ዶ ኣብ ምድቓቕ ኢና ሃለኽለኽ እንብል፧! ህላወ እምነትን ብኵራታን ክንመዝነሎም ካብ እንኽእል ረቛሒታት፡ እቲ ሓደ እዚ’ዩ።
«ብዕራይ ኣባጅጎ»፡ ሓሸራ’ዩ ካብ ተባህለ፡ «ሓሸራ» ዝብል ስም፡ ኣብቲ መዝገበ ቃላት፡ «ሓደ ካብቶም ዘይገረንገራውያን፡(ዓጽሚ ዓንዲ ሕቘ ኮነ፡ ቈርጠምጠመ ዘይብሎም) መብዝሕትኡ ኸኣ መንፈርፈር ዘሎዎም፡ ከም እኒ ሕንዚዝ ንህቢ፡ ጽንጽያ ትንኩሉብ፡ ጻጸ ወዘተ ዘጠቓልሉ እንስሳታት» ዝብል ትርጕም’ዩ ዘሎዎ።
እቲ ንመብልዒ ጎጎ ዝኸውን ዝናም ዘውርድ «ኣባጅጎ»፡ ንሱ ዝደለዮ ዝገብር፡ ኣልቦ ዘይሰኣኖ፡ ወዘተ ምዃኑ ንምሕባር ዶ ይኸውን፡ ይትረፍ ብዓርሞሽሽ ብዕራይሲ፡ በዚ’ውን ክሓርስን ክምሕስን ይኽእል’ዩ ንምባል፡ እዚ ሓሸራ እዚ፡ ብዕራዩ ዝኸውን ዘሎ፧! እንታይ ፈሊጥና ኢልኩምና ኢኹም። ኣብ ዝባን እቲ «ፈረስ-ኣደይ ማርያም» ተዀይጥኩም ከኣ እስከ ሕሰቡ. . .
ዓመተ 2024 ዛዚምና፡ ናብ ዓመተ 2025 ንኣቱ’ለና! ነተን ክልተ ሽሕ ብድብዱቡ ሓዲግና፡ ነተን 25 ጥራይ ንሓዝ። ርብዒ ዘመን፡ ክንዲ እምባ፡ እረ ከም ግምቢ ባቢሎን ሰማይ ዝጥንቍር ሕልኽላኻት. . . ጭውያ፡ ማእሰርቲ፡ ሞት፡ ስደት፡ ከምቲ ኣብ ዮኤል ”ማሕረሻኹም ሰይፊ፣ ማዕጺድኩም ከኣ ኲናት ስርሕዎ” ዝብል ጽሑፍ ዘሎ (ዮኤ3:10)፡ ካብዚ ክንወጽእ ኣይከኣልናን ዘለና። ግናኸ ከምቲ ኣብ ሚክያስ እተጻሕፈ፡ ”ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ ኵናውቶም ድማ ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም፣ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪምህሩን እዮም» ዝብል ጽሑፍ ድማ ስለ ዘሎ፡ (ሚክ4.3)፡ ነዚ ክንዲ እምባ፡ እረ ከም ግምቢ ባቢሎን ሰማይ ዝጥንቍር ሕልኽላኻት ኣስጊሩ፡ ንወለድና፡ ንዓናን ንደቅናን ንደቂ-ደቅናን፡ ቅሱን ዘመን ምእንቲ ክመጽኣልና፡ ናብ ቃል ኣምላኽ እንምለሰሉ፡ ዘመነ ምምላስ ይግበረልና!