ኣባ ቐሺ’ዋኒ፡ እንትሕይኽ እማ ቋንጣ ጸኒሑኒ
ትማሊ ኣብ መጽናዕቲ ሮሜ ዘጋጠመና
እንተዘይረሲዐ፡ ኣቦይ ከበደ እዮም ዝብሃሉ ኔሮም። ኣብ ኪዳነ ምሕረት ሰምበል፡ ብልማኖ ዝናበሩ ብምንባሮም፡ ኣብ እዋን ጾመ’ርብዓ፡ ምስቲ ኣብ እዋን ብልዖት ለሚኖም፡ ኮሮሾ ዝገበርዎ እንጌራ፡ እናሓየኹ፡ ቋንጣ ኣብ ኣፎም ተረኽበ። ኣቦይ ከበደ ተጓይዮም፡ ነፍሶም ይምሓር ናብ ኣቦይ ቀሺ ዘርእሰናይ ይመጹ እሞ፡ ”ኣባ ቐሺዋኒ!” ይብልዎም። ኣቦይ ቀሺ ዘርእሰናይ፡ ነዛ ዕላል እዚኣ፡ ዳርጋ ምሉእ ጾመ’ርባዓ ደጋጊሞም ስሒቖሙላን ኣስሒቖሙላን እዮም።
ትማሊ ምሸት ከኣ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ እናጽናዕና፡ ሓንቲ ካብቶም ተሳታፊት ንምዕራፍ 8 ካብ ፍቕዲ 18 ኣትሒዛ ብምዑዝ ኣናብባ እናስምዐትና፡ ኣብ ሓንቲ ጥቕሲ፡ ኣእዛነይ ዘይለመዳኦ ቃል ነበበት። ክዀልፋ ኣይደለኹን። ንባባ ውድእ ብዘበለት ግና፡ ዝኾነ ርእይቶ ከየስዓብኩ፡ ”ፍቕዲ 23 እስከ ደጊምኪ ንበብያ፡” በልክዋ። ከምታ ቀዳመይቲ ዝገበረታ ጌራ ደገመትልና፦
”ፍጥረት ጥራይ ከኣ ኣይኰነን። ንሕና ነቲ ቐዳማይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልና’ውን፡ መሰል ውልድነት ኪህበናን፡ ንዅለንትናና ኬድሕነናን እናተጸቤና ብውሽጥና ንጽዓር ኣለና”፡ ”መሰል ውልድነት ኪህበናን ንዅለንትናና ኬድሕነናን” ዝብል ኣብቲ ጽሑፍ ምህላው ከረጋግጽ ደለኹ። ብርግጽ፡ ከምኡ’ዩ ተጻሒፉ ዘሎ።
መሰል ውልድነት ኪህበናን፡ ንዅለንትናና ኬድሕነናን ዚብል፡ ካበይ ተወሰኸ፧
ኣብቲ ቀዳማይ ትርጉም፡ ”ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን፡ ንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎና’ውን፡ መሰለውልድነትና ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቊር አሎና” እዩ ዝብል።
ኣብ ኣስመራ ብ1989-90 ብማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኢትዮጵያ እተሓትመ፡ መዋእልና ኣብ እዋን ቅዳሴ ዝነበብናያ መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን፡ ነዛ እንዛረበላ ዘለና ጥቕሲ፡ ”ፍጥረት ጥራይ ከኣ ኣይኰነን። ንሕና ነቲ ቐዳማይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልና’ውን፡ መሰል ውልድነት ማለት ምድኃን ሥጋና እናተጸቤና ብውሽጥና ንጽዓር ኣለና” ብዝብል’ዩ ኣስፊርዋ ዘሎ።
ኣብቲ ንብሉይን ሓዲስ ኪዳንን ጠቕሊሉ ብ1999 እተሓትመ ካልኣይ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ይኹን ኣብቲ ካልኣይ ቀኖና ዝሓዘ ካልኣይ ትርጉም ግና፡ ከምታ እታ ሓውትና ዝነበበቶ እዩ ተጻሒፉ ዘሎ።
ግእዝ ከ እንታይ በለ፧
ወአኮ ዓለም ባሕቲቱ ዓዲ ንሕነሂ ንቴክዝ እለ ነሣእነ ቀዳሜሁ ለመንፈስ ቅዱስ እስመ ንሴፎ ትርሲተ ውሉድ ንርከብ መድኃኒተ ነፍስነ እስመ በኣሚን ድኅነ። (መሰል ውልድነት፡ ማለት ምድሓን ነፍስና)
(ኣምሓርኛ) የሰውነታችን ቤዛ የሆነውን ልጅነት እየተጠባበቅን ራሳችን በውስጣችን እንቃትታለን። (8:23)
(KJ) waiting for the adoption, to wit, the redemption of our body.
(NIV) we wait eagerly for our adoption to sonship, the redemption of our bodies.
ኣምላኽ እንተፈቐዶ ብህይወት ድማ እንተጸኒሕና ዝመጽእ ሓሙስ፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ፡ ውዱእ መልሲ ሒዝና ክንቀርብ ኢና። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ከመዮ ንኣቦይ ከበደ ዝገጠሞም፡ ንዓና’ውን እንከነጽንዕ፡ እንከነጽንዕ፡ ትማሊ፡ እዚኣ ገጢማትና ንብለኩም!