ክርስትና፡ ናበይ ገጹ’ዩ ዝሃትፍ ዘሎ፧!

ነዛ ምልክታዊት ስእሊ፡ ደጋጊመ እርእያ’ለኹ። ክልቲኦም፡ መሓርን እሰይን ብኣካል ዝፈልጡኒ ኣይመስለንን።  ንእሰይ፡ ድሒሩ ወዲ ገዛውተይ ብምንባሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጥዑም መዝሙር’ውን ብካሴት ኣሕቲሙ ዘርጊሑ ብምንባሩ፡ ብመዝሙሩ ፈለጥክዎ። ንመሓሪ ድማ፡ ንትኽ-ትንፋስ ዓርከይሲ፡ ዓርኩ ብምንባሩ፡ ብፍላይ’ኳ ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ንዝነበሩ ኣመንቲ፡ ናይ ሽዑ መም መሓሪ፡ እግሪ ምእመናን እናሓጸበ፡ ብፍቕሪ ቃል ኣምላኽ ዝምህር ምንባሩ፡ ምስክርነቱ ተደጋጊሙ ተነጊሩኒ ነበረ።

እሰይ ኣብ ሓንቲ ካብ መዛሙራቱ፡-

ንስኻ እትንእዶ እዩ እቲ ተፈቲኑ ዝወጽእ
ሰብ ዝንእዶ ኣይኮነን ብሓቂ ዝተናእደ
እንታይ ይገብረለይ እንታይ ይጠቕመኒ

ግዜይ እንዳሓለፈ
ርእሰይ እንተነኣድኩ ሰብ’ዉን እንተነኣደኒ

ቢሉ፡ ከምቲ ዳርጋ ኣብ ኩለን መዛሙራቱ ዘዘውትሮ፡ ብርዝነት ጥቕጥቕ ዝበለ ሓሳባትን፡ ብምዑዝ ዜማን ግሩም መሳርሒታት ሙዚቃን እተወሃሃደ ኣቀራርባ ጌሩ፡ ንልቢ ብዙሓት ኣርሒሱ፡ ንመንፈሳውነት ብዙሓት’ውን ቀስቂሱን ነበረ።

መሓሪ ኣብ ሰንዓፈ፡ የዘውትራ ኔሩ ተባሂላ ኣብ እዝነይ ዝተረፈት ጥቕሲ ኸኣ፡ ምሳ 14.34 ” ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፡ ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝብታት እዩ” እትብል ነበረት። ንኽልቲኦም ብኸምዚ’የ ዝዝክሮም።

ኣፖስትል ማለት፡ ትርኢት መስሓቒ ማለት ድዩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንሰብ ቈረንቶስ ከምዚ ብምባል ጽሒፉሎም ኣሎ፦ ”ኣምላኽ ንኣና ንሃዋርያት፡ ድሕሪ ኩላቶም ኴንና፡ ከምቶም ሞት እተፈርዶም ከም ዝገበረና፡ ይመስለኒ። ስለዚ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ ዄንና አሎና።”

እቶም ”ኣፖስትል” ብዝብል ክስመዩ ዝጓየዩ ዘለዉስ፡ ብሓቂ ዶ፡ ”ትርኢት መስሓቒ” ናብ ምዃን ገጾም ትሕት ይብሉ ምህላዎም የስተብህሉ ኣለዉ’ዮም፧! ኣፖስትል ማለትሲ፡ ምሕናቕ ካራቫታን፡ ምርጋጽ ቀይሕ ምንጻፍን ማለት ድዩ፧ ኣፖስትል ማለት፡ ዓመት መጸ ዕለተ ልደትካ ዝጽንበለልካ፡ ኣብ ዝገሽካዮ ብዝኸበረት መጓዓዝያ እትጓዓዝ፡ ኣብ ዝኸበረ መንበር ድማ እትቕመጥ ማለት ድዩ፧ ኣብቲ ቅኑዕ መንፈሳዊ መሪሕነት፡ ብመጠን ንላዕሊ ዝበረኽካዮ፡ ብእኡ መጠን፡ እግሪ ናብ ምሕጻብን፡ ናብ ውርደትን መከራን ትትሕት ምዃንካስ፡ እዚ ሓቂ’ዚ ዶ ሸለል ተባሂሉ ተረግጸ፧!

ነዛ ምልክታዊት ስእሊ፡ ደጋጊመ ብዝረኣኽዋ መጠን፡ ክንድምንታይ ዝምብዝሑ ሕቶታት ካብ ርእሰይ ናይ ልበይ፡ ብኣንጻሩ’ውን፡ ካብ ልበይ ናብ ርእሰይ ከም ዝተወናጨፈ፡ ባዕለይ’የ ዝፈልጦ። ኣብ እግሪ ስእሊ መሓርን እሰይን፡ Apostel ዝብል መቅድመ-ስም ይርኣየኒ’ሎ። ነቲ Pastor ዝብል ክስመዩሉ ዝጸንሑ መቅድመ-ስም፡ ስለምንታይ ክትክእዎ መሪጾም፧  እቶም ኣገልግሎታትሲ ያኢ ከም መዓርግ ተራእዮም ድዮም፡ መሳልልን ደረጃታትን ተዳልዩሎም ዘሎ፧! ብሓቂ ዶ ንጻውዒት ፓስቶርነት ብምልኣት ብቒዖሞን ጸብለል ኢሎሙሉንሲ፡ ደጊም እቲ ፓስቶር ምዃን ካን ንኢስዎም፡ ናብ ኣፖስትል ገጾም ተጊሮም ማለት ድዩ፧ 

እቲ ”እንታይ ይገብረለይ እንታይ ይጠቕመኒ፡. . . ርእሰይ እንተነኣድኩ ሰብ’ዉን እንተነኣደኒ” ቢሉ ዝዘመረ እሰይሲ፡ ደጊም፡ ሰብ ክንእዶ ብሂጉ ማለት ድዩ፧ እቲ እግሪ ምእመናን ንምሕጻብ፡ ትሕት ኢሉ ንብዙሓት መምህር ትሕትና ዝኾነ፡ መሓርስ፡ ደጊም፡ ብሰብ ክንኣድ፡ ሓደው ርእሱ ክንእድ፡ ተቐቢልዎ ማለት ድዩ፧ እቶም ሕቶታት ታእላው የብሎምን። ተቐቢሎሞ ከይብል፡ እንተወሓደ ኣብቲ ናይ ፕሮፋይል ስሞም ተቐይሩ ኣይረኣኹን። ኣይተቐበልዎን ከይብል ድማ፡ ነዛ ምልክታዊት ስእሊ እዚኣ ክልቲኦም ከም ዘላቶ ኣካፊሎማ ኣለዉ። ክርስትናና ግና ናበይ ገጹ’ዩ ዝሃትፍ ዘሎ፧!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ብመንፈስ ምምልላስ፡ ኣብ ባይታ

Next
Next

ኣባ ቐሺ’ዋኒ፡ እንትሕይኽ እማ ቋንጣ ጸኒሑኒ