ብመንፈስ ምምልላስ፡ ኣብ ባይታ

እተን ቀዳሞት ሸሞንተ ምዕራፋት መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ፡ መግለጺ ሰረተ እምነት ዝሓዛ ክዀና ከለዋ፡ ነተን ድሕሪአን ዝስዕባ፡ ሰለስተ፡ ንህዝቢ እስራኤል ዝምልከታ ምዕራፋት ስግር ኢልካ፡ ካብ ምዕራፍ 12-15 ድማ፡ ክርስትናዊ እምነት ኣብ ባይታ፡ ዝምህራና ምዕራፋት እየን። ሸሞንተ ምዕራፍ ተመጊብካ፡ እተጕስዖ ህይወት፡ ነቲ ኣብ ምዕራፋት 12-15 ተጽሒፉ ዘሎ ዘይመስል እንተዀይኑ፡ ደው ኢልካ ድዩ ኮፍ ኢልካ ምሕሳብ ግድነት ክኸውን ኣለዎ።

እቶም ንመልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዘጽንዑ ዘለዉ ኣርባዕተ ጉጅለታት፡ ነተን ቀዳሞት ሸሞንተ ምዕራፋት ምስ ወዳእናየን፡ “ኣባና ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ፡ እቲ ድሌት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ ኺምላእ እዩ፡” ንዝብል ጥቕሲ (ሮሜ 8፡4) ምስቲ ኣብ ማቴ 5፡21-48 ዘሎ ብምንጽጻር፡ ክልተ መረዳእታ ከቕርቡ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ተሓቲቶም ኔሮም። በብጉጅለኦም ድሕሪ ምዝታይ፡ ዝለኣኽዎ ጽማቝ ትሕዝቶ እንሆ፦

ጉጅለ ኣርባዕተ ዝጸሓፍዎ

ሀ. ነቶም ቀዳሞት፡ እቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ኹሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎ’ውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ” (ማቴዎስ 5-21)።

ድሌት ሕጊ፡ ኣይትቕተል ዝብል ክኸውን ከሎ፡ ብመንፈስ ምምላልስ ግና፡ ኣይኮነን ዶ ክንቀትልሲ፡ ክንቍጣዕ ይኹን፡ ክንጻረፍ ከለና’ውን፡ ንኣሕዋትና፡ ከይነጕህዮም ከም እንጥንቀቕ ይገብረና። ስለዚ ድማ ዘይተጻረፍቲ፡ ዘይተራገምቲ፡ ንሓውና ዘይንቍጣዕ፡ ሰላማውያንን ፍቁራትን ስለ እንኸውን፡ እቲ ድሌት ሕጊ፡ ኣባና ኣብቶም ብመንፈስ እንመላለስ፡ ከምኡ ኰይኑ ይምላእ።   

ለ. ነቶም ቀዳሞት፡ ኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎም፡ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።

ድሌት ሕጊ፡ ብኣካል ክዝምዉ ንዝተታሕዙ ክኸውን ከሎ፡ ኣብቶም ብመንፈስ ዝመላለሱ ግና እቲ ስጋኦም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝርድኡን ብምስትውዓል ስለ ዝመላለሱን፡ ነቲ ኣካል ክርስቶስ ዝዀነ ሰብነቶም፡ ወሲዶም ኣካል ኣመንዝራ ኣይገብርዎን እዮም። ምስ ጐይታ ዝለገቡ ስለ ዝዀኑ ኸኣ፡ ምስኡ ሓደ መንፈስ ምዃኖም’ውን ይርድኦም እዩ፡ (1ቈረ3፥16:  1ቈረ 6-19-20)።

ጉጅለ ሰለስተ ዝጸሓፍዎ

ሀ. ነቶም ቀዳሞት፡ እቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ኺፍረዶ፥ ንሓዉ፡ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ዓሻ፡ ዚብሎ ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ እብለኩም እሎኹ (ማቴ 5፥21-22)።

ድሌት ሕጊ፥ ክንቀትል ከም ዘይብልና ክኸውን ከሎ፡ ብመንፈስ ምምልላስ ግና፥ ንክርስቶስ ብምምሳል ንኣምላኽ ዘኽብር ሕጉስ ህይወት ክትመርሕን ብኡ ክትመላለስን፡ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘኽእለና፡ ንዅራ ደንጓዪ፥ ዘይግባእ ቃል ዘይተውጽእን፥ ከም ጨውን ብርሃንን ኴንካ እትመላለስ፥ ንዝጸርፉኻ እትምርቕ፥ ንዝሰጉኻ ጸሎት እትገብር፥ ነንሕድሕድካ ብሓቀኛ ፍቕሪ እትፋቀር ትኸውን። በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ድሌት ሕጊ ፍጻሜ ይረክብ።

ለ. ንሰበይቱ ዚፈትሓ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ይሀባ፡ ተባህለ። ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘማዊት ገበራ፡ ፍትሕቲ ዜእቱ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ (ማቴ 5፥31-32)።

ድሌት ሕጊ፥ ጽሕፈት መፍትሒ ሂብካ ምፍታሕ ክኸውን ከሎ፡ ብመንፈስ ምምልላስ ግና፡ መውስቦ፥ ከምቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያኑ ዘለዎ ፍቕርን ሓድነትን ንምንጽብራቕ ዝዓለመ ምዃኑ ብምስትውዓል፥ ከምቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያኑ ዘፍቅራን ዘኽብራን፡ ሰብኣይ ከኣ ንመጻምቱ ከፍቅርን ከኽብርን ጸጋ ስለ ዘሎዎ፥ ፍትሕ ከም መፍትሒ  ጸገማት ናይ ሓዳር ኣይርእዮን። ሰበይቲ’ውን ከምኡ።  ብፍቕርን ምክብባርን ዝቕለስ ቅዱስ ሓዳር ስለ እንመርሕ ድማ በዚ ኸምዚ እቲ ድሌት ሕጊ ተፈጺሙ ንርእዮ።

ጉጅለ ክልተ ዝጸሓፍዎ

ሀ. ነቶም ቀዳሞት፡ ኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎም፡ ሰሚዕኩም አሎኹም። 28 ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ (ማቴ 5፡27)።

ሕጊ፡ ኣብ ዝሙት ከይንወድቕ ክእዝዘና ከሎ፡ ብመንፈስ ምምልላስ ግና፡ ክንዝሙስ ይትረፍ፡ ንሰበይቲ ወይ ሰብኣይ እንዳማትና ከይንምነ እዩ ዝገብረና። በዚ ኸኣ እቲ ሕጊ ምልኣት ረኺቡ ንረኽቦ።

ለ. ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ (ማቴ 5፡37)

እስራኤላውያን፡ ሰብ ብኣምላኽ እንተ ምሒሉ፡ ኣይልወጥን እዩ ዝብል መረዳእታ ኔርዎም። ይኹን እምበር፡ እቶም መታለልቲ’ውን ከምኡ ይገብሩ ብምንባሮም ግና፡ ጐይታና “ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ” ክብሎም ከሎ ንርኢ፡ (ማቴ 5፥35)። ኣባና ኣብቶም ብመንፈስ እንመላለስ ግና፡ ነቲ እወ ዝዀነ እወ፣ ነቲ ኣይኮነን ዝዀነ ኸኣ፡ ኣይኮነን ክንብል ተነግረና።

ጉጅለ ሓደ ዝጸሓፍዎ

ሀ. ኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ኹሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ (ማቴ 5:21)። 

ድሌት ሕጊ፡ ሰብ ክንቀትል ከም ዘይብልና ክእዝዘና ከሎ፡ ብመንፈስ ምምልላስ ግና፡ ንሓዉኻ ክትጸርፎ፣ ይኹን ከተናሽዎ’ውን ኣየኽእለካን እዩ።

ለ. ነቶም ቀዳሞት፡ ኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎም፡ ሰሚዕኩም አሎኹም።ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ (ማቴ5:27)።  

ድሌት ሕጊ፡ ክንዝሙ ከም ዘይብልና ዝእዝዘና ክኸውን ከሎ፡ ብመንፈስ ምምልላስ ግና፤ ዝሙት ካብ ሓሳብካን፤ ልብኻን ስለ ዝጅምር፣ ነቶም ናብኡታት ዝዕድሙኻ ነገራት፡ ንኣብነት ከም ኣብ ብዓል ሶሻል ሜድያ፣ መዛናጊዒ ቦታታት ምኻድ ወዘተ ካብዚኢታት ክንቍጠብ ከም ዘሎና ይገብረና።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

”ፈራሁ” መዛዘሚ ዝጐደላ መዝሙር

Next
Next

ክርስትና፡ ናበይ ገጹ’ዩ ዝሃትፍ ዘሎ፧!