”ፈራሁ” መዛዘሚ ዝጐደላ መዝሙር

የትዝታ ንግስት” ክሳዕ እትብሃል፡ ”የማን ነሽ ይሉኛል የማን ልበላቸው” ዝብል ዝርከብዎም፡ ኣስቈንቈንቲ ዜማታት ብምድራስ እያ፡ ክትፈልጥ ጸኒሓ። ንልዕሊ ኽልተ ዕቁድ (ልዕሊ 20 ዓመታት) ኣብ ሃገረ ኣመሪካ እትነብር ዕልልቲ ደራፊት፡ ንዓለምን ፍትወታን ሓዲጋ፡ መገዲ ጐይታ ክትስዕብ ድሕሪ ምውሳና፡ እቲ ንዓለም ዝቓነየ ጐረሮኣ፡ ደጊም ንህይወት ተናሳሒ ዝገልጹ፡ ዘገርሙ መዝሙራት ንስሓ ትቓንየሉ’ላ።

  • ገጣሚ፡ ዲያቆን መኩሪያ ጉግሣ

  • ዜማ፡ አንተነህ ተክለማርያም

  • ዘማሪት፡ በዛወርቅ ኣስፋው

  • ናብ ዩቱብ ዝተሰቕለትሉ ዕለት 13 ሚያዝያ 2024

  • ብዝሒ ርእየት፡ 1,7 ሚልዮን (22 ሚያዝያ 2024)

  • ኣድራሻ ዩትዩብ፡ ኣብዚ ጠዊቕኩም ስምዑ

መእተዊ

ኣብዛ ”ፈራሁ” እትብል መዝሙር፡ እቲ ተደጋጊሙ ዝጐልሕ፡ ንባዕሉ እቲ ”ፈሪሐ” ዝብል፡ ቃልን ሓሳብን’ዩ።

ቀኑ ከረፈደ ከመሻብኝ መጣሁ

ደጅ ኣፍህ ላይ ቆምኩኝ፡ እንዳልገባ ፈራሁ

በደሌ ሳትመዝን ግቢ ብትለኝም

ሓጢኣቴ ከበደ ኣላራመድኝም

ፈራሁ ልግባ ወይ ኣልግባ

እንዴት ይመዘናል፡ ያንተ ደም በእኔ እንባ

ናብ ትግርኛ ኣርዒምና ነቲ ሓሳብ እንተተርጐምናዮ፦

ርፍድፍደ ምስ በለ፡ ኣማስያይ መጺአ

ፈሪሐ ከይኣቱ፡ ኣብ ደገ ቤት ቆይመ፡

በደል ከይመዘንካ፡ እተዊ እንተልካኒ

ሓጢኣተይ ከቢዱ፡ እግረይ ሓሊኹኒ

ፈሪሐ፡ ሰጊአ ከይኣቱ ናብ ቤትካ

ከመይ ኢሉ ይምዘን፡ ንብዓተይ ምስ ደምካ

ጽባቐ ኣገላልጻን ዕምቈት ሓሳባትን

ብዚሒ በደልን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምሲኻ ምምጻእን፡ ብሓደ መዳይ፡ ምሕረት ጐይታን እቲ ምእንቲ ሕድገት ሓጢኣት ዝተኸፍለ ዋጋን ድማ በቲ ሓደ መዳይ፡ እዞም ክልተ ሓሳባት እዮም ዝነጻጸሩ ዘለዉ። ጽባቐ እቲ ኣገጣጥማ፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘላ ስእላዊ ብዝዀነ ኣቀራርባ ምቕራቡ’ዩ። ዕምቈትን ርዝነትን እቲ ሓሳብ ድማ እቲ ተመሪጹ ዘሎ ንጽጽር’ዩ። ክንዲ ዝደለኻዮ ንባዕ፡ ክንዲ ዝደለኻዮ ገዓር፡ በቲ ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈሰሰ ደም ጐይታ ደኣ’ምበር፡ ንብዓትካ ኰነ ንብዓት ካልኦት፡ ንሓጢኣት ክሓጽብ ብቕዓት ስለ ዘይብሉ፡ እቲ ገጣሚ፡ ”ከመይ ኢሉ ይምዘን፡ ንብዓተይ ምስ ደምካ፧!” ብምባል ኣስተንከረ።

ፍርሒ ከም ስሕበት ሓሳባት  

ንጉስ ሰሎሞን ”ናብ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ከሎኻ እግርኻ ሐሉ” በለ (መክ5.1)። ዓለምና ነቲ ”መጀመርያ ጥበብ” ተባሂሉ ዘሎ ፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዝረስዓቶ፡ ነዚ ”ፈሪሐ” ዝብል ቃልን ሓሳብን ከተሳሲ፡ ፋዕራ የብላን። እቲ ”ኣይትፍራህ” ዝበለ ኣምላኽ፡ ”ፍራህ” ዝብል ትእዛዝ’ውን ከም ዘሎዎ፡ ብልቦና ንዘስተብህል ግና፡ ንእንታይነትን ኣገዳስነትን እዚ ጠቕሊሉ ጠፊኡ ዘሎ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሓት፡ ኣይስሕቶን’ዩ። ነቢይ ኢሳይያስ ከምዚ በለ፡ ” ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ንእኡ ቀድስዎ፡ ንሱ ፍርሃትኩም ይኹን፡ ንሱ ስምባድኩም ይኹን” (ኢሳ 8.13)።

እተዊ ተባሂላ’ውን ”ፈሪሐ”

ተነሳሒት’ያ’ሞ፡ እንተዘይትፈርሕ ደኣ እምበር ምፍራሓስ ከገርመና ዝግባእ ኣይመስለንን። ”እተዊ” እንተተባህለት’ውን፡ ገና ንገዛእ ርእሳ ብቕዕቲ ጌራ ኣይቈጸረታን። እዚ ኸኣ ግቡእን ጽቡቕን መጀመርታ’ዩ። ስቕ ኢላ ከምኡ ከም ዘይበለት እቲ ምኽንያት ክትነግረና ከላ፦  

የሰው ዕድሜው እኮ ኣጭር ነው ጥቂት ነው

እንዴት ነው ሳላውቅህ፡ ዘመኔን ያለቀው

ጉብዝናየን ዓለም ስቃ ተጫውታበት

እንዴት ብየ ልርገጥ ደጅህን ብድፍረት

ብዝብል’ያ እትምልሶ። ኣብ ዓለም ከም ድላየይ ክነብር ጸኒሐስ፡ ሕጂ ከመይ ጌረ፡ ደገ ቤትካ ብድፍረት ክረግጽ፧! ኣየ እዚ ኸምዚ ዝበለ ልቢ፡ ኣብ ኩላትና እንተዝርከብ፧! ተቐያይምና ከለና ዶ ደኣ ምቐደስና ይመስለኩም፧ ውሽጥና ከትርን ዓመጻን መሊኡ እናሃለወ ዶ ደኣ ምዘመርና ይመስለኩም፧ መድረኽ እግዚኣብሄር፡ መድረኽ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ዘንጊዕና፡ ቃል ዝሰብኽ’ኳ ከይተረፈ፡ ብድፍረት ዶ ደኣ ምለፍለፍና ይመስለኩም፧!

ጥርዚ ጽባቐ እዛ መዝሙር

በንፅሕናህ ፊት እንዴት እቆማለሁ

እንደ መላእክቱ በምን እጋረዳለሁ

ራሴን መሸፈኛ ክንፍ የለኝም እኔ

ይታያል ሓጢኣቴ፡ የበደል ዕርቃኔ

ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ ከም እነንብቦ፡ ኢሳይያስ ንእግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለ ስፍራን ምስ ረኣዮ፡ ”ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሱራፌል ቈይሞም ነበሩ፡ ነፍሲ ወከፎም ሹድሽተ ኽንፊ አለዎ፡ በቲ ኽልተ ንገጹ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ ድማ ነእጋሩ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ’ውን ይነፍር ነበረ” ብምባል’ዩ ጽሒፉ ዘሎ፡ (ኢሳ6.2)። እቶም ቅዱሳን መላእክት እኳ፡ ገጾም ሸፊኖም ዝቐርቡ እንተዀይኖምሲ፡ ኣነ ግዳ ከመይ፧! ስለዚ ”ፈሪሐ” እንተበለት፡ ምኽንያት መፍርሒኣ ንጹርን ቅቡልን’ዩ። ”ኣንበሳ ጓዚሙስ መን እዩ ዘይፈርህ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተዛሪቡኸ መን እዩ ዘይንበ፡” ዝበለ ነብዪ ኣሞጽ (3.8) እቲ ናይ እብራውያን ጸሓፊ’ውን፡ ” ሙሴ እኳ፡ እፈርህን እምብድበድን አሎኹ፡ ክሳዕ ዚብል፡ እቲ ትርኢቱ ክሳዕ ክንድዚ ዜፍርህ ነበረ” በለ፡ (እብ12.21)

ድኻም እዛ መዝሙር

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዱስ ፍርሂ፡ መወዳእታኡ ብተስፋ መንፈስ ቅዱስ ኣዝዩ ዘሀብትም፡ ከም ብዋልታ ብጸጋ፡ ብሳህልን ምሕረትን ተኸሊልካ ከም እትነብር ዝገብር፡ ውሉድ ኣምላኽ ጌሩ፡ መንፈስ ትብዓት ዝመልእ ምዃኑ ወዘተ ምዃኑ ከተንጸባርቕ ዘይምኽኣላ’ዩ።

እኔ ፈራሁ እንጂ፡ ኣንተኮ ኣታስፈራም

መምጣቴ ነው ደስታህ፡ ፍቅርህ ኣይታማም

ሽምቅቅ ኣለች ነፍሴ መስቀልህን ሳየው

በደሌን ኣሰብኩት፡ ደምህን እያየው

እቲ ንመስቀል ርእያ፡ ንደም ጐይታኸኣ ዘኪራ ምሽቝራራ ግቡእ ክኸውን ከሎ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ግና፡ ዕላማ እቲ መስቀልን ምፍሳስ ደም ጐይታና ንሕድገት ሓጢኣት ምዃኑ፡ ንሓርነትና ምዃኑ፡ ንዓና ነቶም ርሑቓት ዝነበርና ንምቕራብ ምዃኑ ዘኪራ’ውን ክትትስፎ ይግብኣ ነበረ። እቲ ክጐልሕ ተደልዩ ዘሎ መልእኽቲ፡ ”ንስሓ” ስለ ዝዀነ ግና፡ ደራሲ፡ ብዕላማ፡ ኰነ ኢሉ ዝገበሮ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማቱ ይከኣል’ዩ። ዝዀነ ኮይኑ ግና፡ ብሓደ ዓይኒ ጥራይ ምርኣዩ፡ ዘንእዶ ኣይኰነን።

ዝዓበየ ሃጓፍ እዛ መዝሙር

ጠዋትና ማታ ለመጣው ኣንድ ነህ

ኣምሽቶ ለገባም እኩል ትከፍላለህ

ኣብርሃም ወይ ይስሃቅ፡ በድንኳንህ ቢያድሩም

ባንተ መንግስት ግን ከወንበዴው ኣይቀድሙም

ኣብዚ ዘሎ ዕምቈትን ርዝነት ኣገላልጻን ጥበባዊ እዩ እሞ፡ ክንኣድ ይግብኦ። እዚ ድሕሪ ምባል፡”ፈሪሐ” ምዝያም ግና ኣይግድን። ነቲ ዝነደቕካዮ ተመሊስካ ምፍራስ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ”ርፍድፍደ ምስ በለ፡ ኣማስያይ መጺአ” ቢሉ ዝጀመረ ሓሳብ፡ ክውድእ ከሎ፦

ንግሆ ይኹን ምሸት ኣይተዳሉን ኢኻ

ኣምስዩ እንተመጸ’ውን ማዕረ’ዩ ውህበትካ

ኣብርሃም ወይ ይስሃቅ እንተነበሩ`ኳ ኣብ ድንኳንካ

ኣይቀደምዎን ንኸታሪ ኣብታ መንግስትኻ

ድሕር’ዚ፡ እቲ እንጽበዮ፡ ፈሪሐ ዝብል ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ብኣንጻሩ፡ ”ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ እቲ እተሐርደ ገንሸል፡ ንሱ ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን ክብርን፡ ግርማን ውዳሴን ኪወስድ ብቑዕ እዩ፡ በሉ። ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ዘሎ ፍጡር ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዅሉ’ውን፡ በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን ኪብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ። እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ፡ ኣሜን፡ በሉ። እቶም ሽማግሌታት’ውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ” ዝብል’ዩ፡ (ራእ5.12-14)

መዛዘሚ

ኣኪብናዮን ተማሂርናዮን ዘለና ፍልጠት ቃል ኣምላኽ፡ ናብ ፍርሃቱ ዘየብጽሓና እንተዀይኑ፡ ርእስና ንምፍታሽ ድሕር ክንብል ኣይግባእን።

  • ኤር 32፡39 ንሓዋሩ ምእንቲ ኺፈርሁኒ፡ ሓደ ልብን ሓደ መገድን ክህቦም እየ።

  • መዝ 103፡11 ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን

  • መዝ 147፡11 እግዚኣብሄር በቶም ዚፈርህዎ፣ ንጸጋኡውን ዚጽበዩ ይሕጐስ

  • መዝ 145፡19 ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ይፍጽም፣ ኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ።

ጸሎት

መዝሙር 119:38፡ ነቲ ናብ ፍርሃትካ ዚመርሕ ቃልካ ኣብ ባርያኻ ኣጽንዓዮ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ እንታይ’ዮም ጽሒፎም፧!

Next
Next

ብመንፈስ ምምልላስ፡ ኣብ ባይታ