ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ እንታይ’ዮም ጽሒፎም፧!
167 ገጻት ኣብ 25 ምዕራፋት ከፋፊላ ዝሓዘት፡ ክነባ ብሂገ፡ ምሒር ተሃንጥየ ዝረኸብክዋ መጽሓፍ’ያ። ሎሚ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ተቐበልክዋ ግና፡ ምናልባሽ 10 ደቒቕ እንተዀነ እምበር፡ ህንጡይነተይ እናረአኽዎ ክበንን፡ ጊዜ ኣይወሰደን። “ብኻ ተሪፋቶም” ክሳዕ ዝብል ድማ ንበይነይ ኣስተማሰልኩ።
ኣርእስቲ፡- እምነትን ስርዐተ ኣምልኮን ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኤርትራ
ኣሰናዳእን ተርጓምን፡- ኣቡነ ያዕቆብ፡ 2ይፓትርያርክ ዘሀገረ ኤርትራ
ኣሕታሚ፡- ገዳም ደብረ ድኁኃን ኣቡነ ዮናስ
ቤት ማሕተም፡- ኣይተጠቕሰን
ዕለተ ሕትመት፡- ኣይተጠቕሰን
ኣቡነ ያዕቆብ፡ ነታ ኣቐዲመ ደጋጊመ ነቢበያ ዝነበርኩ፡ ”የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እምነት፡ ሥርዐተ ኣምልኮና የውጭ ግኑኝነት” እትብል መጽሓፍ’ዮም፡ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ የጕልሕ’ዩ ቢሎም ብዝሓሰብዎ ገለ ሒደት ናይ ቃላት ለውጢ ብምግባር፡ ኣቕሪቦማ ዘለዉ። ኣብ ገለ ክፋላት ድማ ”ገድለ ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን” ካብ ዝብል መጽሓፍ’ውን ሕውስ ከም ዘበሉ ጠቒሶም ኣለዉ። ኣኸለ። ተሞኩሮኦም ኰነ፡ ፍልጠቶም ኮነ፡ ትዕዝብቶም’ውን ኰነ፡ ስሞም ንምጥቃስ ዘብቅዕ ኣብቲ ጽሑፍ ኣይተጠቓለለን።
ገጽ 2
እምነት ክርስትና ኣብዘን ዝተጠቕሳ ከተማታት (ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ከተማታት ከም እኒ ኣዱሊስ ዝኣመሰላ) ማዕቢሉ ክሳዕ ራብዓይ ሚእቲ ክፍለ ዘመን ምጽናሑ ዝዝከር እዩ። . . . ኣኽሱም ግና ከምተን ክርስትና ዝማዕበለለን ኣይነበረትን። ብኣንጻሩ ተኸተልቲ እምነት ኣይሁድ ብብዝኂ ኣብቲ ከተማ ከም ዝነበሩ ዝሕብሩ ብዙኃት ምልክታት ከም ዘለዉ፡ መጽሔት ሰዋስወ ብርሃን ቍጽሪ ሓደ ተመልከት።
ንጉባኤ ኬልቄዶን ብዝምልከት
ገጽ 163
ጉባኤ ኬልቄዶን ብዝምልከት ”ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክልተ ክትክፈል ምኽንያት ዝኾነ ብቓላት ናይ ኣገላልጻ ምፍልላይ ደኣ እምበር፡ ብኽልቲኡ ወገን መሠረተ እምነት ተዋሕዶ ሓደ ምዃኑ ተጠቒሱ”
ገጽ 164
ኣብቲ ኹሉ ጉባኤ ውግዘት ኬልቄዶን መልዓሊ ምኽንያታት ብዓሚቝ ተመርሚሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብቻምቤዚ ካብ 1-6 ሕዳር 1993 ፈረንጂ፡ ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ፡ ብምሥጢረ ሥጋዌ ብዛዕባ ተዋሕዶ ክርስቶስ ዝወሃብ ትምህርቲ ፍልልይ ኣገላልጻ ደኣ እምበር፡ ናይ እምነት ዘይምዃኑ እቲ ጉባኤ ተገንዚብዎ”
ገጽ 166
ስለዚ ድማ ኩሎም ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብዚ ዘሎናዮ ጊዜ ካብ ምርኅኃቕ ዚዓበየ ምቅርራብ፡ ካብ ምፍልላይ ዚዓበየ ብኃድነት ምትሕልላይ ምርድዳእ፡ ጊዜ ዝሓትት መንፈሳውን ማኅበራውን ግዴታ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝነበረ ትምህርቲ ምሥጢረ ሥጋዌ ፍልልይ ኣብ ዝእለየሉ ደረጃ ካብ በጽሐ፡ . . . ቤተ ክርስቲያንና ናይቲ ምቅርራብ ሓሳብ ከም ዘይትቃወም ተረጋግጽ።”
እታ መበቈላዊት መጽሓፍ
”የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እምነት፡ ሥርዐተ ኣምልኮና የውጭ ግኑኝነት” እትብል መጽሓፍ፡ ብመሪሕነት ቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስ፡ ፓትርያርክ ዘኢትዮጵያ እተማእከለት ኰይና፡ ኣብቲ ዕዮ ተመዚዞም ዘዳለዉ ድማ እዞም ዝስዕቡ ነበሩ፦
1. ሊቀ ጳጳስ ዘአኵሱም ወዘትግራይ፡ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ
2. ሓላፊ ክፍሊ ስብከት ወንጌልን ሓዋርያዊ ተልእኾን፡ ጹእ ኣቡነ ኣብርሃም
3. ሊቀ ጳጳስ ዘሀገረ ስብከት ኣርሲ፡ ብጹእ ኣቡነ ናትናኤል
4. ሊቀ ጳጳስ ዘሀገረ ስብከት ሲዳሞን ቦረናን፡ ብጹእ ኣቡነ በርተሎሜዎስ
5. ሊቀ ጳጳስ ዘጂማ፡ ብጹእ ኣቡነ ሳሙኤል
6. ሓላፊ ክፍሊ ጉዳያት ህዝብን ጉዳያት ወጻእን፡ ሊቀ ጳጳስ ዘምዕራብ ሽዋ፡ ብጹእ ኣቡነ ገብርኤል
7. ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ዲን መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅድስት ሥላሴን፡ ብጹእ ኣኡነ ገሪማ
8. ወኪል ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ኣውስትራልያ፡ መልኣከ ታቦር ተሾመ ዘሪሁን
9. ምክትል ዲን ኮሌጅ ቅዱስ ኣውሎስ፡ ሊቀ ካህናት ክንፈገብርኤል ኣልታየ
10. ሓላፊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌልን ሓዋርያዊ ተልእኾን፡ መልኣከ ሰላም ዳኛቸው ካሣሁን
11. መጋቤ ብሉይ ሰይፈሥላሴ ዮሓንስ (መም ኮሌጅ ቅዱስ ጳውሎስ)
12. ሊቀ ካህናት ብርሃኑ ገብረ ኣማኑኤል ( ሓላፊ ቤት ማሕተም ትንሣኤ)
13. መጋቤ ብርሃናት ጎሐጽባሕ ጥሩነህ (መምህር ትርጓሜ ሓዲሳት)
14. መሪጌታ ደጉዓለም (መምህር ሓዲሳት)
15. መጋቤ ምሥጢር ወልደሩፋኤል ፈታሒ (ኣዳላዊ ጋዜጣ ዜና ቤተ ክርስቲያን)
16. መሪጌታ ጽጌ ዘሪሁን (ማእከል ስልጠናን ትምህርትን)
17. ሊቀ ስዩማን ራዕደ ኣስረስ (ጉባኤ ሊቃውንት)
18. መም ሓይለማርያም ተድላ (ጉባኤ ሊቃውንት)
ጽሑፍ ርእዮም ሓሳብ ዘቕረቡ
1. መምህር ትርጓሜ ሓዲሳት፡ገብረ ሕይወት
2. መምህር ትርጓሜ ብሉያት፡ መልኣከ ገነት ገብረሥላሴ ኣወቀ
3. መምህር ትርጓሜ ሓዲሳት፡ መም ስብሓት ገብረእግዚኣብሔር
4. መጋቤ ብሉይ መዘምር ታየ
መፋነዊ
ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ተባሂሉ ብኢትዮጵያውያን ሊቃውንት ዝተዳለወ መጽሓፍ፡ ንእምነትን ስርዓተ ኣምልኾን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝውክል ምዃኑን ዘይምዃኑን፡ ብጉባኤ ሊቃውንት ክርአ፡ ኣይምተገብአን ዶ፧! ወደሓንኩም!