ተለወጡ እምበር፡ ኣይትምሰሉ
ኣብ ዓለም እናነበርካ፡ ምህሮ ዓለም እናቐሰምካ፡ እንጌራ ዓለም እናተመገብካ፡ ንዓለም ዘይምምሳል፡ ከመይ ጌርካ ይከኣል፧ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 12.2 ”ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ዝብል ጽሒፍዎ ዘሎ፡ ከም ቅጽበት ዓይኒ፡ ነቢብካዮ ንምሕላፍ፡ ሒደት ካልኢት ጥራይ’ዩ ዘድልየካ። ከስተንትኖ’የ እንተበልካ ግና፡ ውዒልካ ክትሓድረሉን፡ ሓጊኻ ክትከርመሉን ዘኽእል ሓሳብ’ዩ ዘሎዎ።
ምምሳልን ምልዋጥን፡ በበይኑ ዝትርጉሞም ኣምራት’ዮም። ምምሳል፡ ግዳማዊ ክኸውን ከሎ፡ ምልዋጥ ግና ውሽጣውን ኵለንትናውን እዩ። እቲ ዝመስል፡ ናብቲ ዝመስሎ ዘሎ ኣይተለወጠን፣ ነቲ ዝመስሎ ዘሎ ጥራይ’ዩ መሲሉ። እቲ ዝልወጥ ዘሎ ግና ካብቲ ዝነበሮስ ናብ ሓደ ካልእ’ዩ ዝልወጥ። መዝገበ ቃላት ብኸምዚ ዝስዕብ ኣብሪህዎ ኣሎ
ምልዋጥ (Transform)- ኣብቲ ግሪኻዊ መበቈል ጽሑፍ፡ μεταμορφοῦσθε [መተማርፋኦ / met-am-or-fo'-o] ዝብል ክኸውን ከሎ፡ meta ከምኡውን morphoo ካብ ዝብሉ ቃላት ተዋሲቡ፡ Metamorphosis ማለት To transform, ብትግርኛ ምልዋጥ ዝብል ትርጉም እዩ ዘሎዎ። ደርሆ፡ እንቋቝሖ ደኣ እምበር ንዓዓ ዝመስል ኣይትወልድን። እቲ እንቋቝሖ ምስ ተጨጭሐ ኸኣ ንደርሆ ደኣ እምበር ንእንቋቑሖ ዝመስል ኣይጭጫሕን። ”ምልዋጥ” ንዝብል ኣምር እምበኣር፡ ብኸምዚ ክንርድኦ ንኽእል ኢና።
ምምሳል (Conform) ኣብቲ ግሪኻዊ መበቈል ጽሑፍ συσχηματίζεσθε [ሱስኼማቲድዞ / soos-khay-mat-id'-zo] ዝብል ክኸውን ከሎ፡ ትርጉሙ ኸኣ To conform to, to fashion alike, i.e. Conform to the same pattern ማለት፡ ከምቲ ከባቢኻ ዝጠልቦ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረልካ፡ ከምቲ ንቡር ዝጠልቦ ወዘተ፡ ንዕኡ ርዒምካ፡ ምስኡ ተሰማሚዕካ ክትከይድ ምኽኣል ማለት’ዩ።
ንምስሊ ወዱ ኪመስሉ
ኣብ ምዕራፍ 12 ንዓለም ኣይትምሰልዋ ዝብል ዘሎ፡ ኣቐዲሙ ንመን ክመስሉ ከም ዝተመደቡ፡ ነጊርዎም ስለ ዝነበረ እዩ። ”ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዲ ኪመስሉ ቐደም መደቦም” (ሮሜ8.29) ንክርስቶስ ክንመስል እምበር ናብ ክርስቶስ ክንልወጥ ዘይምዃንና፡ ርዱኣት ክንከውን ኣገዳሲ’ዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ’ውን ”ኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ አሎና” ብምባል ጽሒፉ’ሎ (1ዮሃ 3:2)።
ንክርስቶስ ክመስሉ ስለ ዘሎዎም እምበኣር’ዩ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ”ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ዝብሎም ዘሎ። ንዓለም ምምሳል ማለት፡ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ዘይኰነስ ከምቲ ከባቢኻ ዝጠልቦ፡ ከምቲ ብኻልኦት ትጽቢት ዝግበረልካ፡ ከምቲ ንቡር ዝጠልቦ ወዘተ፡ ንዕኡ ርዒምካ፡ ምስኡ ተሰማሚዕካ ክትከይድ ምኽኣል ማለት’ዩ። ህይወትና፡ ንቓል ኣምላኽ ዶ ንዓለም ይመስል፧ ቤተ ክርስቲያንን ምሕደራኣን፡ ንቓል ኣምላኽ ዶ ንዓለም ይመስል፧
ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ
ምልዋጥ ማለት፡ ካልእ ምዃን ማለት’ዩ። ”ስለዚ፡ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ” ዝብል ቃል ኣብ ካልአይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ኢና እንረኽቦ (2ቈረ5.17)። እዚ ኸኣ ከምቲ ኣቐዲሙ ብትንቢት ዝተነግረ ምእንቲ ክፍጸም ኰነ፡ ”ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም፣ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፣ ናይ እምኒ ልቢ ካብ ስጋኹም ከውጽእ፡ ናይ ስጋ ልቢ’ውን ክህበኩም እየ”(ህዝ 36:26)
ስለዚ ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ሓሳባትን ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን ኣፍሪስና ኵሉ ኣእምሮ’ውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ክንማርኾ ምእንቲ ከከኣለና፡ ብምሕዳስ ሓሳብና፡ መዓልታዊ ክንልወጥ የድልየና (2ቈረ10፡5)።
እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን’ዩ፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ”እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ” ብምባል’ዩ ብትኽ ኣቢልዎ ዘሎ፡ (ሮሜ12.1) ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ፡ ከይበዀሩ ክፍጸሙ ዘሎዎም፡ ክልተ ዘይፈላለዩ ዛዕባታት ተጠቕሊሎም ንረኽቦም፦ ጸሎትን ቃል ኣምላኽን። ኣቦታትና ሃዋርያት ብኸምኡ’ዮም ተዓዊቶም። ሓደ እዋን፡ ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ ምሕደራን ሕቶ ወገናውነትን ምስ ተላዕለ፡ እቶም ኣቦታት ዝሃብዎ መምርሒ፡ ”ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስ ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ነዚ ጒዳይ እዚ ኸኣ ነመዝዞም፡ ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል እዝን ከየብኰርና ንሓዝ በልዎም” (ግብ6.3-4)።
ንሓንቲ ሰዓት’ኳ ብጸሎት ክነቅሕ ዘይክእል ወለዶ፡ ጸሎት ማለት፡ ምብዛሕ ዘረባን፡ ምዝያም ጥዑም ዜማን ዝመስሎ ወለዶ፡ ብርክኽ ኢልካ፡ እናነባዕካን እናተመሰጥካን ምጽላይ ዘይፈልጥ ወለዶ፡ እንትርፎ ምብዛሕ ጫው-ጫውን፡ ክእለተ ምምዳርን ጭድርታ ስብከትን ዘይሓልፍ ክርስትና ሒዝካ፡ ንዓለም ብቐሊሉ ትመስላ እምበር፡ ንክርስቶስ ዝመስል ህይወት ክህልወካ ኣይክእልን።
ምሕረት ኣምላኽ፡ ጸጋ ኣምላኽ፡ ሕያውነት ኣምላኽ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ጽድቂ ኣምላኽ፡ ሰላም ኣምላኽ፡ ሓጐስ ኣምላኽ፡ ምጽንናዕ ኣምላኽ፡ ህላውነት ኣምላኽ፡ ዘኪርካን እናዘከርካን ንስጋኻ ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን መስዋእቲ ጌርካ እንተቕረብካዮ፡ ሽዑ፡ ብምሕዳስ ሓሳብካ ክትልወጥን፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ዘይኰነ ኸኣ ንክርስቶስ ዝመስል ህይወት ሒዝካ ክትመላለስ ክከኣለካ እዩ።
ስብሓት ንኣምላኽ!