”ብወንጌል ኣይሓፍርን’የ፧” እንታይ ማለት’ዩ፧

ኣይፈርሕን’የ” እንተዝብል ”ቱታ!” ምበልና። ”ቱታ! ቱታ! እንትርፎ ኢየሱስ፡ መን ኣሎ ጐይታ! ቱታ!” እንተድለየ እናዘለልና፡ እንተድለየ፡ ጅማውቲ ገቲርና፡ እንተድለየ፡ ብልብሲ ማዕሪግና፡ ቱታ! ምገዓርና!  ”ብወንጌል ኣይሓፍርን’የ” ማለት ግና እንታይ ማለት’ዩ፧

ትማሊ ምሸት፡ ባሕቲ ለካቲት 2024፡ መጽናዕቲ መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ ጀሚርና’ለና። መዝገበ-ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምኡ’ውን ክልቲኡ ሕታማት መጽሓፍ ቅዱስ ብትግርኛ፡ ክንዕጠቕ ከም ዝግብኣና ምስ ተዛረብኩ፡ ሓደ ተሳታፊ፡ ”ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቐዳማይን ካልኣይን ትርጉም ክንነቦ ዝድለ ዘሎስ፡ ፍልልይ ስለ ዘሎዎ ድዩ፧ ወይስ ኣገዳስነቱ እንታይ’ዩ ብምባል ሓተተ። ሓንቲ ካልእ ተሳታፊት ድማ፡ መዝገበ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይን ብኸመይን ክንረኽቦ ንኽእል፧ ዝብል ሕቶ ኣቕረበት።

ነተን 16 ምዕራፋት መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ፡ ነቢቦመን ክመጹ ሓቢረ ስለ ዝነበርኩ፡ ከምኡ ጌሮም እንተዀይኖም ብዝተወከስኩ፡ ካብቶም ዝነበሩ 26 ዝዀኑ ተሳተፍቲ፡ ርብዖም’ኳ ኢዶም ኣየልዓሉን። ሓሙሽተ ዝዀና ምልክት ኣጻብዕ ጥራይ ርእየ። ዝመጽእ ሰሙን፡ ኩለን ኣጻብዕቲ፡ ዊጥ ክብላ ተመንየ’ለኹ።

በዚ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእስቲ ዝቕጽል ሓሙስ 08 ለካቲት 2024፡ ”ብወንጌል ኣይሓፍርን’የ” ዝብል ክንዘራረብ ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ባዕሉ ”ብወንጌል ኣይሓፍርን’የ” ምባሉ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንጢሞቴዎስ’ውን፡ ”ደጊም፡. . . ብምስክር ጐይታና ወይስ ብኣይ ብእሱር ኣይትሕፈር” ብምባል ክምዕዶ ከሎ ኢና እንርኢ፡ (2ጢሞ1.8)። 

ወንጌል የሕፍር ድዩ፧

ሰፊሕ ግዝኣትን ነቕ ዝብል ዘይመስል ሓይልን እተዓጥቀ፡ ሃጸይነት ሮማ ሕሰቡ። ዳርጋ ንዓለም ብዓለማ ኣብ ትሕቲኡ ዘመሓድር ዝነበረ ሃጸይነት’ዩ። በቲ እዋን’ቲ፡ ሮማዊ ዜግነት ኔሩካ ማለት፡ ብሓበን ፈጨጭ ዘብል እንተ ኔሩ፡ ኣብታ ርእሰ-ከተማ ኣብ ሮማ ምቕማጥ ከ ማዕረ ኽንደይ ኰን የሐብን ኔሩ ይኸውን፧! ኣለዉ ዝብሃሉ ሰብ ጥበብን ሊቃውንትን፡ ንዓለም ፈጥ-ፈጥ ዘብሉ መራሕቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ቤተ መንግስትን ኣብ ዝርከቡላ ከተማ፡ ብዛዕባ’ቲ ንሶም ”ሰቒልናዮ” ቢሎም ከም ምዉት ዝሓስብዎ ጐይታ፡ ንስኻ ኣብ ቅድሚኦም ወጺእካ ብዛዕባኡ ምዝራብ ማለት፡ ከመይ ዝበለ ዕሽነት ከም ዝቝጸር፡ ገምትዎ።  

”ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲ’ውን ከፍርስ እየ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ” ዝተባህለሉ ወንጌል፡ (1ቈረ1.18-19) ዕሽነት ብዝመስል፡ ግናኸ ካብ ድቕድቕ ጸልማት ናብ ዘገርም ብርሃን፡ ካብ ግዝኣት ሰይጣን ናብ ውሉድ ኣምላኽ፡ ካብ ዘልኣለም ሞት ናብ ዘልኣለም ህይወት ዘሰጋግር ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብ ማእከል እቶም እኹላት ሰብ ጥበብ’ውን እንተዀነ  ”ብወንጌል ኣይሓፍርን’የ” በለ።

ተዋሂቡ ዘሎ ዕዮ ገዛ 

”ብወንጌል ኣይሓፍርን’የ” ኣብ ዝብል ሓሳብ፡ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ፡ ሓሳቡ ብጽሑፍ ክልእኽ ተሓቲቱ’ሎ። ብወንጌል እንታይ ከይትብሃል ኢኻ እትሓፍር፧

ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ብህይወት ድማ እንተጸኒሕና፡ ሮሜ 1.1-17 ንዘሎ ክፍሊ፡ ጽባሕ ሓሙስ 08 ለካቲት 2024 ሓቢርና ከነጽንዖ ኢና።  

ስለ’ቲ ዘይንገር ውህበቱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ስብሓት ይኹኖ!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ብወንጌል ኣይሓፍርን’የ፡- ምላሽ ተሳተፍቲ

Next
Next

ዘወን ዘወን፡ ምስ “ጸወን”