ብወንጌል ኣይሓፍርን’የ፡- ምላሽ ተሳተፍቲ

ንሎሚ ምሸት፡ ሓሙስ 08 ለካቲት 2024 ዝቐርብ፡ ”ብወንጌል ኣይሓፍርን’የ ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧” ኣብ ዝብል ዛዕባ፡ ካብቶም ኣብ መጽናዕቲ መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ ተመዝጊቦም ዝሳተፉ ዘለዉ፡ ተላኢኹለይ ዘሎ ምላሽ፡ ንልቢ ዘሰራስር’ዩ። “ተምሃሮ ኣብ ዝነበርናሉ፡ ነቲ መልሲ እናፈለጥናዮ ክንስናስ፡ ግናኸ መማህርትና ከይስሕቁና ብምባል ሓፊርና ንሓልፎ ንዝነበርና የዘክረካ” ዝብል ጽሑፍ፡ ሓደ ካብቶም ቀጺሎም እትረኽብዎም ምላሻት እዩ።

ሰብ ኪዳን፡ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ከምዚ ቢሎም ጽሓፉ፦

ጳውሎስ፡ "ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ" ዝበለሉ ምኽንያት፡ ነቲ ዝምህሮ ወንጌል ዝኾነ ይኹን ዘጠራጥር ወይ ዘስግእ ከም ዘይኮነ ስለ ዝኣምን እዩ። ንወንጌል ምንጋር ዘየጠራጥሮ ወይ ዘየስግኦ ምኽንያት ከኣ ብምስክርነት ሰባት ዘይኮነ፡ ካብ ጐይታ ብቐጥታ ስለ ዝተቐበሎ እዩ። "ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ" ማለት ንዘይኣመንቲ ብትብዓት ወንጌል ከብጽሓሎም ድሉው እየ። ሓሳረ መከራ እንተ መጸውን ወንጌል ንምብጻሕ ድሕር ኣይብልን ማለት እዩ። ከም ኣብነት ዝወሰድናያ ጥቕሲ፡ 2ጢሞ 1፡12 ”ብምኽንያቱ’ውን እየ እዚ ሓሳር እዚ ዝጸግብ ዘሎኹ፡ ግናኸ ብመን ከም ዝኣመንኩ እፈልጥ እየ፡ ነቲ ገንዘብ ሕድሪ’ውን ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ምሕላዉ ኸም ዚከአሎ ተረዲኤዮ አሎኹ እሞ፡ ኣይሐፍርን እየ”

ሓንቲ ተሳታፊት ከምዚ ቢላ ጸሓፈት፦ ሰብ ብወንጌል ዝሓፍር፦

  • ሀ. እኹል ፍልጠትን ርድኢትን ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይምህላው ዝተላዕለ፡

  • ለ. ጽኑዕ እምነት እንተዘይብሉ፡

  • ሐ. ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እዋን ቅዳሴ እንተዘይኰይኑ ስብከተ ወንጌል ስለ ዘይተለምደ፡

  • መ. እምነት ቀይሩ፡ ወይ ጴንጠ ኰይኑ ከይብሃል፡

  • ሰ. ስብከተ ወንጌል ንመራሕቲ ሃይማኖት ጥራይ ከም ዝምልከት ጌርካ ምውሳድ፡

  • ረ. እሱር ናይቲ ዝሓለፈ ህይወትካ ኴንካ ብሕሉፍ ሓጢኣትካ ትብዓት ምስኣን

ሓደ ተሳታፊ ድማ ከምዚ ቢሉ ጽሓፈ፦

  1. ብስራት ወንጌል ብሓቂ ህያውን እሙንን እዩ። ሰብ፡ ኣብ ዝበሎ እንተዘይጸንዐን፥ ከምቲ ዝበሎ እንተዘይኮነን፡ ካብዚ ዝዓቢ ሕፍረት የለን። ስለዚ ነቲ ዝሰብኮ ዘሎ፥ ዘለዎ እምነትን ተኣማንነትን ዝገልጽ መልእኽቲ’ዩ ዘመሓላልፈለይ። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ!

  2. ዝተኸፍሎ ይከፈሎ፥ ዓስቢ እቲ ዝስዕቦ ዘሎን፥ ዝሰብኮ ዘሎን ክረኽቦ ምዃኑ፥ ርግጸኛ ይገብሮ። ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ!

  3. ኣብ መንጎ እቲ፥ ”ክትድሕን ሕጊ ሙሴ የድሊ” ዝብል ህዝቢ ኴንካ፥ ኣንጻር እቲ ዝሓስብዎን ዝተመሓላለፈን ነዊሕ ሰረት ዘለዎ፥ እንክዛረብ፡ ዓሻን ሓሳውን ክብሃልን፡ ክብረቱ ዝቕንጠጥን፥ ምስቲ ዝተማህሮ ትምህርቲ ሕጊ ፥ 'ምሁር ደንቆሮ' ከብሎ’ውን ይኽእል ነበረ። ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ!

  4. ክርስትያን ግዳይ ኣናብስ ክዀኑን፥ መላገጽን መጻወትን ሮማውያን ኰይኖም ኣብ ዝነበሩሉ፥ መስሓቒኦምን ምድራዊ ዕጭኡ በዚ ክዛዘምን፡ ከመይ ዝበለ ስዕረትን ሕፍረትን ኰይኑ ክርከብ’ውን ይኽእል ኰይኑ ይስምዓኒ። ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ።

ሓንቲ ካልእ ተሳታፊት ድማ ከምዚ ቢላ ጸሓፈት፦

  • መንጌል፡ ጸጋ'ዩ 

  • ወንጌል፡ ብርሃን'ዩ 

  • ወንጌል፡ ሓቂ'ዩ

  • ወንጌል፡ ምድሓን'ዩ 

  • ወንጌል፡ ሰላም’ዩ ወንጌል ተስፋ'ዩ 

  • ወንጌል፡ መንግስቲ ኣምላኽ የውርስ 

ነዚ ኹሉ ዘጠቓለለ ቃል እደጋግሞ፡ መመልሲ እገልጾ፡ መመሊሰ እሰብኮ፡ መመሊሰ አድምቖ፡ መመሊሰ እምክሓሉ ደኣ እምበር፡ በዚ ወንጌል እዝስ "ኣይሓፍርን'የ"

 ሓደ ካልእ ድማ ከምዚ ቢሉ ጸሓፈ፦

"ኣይሓፍርን"፦ ማለት ላግጺ፡ ነቐፌታ ይኹን ኣካላዊ ስደት፡ ንድፍረትን ትብዓትን ጳውሎስ ክገትኦ ኣይከኣለን። ኣብ ፊልጲ ተኣሲሩ፡ ካብ ተሰሎንቄ ተባሪሩ፡ ካብ ቤርያ ብኮንትሮባንድ ተሳሒቡ፡ ኣብ ኣቴንስ ይስሕቅዎ፡ ኣብ ቆሮንቶስ ከም ዓሻ ተቖጺሩ፡ ኣብ ገላትያ ብዳርባ እምኒ ተቐጥቂጡ እኳ እንተነበረ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ግና ጌና ኣብ ሮማ ወንጌል ንምስባኽ ህንጡይነት ኔርዎ። ብወንጌል ኣይሓፍርንየ ምባሉ ነቲ ኩሉ ውረድ ደይብ ብኣገልግሎቱ ዝመጾ ዝነበረ መኪቱ፡ ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ወይለይ ብምባል፡ ብትብዓት ብወንጌል ከይሓፈረ ኣብ የሩሳሌም ክሳብ ጫፍ ዓለም ወንጌል ኣምላኽ ኣስፍሕፍሐ። “ስለዚ ኣብዚ ዘማውን ሓጥእን ወለዶ ብኣይን ብቓለይን ዝሐፈረ፡ ወዲ ሰብ ድማ፡ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ፡ ብእኡ ኺሐፍር እዩ” ወንጌል ማርቆስ 8፥38።

 ሓንቲ ካልእ’ውን ከምዚ ቢላ ጸሓፈት፦

1. "ብወንጌል ኣይሓፍርን"፡ ማለት ብመን ከም ዝኣመንካ ኣጸቢቕካ ምፍላጥን ምርዳእን፡ በቲ ኣምላኽ ኣባኻ ዝገበሮ ናይ ምድሓን ሓይሊ (ጸጋ) ርግጸኛ ኴንካ፡ ኢየሱስ ጐይታ ምዃኑ ክትነግር ከለኻ፡ ብልብኻ’ውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ ተኣሚንካ፡ (ሮሜ 10፥9)፡ በቲ ንክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ መንፈስ ንስኻ’ውን ህያው ከም እትኸውን ተኣሚንካ (ሮሜ 8፥11) ክትምስክር ከለኻ ማለት እዩ። ብዘሎ ክብረትካ፡ ውላ’ኳ ከም ንዑቕን ፍንፉንን ዓሻን ዘቑጽረካ እንተኾነ፡ ምእንቲ ክብሪ ክርስቶስ ኢልካ ከም ጎሓፍ ክትቆጽሮ ከለኻ(ፊሊ 3፡4-9)። ነዚ ክትገብር ግና እቲ ዝተኣመንካዮ ጐይታ ንኹሉ ከም ዘኽእለካን እታ ብየሱስ ኣባኻ ዘላ ተስፋ ድማ ከንቱ ከም ዘይኰነትን፡ ምጕያይካ ብየሱስ ክርስቶስ ንሓደ ዝተጨበጠን ዘይሓልፍን ዕላማ ደኣ እምበር፡ ከምቶም ረብሓ ዘይብሎም ከም ዘይኮነ ምርዳእ ማለት እዩ።

ሓደ ካልእ ድማ ከምዚ ቢሉ ኣስፊሑ ጸሓፈ፦

"ብወንጌል ምሕፋር" ዝብል ኣምር ንምርዳእ፡ ጳውሎስ ዝጽሕፈሉ ዝነበረ ግዜን ኩነታት ክርስትናን  ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ምእዋጅ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ማሕበራዊ ጸለመን ስደትን ምንጻግን የምጽእ ነበረ። ስለዚ "ብወንጌል ምሕፋር" ብሰንኪ ፍርሒ ንንሕብረተሰብ ዘይምቕባል ወይ ስደት ከይመጸካ ኣብ ክርስቶስ ዘለካ እምነት ብግልጺ ካብ ምእዋጅ ወይ ከም ክርስትያን ኴንካ ህይወትካ ከተንጸባርቅ እትሓፍሮ ዘመልክት እዩ።

ጳውሎስ ብወንጌል ኣይሓፍርን፡ ምባሉ ትብዓቱን ኣብ ሓይሊ ወንጌል ዘለዎ ጽኑዕ ምትእምማንን ዘመልክት እዩ። ንሱ ወንጌል ንዅሎም እቶም ዝኣምኑ ድሕረ ባይታኦም ወይ ብሄሮም ብዘየገድስ ድሕነት ኣምላኽ ዝረኽክብሉ መገዲ ምዃኑ ተረዲኡ ሰብ ዝበለ ይበል ኢሉ ንነብሱ ንወንጌል ወፍዩ እዩ።

ጳውሎስ ብወንጌል ከይሓፍር ዝወሰዶ ቆራጽ መርገጺ፡ ኣመንቲ ከጋጥሞም ዝኽእል ብድሆታት ወይ ተቓውሞ ብዘየገድስ፡ ነቲ ህይወት ዝቕይር መልእኽቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ብትብዓትን ብዘይ ምውልዋልን  ክእውጁ ግዜን ሰብን ዘይቅይሮ ትብዓት ክህልዎም ይሕግዝ። ወንጌል ኣብ ምክፋል ዘይንቕነቕ እምነትን ትብዓትን ከምዘድሊ የጉልሕ። ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ተኣማሚንካ ንዝኣምንዎ መድሓንን ለዋጥን ምኻኑ ኣሚንካ  ብዘይ ሕፍረትን ፍርሒን ክትሰብኽ ይምህረካ።

ብወንጌል ዘይምሕፋር ነቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ተስፋን ድሕነትን ውሉድ ኣምላክ ምኻንካ ብምርዳእ፥ ብትብዓት ክትነብሮን ንካልኦት ወንጌል ከተካፍልን ሕልናዊን ውሽጣውን ትብዓት ምህላው እዩ። ወንጌል ንምእዋጅ ትብዓት ክህልወና ኣምላኽናን ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ይብል። ማርቆስ 8:38፤ ስለዚ ኣብዚ ዘማውን ሓጥእን ወለዶ ብኣይን ብቓለይን ዝሐፈረ፡ ወዲ ሰብ ድማ፡ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ፡ ብእኡ ኺሓፍር እዩ።

ጳውሎስ ውን ብወንጌል ወይ ብእኡ እሱር ኢልና ከይንሓፍር ጽሒፉልና ኣሎ። 2ይ ጢሞቴዎስ 1:8፤ ደጊም ብሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ጽገብ እምበር፡ ብምስክር ጐይታና ወይስ ብኣይ ብእሱር ኣይትሕፈር። ኣብ እምነት ጸኒዕና ደው ክንብል፡ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ብዝምልከት ምስክርነት ከይንሓፍር፡ ኣብ መንጎ ክመጽእ ዝኽእል ስደትን ሞትን ኣልእ ብድሆታትን እውን እንተኾነ፡ ንወንጌል ብትብዓት ክንካፈል ደው ክንብል ዝጽውዕ እዩ።

ጳውሎስ ምስ ወንጌል ብዝተኣሳሰር ኣብ፡ ሮሜ 10፥9፣ 2 ቆረንቶስ 10፥8፣ 2 ጢሞቴዎስ 1፥12፣ እብራውያን 2፥11 ከምኡ’ውን እብራውያን 11፥16 ”ኣይሓፍርን” ዝብል ቃል ተጠቒሙ ኣሎ።

ምሕፋር፡ ድሕሪ ውድቀት ኣዳም ዝመጸ ይመስል። ዘፍጥረት 2:25፤ እቲ ሰብኣይን ሰበይቱን ድማ ኽልቲኦም ጥራዮም ነበሩ፡ ኣይሓንኩን ከኣ ነበሩ። ተምሃሮ ከሎና ደቂ ክላስና ከይስሕቁና ኢልና መልሲ እንዳፈለጥናዮ ንሓፍሮ ዝነበርና የዘክረካ።

ምንጪ፥ መጽሓፍ ቅዱስን ተፈላለዩ መዝገበ ቃላት ናይ ኢንግሊሽን
እቶም ተመዝጊብኩም ዘለኹም፡ ምሸት የራኽበና!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ቤተ ክርስቲያንና፡ ቍስሊ ኰይናትና

Next
Next

”ብወንጌል ኣይሓፍርን’የ፧” እንታይ ማለት’ዩ፧