ቤተ ክርስቲያንና፡ ቍስሊ ኰይናትና
150 ዓመት ድሕሪ ሞቱ፡ በቲ ብሉጽ ኣገባብ ኣሰባብኻኡን፡ በቲ ምልኣት ጸጋ ዝነበሮ ቃላት ኣፉን፡ “ኣፈወርቅ- Chrysostomos” እተሰምየ፡ ዮሃንስ፡ ሓደ እዋን፡ “ቤተ ክርስቲያን፡ ሆስፒታል እያ” በለ። ቃል ንቓሉ፡ “ቤተ ክርስቲያን ሆስፒታል እምበር ቤት ፍርዲ ኣይኰነትን፡ ሕድገት ሓጢኣት ተውህብ እምበር፡ ምስ ሓጢኣት ወጊና እትዅንን ኣይኰነትን” እዩ ዝበለ። ነዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ደልዩ ዝረኸባ እንተሎ፡ ዓይኑ ትብራህ!
ካብ እዋን ዲቍና ኣትሒዘ ኣብ ኣስመራ ዝፈልጦ፡ ሓደ ካህን፡ ድሕሪ ኣስታት 20 ዓመታት ኣቢሉ፡ ቅድሚ ትማሊ፡ ብቴለፎን ተራኺብና። ገና ናፍቖታዊ ዕላልና ከይተፋረቐ፡ “ኣይሰማዕኻን ዲኻ፧” ብምባል ሓተተኒ። ከም ዘይሰማዕኩ ብዘረጋገጽኩሉ፡ “በል ንእከለን እከለን ተወከሶም፡ ኵሉ እቲ ዝበጽሓኒ ክነግሩኻ’ዮም” ድሕሪ ምባል፡ እዛ ኣርእስቲ ክትከውን መሪጸያ ዘለኹ ቃል ናብ እዝነይ ወተፋ። “ቤተ ክርስቲያንና ቍስሊ ኰይናትና” በለኒ። ተሓቕየ። እዛ ዘረባ’ዚኣ፡ ምሳይ ሓዲራን ውዒላን፡ ገና’ውን ብኣጋ እትለቀኒ ኣይመስለንን ኣሎ።
እታ ከተጸናንዓና፡ ከተበርትዓና፡ ክትዝንነናን ከተዕርፈና እተላእከት ቤተ ክርስቲያንሲ ያኢ፡ ቍስልና ክትዝንን እሞ ይትረፍ፡ ንባዕላ ቍስሊ ኰይናትና ዝብል ሓሳብ፡ ርዝነቱ ዝጽወር ኣይኰነን። እቶም ኣቦታት ዝዀንና፡ ነዚ ነስተውዕሎ ዶ ኣሎና፧ እተን ኣዴታት ዝዀንክን ከ፡ ነዚ፡ ተስተውዕላኦ ዶ ኣለኽን፧! ብዛዕባ’ዚ ዘይተጸለየን ዘይተበኽየን ደኣ ብዛዕባ እንታይ’ዩ ክጽለ፧!
ነቲ፡ “ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹም፡ እፈልጥ አሎኹ” ዝብል ቃል፡ ደጋጊመ ነቢበዮን ሰቢኸሉን እየ’ሞ፡ ከም ትማል ጌሩ ግና ኣይተሰቈረንን (ግብ20.29)። “ተዃሉ” ምባል ጥራይ ውሒድዎስ፡ “እኩያት” ምባሉ፡ “እኩያት ተዃሉ” ምባል ውሒድዎስ፡ “ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ፡” ምባሉ ኣስተንተንክዎ። ለካ፡ ጥርዚ ጭካነ፡ ፍጹም ስጋውነት፡ ዓለማውነትን ሰይጣናውነትን ዝዓብለሎ ከም ዝኸውን’ዩ ዝሕብር ኔሩ።
“ቤተ ክርስቲያንና፡ ቍስሊ ኰይናትና” በለ ቀሺ ሓወይ። እታ ዮሃንስ ኣፈወርቅ፡ “ሆስፒታል” ዝሰመያ ቤተ ክርስቲያን፡ ንሳ፡ እታ ንክርስቶስ ኢየሱስ፡ ጐይታኣ ዝገበረት ቤት እያ። ነታ ክትዝሙ ረኺብናያ ቢሎም ናብ ጐይታ ሒዞማ ዝመጹ ሰበይቲ እሞ ንዘክር፣ እቶም ከሰስታ፡ ብጭካነ ክትቅተል እሞ ክትመውት ዝሓሰብዎ እኳ’ዮም፡ ከይተረድኦም ንዓኣ ግና ንህይወት ዘልኣለም ምኽንያት ዝዀና፡ ዘልኣለማዊ ሰላምን ዕረፍትን ናብ ዝህባ ጐይታ፡ ኣራኺቦማ። እቶም ከሰስቲ’ውን ምስ ሕልናኦም ክረዳድኡ ዘኽእሎም ጸጋ፡ ሽዑ ተቐቢሎም’ዮም፡ (ዮሃ8 ይነበብ)። እታ ክርስቶሳዊት ቤተ ክርስቲያን እዚኣ እያ። ኣብኣ ሓጐስ ኣሎ፡ ኣብኣ ድምጺ ዕልልታ ኣሎ፡ ኣብኣ ፈውሲ ኣሎ፡ ኣብኣ ክርስቶስ ኢየሱስ ኣሎ!
ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብቲ ጐይታና ኢየሱስ ባዕሉ ርእሰ መኣዝኑ ዝዀነ፡ ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተሰረተት ክትከውን’ዩ ዝግባእ። “ኣብ ማእከልኩምሲ፡” በለ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፣ “ከምታ ውሉዳ እትሓቍፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ ርሕሩሓት ነበርና” (1ተሰ2፡7)። እታ ነዚ፡ ልቢ-ወላዲት እተዓደለት ቤተ ክርስቲያን፡ ናበይ ኣቢላ ተሰወረት፧ ብሓቂ ዶ “ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ” ዝብል፡ ክንዝምሮ ይከኣለና’ዩ፧ (መዝ122፡1)።
ጸገምና
ቤተ ክርስቲያን ናይ ክርስቶስ ምዃና ዘይምርዳእና ይመስለኒ። ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ እከለን እከለን ኰይና ኣይትፈልጥን፣ ወትሩ ናይቲ ብደሙ ዘጥረያ ናይ ክርስቶስ’ያ! ቤተ ክርስቲያን ነቲ ካብ ክርስቶስ ዝተቐበለቶ ሓደራ ተቐቢላ፡ ንኹሉ ሰብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቐት፡ ነቲ ጐይታ ዝኣዘዞ ዘበለ እናመሃረት፡ ደቀ-መዛሙርታ ክትገብር ዘይኰነትሲ፡ ደቀ-መዛሙርቲ ጐይታ ክትገብር እያ ተጸዊዓ ዘላ። “ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ደኣ እምበር፡ “ደቀ-መዛሙርትኹም ግበርዎም” ዝብል ኣይተጻሕፈን (ማቴ28.19-20)
ስለዚ እምብኣር፡ “ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ” ንዝብል ቃል ኣምላኽ፡ (ማቴ18.19-20) ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም፡ ብስም ቤተ ክርስቲያን ኣብ እተኣከቡሉ፡ ብዝብል ኣይንረድኣዮ። ብስም ጐይታ ምእካብን ብስም ቤተ ክርስቲያን ምእካብን ይፈላለ’ዩ።
ነፍሲ ወከፍ ንጐይታ ደልዩ ዝተኣከበ፡ ጠመተኡ ናብ ጐይታ እምበር ናብ ሰብ ከቶ ኣይገብርን’ዩ። ስለዚ ብሰብ እንተተናእደ፡ ክብሪ ንጐይታ፡ ብሰብ እንተተዋረደ’ውን ክብሪ ንጐይታ! “ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፡ እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሐድር እዩ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም” ዝበለ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ “ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ፡ ወይስ ከም ሰራቒ፡ ወይስ ከም ገባር እከይ፡ ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ከም ዚጽምበር ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ” ድሕሪ ምባል፡ “ከም ክርስትያን መከራ እንተ ጸገበ ግና፡ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግኖ እምበር ኣይሕፈር” በለ፡ (1ጴጥ4.14-17)።
ኣብቲ መልእኽቲ፡ ዘሐጉስ እነንብቦ ካልእ ኸኣ፡ “እቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ፡ ዚጅምረሉ ጊዜ መጺኡ እዩ እሞ፡ ቅድም ኣባና ኻብ ዚጅምርሲ” ዝብል’ዩ፡ (1ጴጥ4፡17)። ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ገጽ የልቦን እሞ፡ “እከይ ንትገብር ዘበለት ኲላ ነፍሲ ሰብ፡ ጭንቀትን ጸበባን ኪወርዳ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዂሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሀቦ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ” (ሮሜ2. 9-11)።
ልብኹም ኣይሸበር
ስምካ ኣብ መዝገብ ቤተ ክርስቲያን ጽሑፍ ክንሱ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ህይወት ግና እንተዘይተረኽበ፡ እንታይ ይዓብሰልካ፧ ስምካ ኣብቲ መዝገብ ህይወት ከም ዝተጻሕፈ፡ ርግጸኛ እንተዄንካ ግና፡ ኣብዚ ምድሪ ብዝበጽሓካ ዋዒ ፈተና፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓካ ጌርካ ኣይትገረም (1ጴጥ4.2)። ስለዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ በለ፦ “ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይ’ውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹምኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ፡ ንስኻትኩም’ውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽምጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ” (ዮሃ 14.1-3)። ኣሜን!