ምስጢራት ሰብ፡ ምላሽ ተሳተፍቲ

ሎሚ ምሸት ሓሙስ 15 ለካቲት 2024 ሰሙናዊ መጽናዕቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ቀጺልናዮ ኣምሲና። ”በታ፡ ከም ወንጌለይ ገይሩ፡ ኣምላኽ ነቲ ምስጢራት ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ዚፈርደላ መዓልቲ ኸምኡ ኪኸውን እዩ” ኣብ ዝብል ጥቕሲ፡ (ሮሜ 2.16) ተሳተፍቲ፡ ነቲ ”ምስጢራት ሰብ” ዝብል ዘሎ ብህሎ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ሓጺር መልሲ ክህቡ ተሓቲቶም፡ ዝሃብዎ ምላሽ እንሆ፦

ሓንቲ ካብቶም ዝመለሱ ከምዚ በለት፡-

”ምስጢራት ሰብ ማለት፡ ናይ ኩሉ ሰብ ሰናይን ክፉእን ተግባራትን ሓሳብን ማለት እዩ። ኣብ መወዳእታ ዘመናት ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹሉ ሰብ ከከም ተግባራቱ ክፈርዶ እዩ”

ሓደ ቀሺ ድማ ከምዚ ቢሎም ጸሓፉ፦

ሰብ ዝሓብኦ ምስጢር፡ ስፍራኡ ኣብ ልቢ እዩ። ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለና፡ ልቢ ጎራሕ'ዩ። "ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ሕማሙ ኺሓዊ ዘይክእል፡ ኣዝዩ ሕሱምን ተንኮለኛን እዩ፡ መንከ ኺርድኦ ይኽእል፧ ኣነ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፡ ንልቢ ዝምርምር፡ ንሓሳብ ወዲ ሰብ ከኣ ዝፈልጥ ኣምላኽ እየ" ( ኤር 17፡9-10)። ሰብ ዝሰወሮ ( ዝሓብኦ) ምስጢራት፡ ካብ ሰብ ክሕባእ ይኽእል ይኸውን፡ ካብ ኣምላኽ ግን ዝሕባእ ሓሳብ ይኹን ተግባር ፍጹም የልቦን። ኣብ ኤር 23፡24 "ኣነ ኸይርእዮስ ሰብዶ ኣብ ስዉር ስፍራ ኺሕባእ ይከኣሎ እዩ፧ ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመልእዶ ኣነ ኣይኰንኩን፧ ይብል እግዚኣብሄር።" እዚ ፍርዲ ኣምላኽ፡ ከምቲ ወንጌለይ ገይሩ ዝፈርደላ መዓልቲ ዝበለ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ጐይታ’ውን "እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘለኹ ቃል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ክፈርዶ እዩ"( ዮሃ 12፡48) ብምባል ምሂሩ ኣሎ።

ባህሪ ቃል ኣምላኽ ኣብ እብራውያን 4 ፡12 ከም እንርእዮ እዩ፡ ”ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።” ስለዚ ኩሉ ሰናይ ይኹን ክፉእ ሓሳባት ይኹኑ ተግባራት ናይ ኣመንቲ ይኹን ናይ ዘይኣመንቲ ኩሉ ዝግለጸላ ኩሉ ሰብ ከኣ ብግዲ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ዝቆመላ እተገርም መዓልቲ ሕቡእ ምስጢራት። ሰብ ዝቕለዓላ ዕለት።

ሓንቲ ድማ ከምዚ ቢላ ጸሓፈት፦

”ኣብዚ ብዛዕባ ክልተ ዝተፈላለዩ  ማለት ብዛዕባ ኣይሁድን ኣህዛብን እዩ ዝዛረብ ዘሎ። (ሮሜ 1፡21-23) ዘሎ ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ እንዳበለ ብዛዕባ ሓጥያቶም ይዛረብ። ነዞም ከምዚ ዝገብሩ ኣምላኽ ከም ዝፈርዶም ምስ ተዛረበ፡ እንተዀነ ንኣይሁድ’ውን (ሮሜ 2፡1) ”ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን ኣሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን” ይብሎም። ሰለዚ ንሳቶም ብደጊኦም ወይ ውን በቲ ሰብ ዝሪኦም  እኳ ቅኑዓትን ነቲ ሕጊ ዝሕልዉን ኮይኖም እንተተረኣዩ ኣምላኽ ግን ሕቡእ ሓሳባት ልቢ ዝርኢ እዩ ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኩሉ ቅሉዕ እዩ። (እብ 4፡13) ሰለዚ ጳውሎስ ነዚ ከምዚ ዝበለ ሓሳብ (ምስጢራት ሰብ) እዚ ብኢየሱስ  ክርስቶስ ጌሩ ክፈዶም ምዃኑ ይዛረብ።”

ሓደ ከምዚ ቢሉ ጸሓፈ፡-

”ምስጢራት ሰብ ማለት፡ ሰባት ብዝፈልጥዎ መገዲ ብግብሪ ዝተጋህደ ዘይኮነስ፡ ሰናይ ይኹን እከይ ሰባት ብዘይፈለጥዎ መገዲ ዝተገብረ ወይ ዝተሓስበ (ሓሳብ፡ ሃቐና፡ ዕላማ፡ ባህጊ፡ ብልሓት፡ ወዘተ) ኢዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግብርና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ግብሪ ዘየውዓልናዮም ምስጢራትናውን ይፍረዱ ኢዮም። ምስዚ ሓሳብ ዝመሳሰሉ ካልኦት ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መክብብ 12፡14 ”ኣምላኽሲ ንኹሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን፡ ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ፡ ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ”። 1ይ ቆሮ 4፡5 ”ስለዚ ነቲ ኣብ ጸልማት እተሃብኤ ናብ ብርሃን ዜምጽእ፡ ሓሳባት ልቢ ኸኣ ዚገልጽ ጐይታ ኽሳዕ ዝመጽእ ቅድሚ ጊዜኡ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ።” ማር 4፡22 ”ዘይገሃድ ሕቡእ የልቦን፡ ናብ ብርሃን ዘይመጽእ ስዉር ድማ የልቦን።”

ሓንቲ ድማ ከምዚ ቢላ ጸሓፈት፡-

”ምስጢራት ሰብ” ማለት፡ ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብስጋዊ ሕይወት ከለና ብጋህዲ ይኹን ብሕቡእ፡ ብሓሳብ ይኹን ብግብሪ እንገብሮ፡ ሰናይ ኰነ እከይ ተግባራትና ዝምልከት እዩ።

ሓንቲ ካልእ ድማ ከምዚ ቢላ ጸሓፈት፦

”ምስጢራት ሰብ” ኪብል እንከሎ፡ ከምቲ ኣብ ካልኣይ ሕታም መጽሓፍ ቅዱስ ኢልዎ ዘሎ፡ ኣብ ልቢ ሰብ ዝተሓብአ ሓሳባት ማለት ኢዩ። ሰብ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ቅድሚ ሰብ ቅኑዕ ዝመስል ነገር እንተ ገበረ፡ ኣምላኽ ግን ልብን ኰላሊትን ይምርምር ኢዩ'ሞ በየናይ ሓሳብ ወይ ስለምንታይ ከም ዝገበሮ ይፈልጥ ኢዩ። ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንሰብ ጻድቃናት ኮይኖም ይረኣዩ ኔሮም፡ ጐይታ ግና እቲ ኣብ ልቦም ዝተሓብአ ክፍኣት ኣጸቢቑ ስለ ዝፈለጠ፡ "ውሽጥኹም ከትርን ዓመጻን ምሉእ ኢዩ" ኢሉ ኽግስጾም ከሎ ንርእዮ (ማቴ 23፥13-36)። ኣህዛብ’ውን ዋላ'ኳ ሕጊ ሙሴ እንተዘይነብሮም፡ ብሕልናኦም ተደሪኾም ግን ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ይገብርዎ ኔሮም (ሮሜ 2፥14-15)። ኣምላኽ ከኣ ሓሳባት ልቦም ብምምርማር ደኣ ፍርዱ ይህብ እምበር፡ ሕጊ ስለ ዘይብሎም ጥራይ ፍርዱ  ኣየዝብልን ኢዩ።”

ሓደ ድማ ከምዚ ቢሉ ጸሓፈ፦

”ምስጢራት ሰብ” ተባሂሉ ዘሎ፡  ነቲ ብሕቡእ ይኹን ብጋህዲ፡ ብጸልማት ይኹን  ብብርሃን፡ ዝገበርናዮ ሓጥያት ይኹን ግብሪ ጽድቂ  ዘበለ፡ በታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝግሃደላ መዓልቲ፡ ኵሉ  ክግለጽ ምዃኑ ዝሕብር እዩ።  ነዚ ሓሳብ ክራግዶ ዝኽእል ቃል ኣምላኽ ድማ፦ መክብብ 12-14  ኣምላኽሲ ንኹሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን፡ ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ፡ ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ ዩ” 2ይ ቆረ 9-10: ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገብሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ፡ ምእንቲ ኪቕበል፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሃድ ኢና። ስለዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ አሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ፡ ንእኡ ኸነሐጕሶ ንጽዕት አሎና። ሉቃስ 8-17  ዘይገሃድ ሕቡእ የልቦን እሞ፡ ዘይፍለጥን ናብ ግልጺ ዘይወጽእን ስዉር ከኣ የልቦን።

ሓደ ካልእ ድማ ከምዚ ቢሉ ጸሓፈ፦

”ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ "ምስጢራት ሰብ" ዝብል ዘሎ፡ ውልቀ-ሰባት ዝውንንዎ ዝኾነ ፍሉይ ምስጢራት ንኽገልጽ ዘይኮነስ፥ ብዛዕባ እቲ ደቂ ሰባት ዝገብርዎ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ መዳያት ህይወት፡ ካብ ኣምላኽ ክሕባእ ዘይክእል ሰለ ዝኾነ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ብርሃን ድሙቕ ከም ዝኾነን፡ ብኣምላኽ ከኣ ከም ዝፍረድን ዝሕብር እዩ። ነቲ ሕቡእ ድራኸን ዕላማን ተግባራትን ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ እግዚኣብሄር ዝፈርደላ መዓልቲ ከም እትመጽእ ድማ ይሕብር። እዞም ምስጢራት እዚኣቶም ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝገበሮ ጽቡቕን ክፉእን ከምኡ’ውን ነቲ ብድሕሪ ተግባራቶም ዘሎ ሓቀኛ ድራኸ ወይ ሃቐና ዘጠቓልሉ እዮም።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ምስቲ እግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንነፍሲ ​​ወከፍ ውልቀ ሰብ ከከም ግብሩ ክፈርዶ እዩ ዝብል ሰፊሕ ክርስትያናዊ እምነት ይሰማማዕ። ንኣብነት ሮሜ 2፥6 ከምኡ’ውን ማቴ 16፥27። ስለዚ እቲ ኣብ ሮሜ 2፡16 ዝተጠቕሰ "ምስጢር ሰብ" ነቲ ብእግዚኣብሔር ዝግለጽን ዝፍረድን ካብ ካልኦት ሰባት ግና ከም ምስጢር ዘይርኤን ዘይፍለጥን  ክከውን ዝክእል መዳያት ህይወት ውልቀ ሰባት የመልክት።

እቲ ዝርዝር መወዳእታ የብሉን። ገለ ሓሳብ ጨቢጥኩም ክትኰኑ ግና ተተስፍየ ኣለኹ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ሮማ ኣብ እንዳ ገሬ እሙን

Next
Next

ቤተ ክርስቲያንና፡ ቍስሊ ኰይናትና