ንመስርሕ ዕርቂ ዝምልከት ርእይቶን ርድኢትን ኦ.ተ.ቤ

11 መጋቢት 2023 (ልክዕ ቅድሚ ክልተ ዓመት) ብሕብረት ኦ.ተ.ቤ. ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ቀሪቡ፡ ዛጊት ምላሽ ዘይረኸበ፡ ርእይቶን ርድኢትን ኦ.ተ.ቤ. እንታይ ነበረ፧ ንዝብል እንሆ እቲ ጽሑፍ ኣብዚ እገብሮ ኣለኹ። ምሉእ ትሕዝቶ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ

ሓምለ 2021 ዝጀመረ መሥርሕ ዕርቂ ኣብ ሞንጎ እቶም ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ እንምራሕን፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳ ዝምርሑን፡ መወዳእታኡ፡ 02 ለካቲት 2023 ብስምን ማሕተምን ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ግናኸ ብኽታም ኣቦ መንበር፡ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ፡ ቆሞስ ከሰተ ገብረሚካኤል፡ ዝወጸ ጽሑፍ፡ “ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ብብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዝምርሓ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ብምእኩልን ሓድነትን ክኸዳ፡ ዝነበረ ሓደ ሓደ ዘይምርድዳእ ብወገን ክልቲኦም ዝወጹ ኮሚተ፡ ኣብ ንጹርን ሕግን ሥርዓትን ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተመሥረተ ምርድዳእ ተበጺሑ’ሎ” በለ።

ብሓፈሽኡ ንዕርቅን ሰላምን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ዝተወስደ ተበግሶ ነድንቕ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን “ብኣንድነት ፍጹማት” ክንከውን ጸልዩ እዩ። ኣቦታትና ሓዋርያት’ውን፡ “ነቲ ኅብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ክንሕልዎ ክንጋደል” ከም ዝግባእ ጽሒፎሙልና እዮም፡ (ዮሃ17፡22 ፥ ኤፌ 4፡3)። ይኹን እምበር እዚ ዝጥቀስ ዘሎ “ዕርቂ” ግና፡ መስርሕ ዕርቂ ዝተኸተለ ኣገባብ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓታትን ተሓታትን መልክዕ’ዩ ሒዙ ዘሎ። ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ንስለ ዕርቂ ክብል፡ ኣብ መትከላት እምነት ሕድገታት ዝገበረ ምዃኑ፡ ቅኑዕ ኰይኑ ኣይርኣየናን።

መራሕቲ እምነት፡ ዕርቂ ክገብሩ ኣብ ዝውስኑሉ፡ ንመሠረታዊ መትከላቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታው ክኸውን ኣይግባእን። ኣብዚ ናይ ዕርቂ መስርሕ፡ ብወገን ኣቡነ ሲኖዳ ዘሎ ኮሚተ፡ ግሉጽነት ክህሉ ከሎ፡ ብወገን ሃገረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ግና ኣዝዩ ምሥጢራዊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዮም ዘለዉ መተዓይይቶምን ኣባላቶምን’ውን፡ ብናቶም ኣበሃህላ፡ ኣባላት መካነ ሕይወትን ኅብረት ኦ.ተ.ቤ.ን ኣብ ልዕሊኦም ኣሉታዊ ስጉምቲ ንኽውሰድ ዘሳጥሕ’ዩ።

እቶም ብወገን ኣቡነ ሲኖዳ ዘለዉ፡ 4 መሠረታውያንን 26 ድማ ኣከራኸርቲ ዝብሃሉ ሕቶታትን ከም ዘቕረቡ፡ ኣብቲ ዘውጽእዎ ጸብጻብ ሓቢሮም ኣለዉ። መካነ ሕይወትን ኅብረት ኦተቤን ኣብተን ብድምር 30 ዝዀና ሕቶታት ይጥቀሳ ስለ ዘለዋ፡ ብቐጥታ እኳ ዝሓተና ኣካል እንተዘይተረኽበ፡ ግቡእ መልሲ ምሃብ ግና ሓላፍነትና’ውን ምዃኑ ብምእማን፡ ኣብዚ ጽሑፍ ተጠቓሊሉ ዘሎ መልሲ ንህብ ኣለና።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ሀበ ሰብአ ቅዱስ እስጢፋኖስ