ሀበ ሰብአ ቅዱስ እስጢፋኖስ
ጸጋን ሰላምን ብክርስቶስ!
«ሎሚ ምስ ቤተክርስቲያን» ብእትብል ጽሕፈትኩም እየ ዝዝክረኩም። ካብታ ብዛዕባኹም ዝሰማዕኩላ ዕለት ጀሚረ፡ ካብ ልበይ ከውጽኣኩም ከም ዘይከኣልኩ ኣይሓብኣልኩምን እየ። "ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና" እትብል ሕርይቲ ጥቕስኹም ኸኣ፡ ኣብ ውሽጠይ ተወቂጣ’ያ (1ቆሮ 1፥23)። ኩልኹም እቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ካርቱም ዝነበርኩም፡ ዝዓበኹምን ዝነኣስኩምን፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን፡ ኣብ ከመይ ኩነት ኰን ትህልዉ ትኾኑ፧! ብኹሉ ደሓን ክትህልዉን ክትጥዕዩን ጸሎተይን ትምኒተይን እዩ።
ኣብ ዓመተ 2009፡ ኣብ ሱዳን ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተቐሚጠ’ኳ እንተነበርኩ፡ ብዛዕባኹም ከይሰማዕኩን ከይፈለጥኩን እየ ንሃገረ ኡጋንዳ ግዒዘ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ምምራቕ ተማሃሮኹም፡ «ንኣርኪጶስ ድማ፡ ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ፡ በልዎ» እትብል ጥቕሲ፡ ከተምበልብሉ ምስ ርአኹ፡ ልበይ ብሓጐስ ምስርሳሩ እዝክር። እቶም ነታ ዓለባ ዘምበልበልኩም፡ ኣብ ከመይ ኩነት ኮን ትህልዉ ትዀኑ፧ እምነትኩም ከመይ ኮን ትህሉ፧ እቲ ንጐይታ ዝነበረኩም ፍቕርን ጸዓትን ኣብ ከመይ ኩነት ኮን ይህሉ፧ ንምድሪ ሱዳን ሓዲግኩም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ኣተኹም፡ እቲ ክርስትናዊ ህይወትኩም ከ ከመይ ቀጸለ፧
ደሃይኩም ካብ ዘይሰምዕ ነዊሕ ኰይኑ ክንሱስ፡ ክሳዕ ሕጂ ደሃይኩም ክገብር ብዘይምኽኣለይ፡ ሕልናዊ ስቓይ ከም ዘሎኒ፡ ከይሓበርኩኹም ክሓልፍ ኣይደልን። ክትተኣኻኸቡ፡ ክትለምዑ፡ ክትሰፍሑ፡ ከተስፋሕፍሑ፡ ኣብ ክንዲ ሓደ፡ 30፡ 60፡ 100 ሰናይ ፍረ ክትፈርዩ ግና፡ ናይ ዘወትር ጸሎተይን ትምኒተይን’ዩ! ከምቲ ዝነበርኩምዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ብዝተዓጻጸፈ፡ ጸለውቲ ኰይንኩም ክትርከቡ፡ ጨውኩም፡ ነቲ መኣዛ ዘይብሉ ህይወት ከመቅር፣ ብርሃንኩም፡ ነቲ ዝጸልመተ ተስፋ፡ በርሃው ከብል፡ እዚ ጸጋ እዚ ብኣኹም ኣቢሉ ክግለጽ፡ እወ፡ ናይ ዘወትር፡ ትምኒተይን ጸሎተይን እዩ።
ምርካብኩም ብሂገ
ፍቓድኩም እንተዀይኑስ፡ ሰሉስ ዕለት 25 መጋቢት 2025፡ ሰዓት 21.30 ብሽወደን፡ ብማንዛ (ZOOM) ክንራኸብ እሞ፡ ብሕብረት ክንጽልን፡ ደሃይ ሓድሕድ ክንለዋወጥን፡ እዚ፡ ንትንሳኤኹም ሓጋዚ ምዀነ ዝብል እምነት እሎኒ። ክሳዕ ጽባሕ ቀዳም ኣብ ዘሎ ጊዜ፡ 12 ካባኹም፡ ብዛዕባ’ዚ ተገዲስኩም፡ ደሃይ እንተጌርኩም፡ ኣብዚ ጠዊቕኩም ምልኡ ብወገነይ ክረኽበኩምን፡ ሓቢረኩም ክጽልን ድልው ከም ዘለኹ፡ ብፍቕሪ ክርስቶስ እሕብረኩም ኣለኹ። ንዑ፡ ንራኸብ። ከምቲ ገሊኣቶም ልማድ ዝገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ! ስክፍታ፡ ሕቶ፡ ርእይቶ፡ ነቐፌታ፡ እንተሎ ንምቕባሉ ብወገነይ ድልዉ እየ። ብወገንኩም ከኣ ከምታ ዘምበልበልኩማ «ንኣርኪጶስ ድማ፡ ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ» እትብል እናዘከርኩም ንቕሑ።
ክሳዕ ቀዳም 22 መጋቢት ደሃይኩም ዝጽበ፡ ሓውኹም፡ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል