ጻውዒት ንሓባራዊ ጸሎት
“እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሃገር ተለመና” ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ፡ ብዛዕባ ህዝብናን ሃገርናን ብሕብረት ንምጽላይ፡ ንዓርቢ 21 መጋቢት 2025 ልክዕ ፍርቂ ለይቲ በቈጻጽራ ኤርትራ መደብ ሒዝና ኣለና። እቶም ብክርስቶስ ክርስቲያን እተሰመና፡ ኦርቶዶክስ፡ ካቶሊክን ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያንን፡ ብሕብረት ከምሓደ ልቢ መኻሪ ከም ሓደ ኣፍ ተናጋሪ ኴንና ክንጽሊ ኢና። እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ጸሎት ሰሚዑ ዝምልስ ስለ ዝዀነ፡ ስጋ ዝለበሰ ኵሉ ናብዚ ብሩኽ ኣምላኽ፡ ምሳና ሓቢሩ ይጸሊ! እዚ መደብ እዚ ንዓርቢ28 መጋቢት 2025’ውን ክንስልሶ ኢና። ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና’ዩ። “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሃገር ተለመና፡ እቲ መቕዘፍቲ ኸኣ ተኸልከለ (2ሳሙ24.25)።