ጻውዒት ንሓባራዊ ጸሎት

“እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሃገር ተለመና” ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ፡ ብዛዕባ ህዝብናን ሃገርናን ብሕብረት ንምጽላይ፡ ንዓርቢ 21 መጋቢት 2025 ልክዕ ፍርቂ ለይቲ በቈጻጽራ ኤርትራ መደብ ሒዝና ኣለና። እቶም ብክርስቶስ ክርስቲያን እተሰመና፡ ኦርቶዶክስ፡ ካቶሊክን ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያንን፡ ብሕብረት ከምሓደ ልቢ መኻሪ ከም ሓደ ኣፍ ተናጋሪ ኴንና ክንጽሊ ኢና። እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ጸሎት ሰሚዑ ዝምልስ ስለ ዝዀነ፡ ስጋ ዝለበሰ ኵሉ ናብዚ ብሩኽ ኣምላኽ፡ ምሳና ሓቢሩ ይጸሊ! እዚ መደብ እዚ ንዓርቢ28 መጋቢት 2025’ውን ክንስልሶ ኢና። ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና’ዩ። “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሃገር ተለመና፡ እቲ መቕዘፍቲ ኸኣ ተኸልከለ (2ሳሙ24.25)።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ሀበ ሰብአ ቅዱስ እስጢፋኖስ

Next
Next

ምዉት ንሙውት ክቐብሮ ከሎ. . .