ምዉት ንሙውት ክቐብሮ ከሎ. . .

መጋቤ ኣእላፍን፡ መጋቤ ሃይማኖትን እተሰምዩ፡ ዝኸተሙሉ ጽሑፍ’የ ዝነብብ ዘለኹ። ”እዚ መልእኽቲ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ እንተወሓደ ክልተ ጊዜ ንህዝቢ ክንበበሉ ሓደራ ንብል” ብዝብል ስለ ዝዛዘም ከኣ፡ ዕቱብነቱ መሊሱ ዝዓዝዝ ኰይኑ’ዩ ዝርአየካ።

ቤተ ክርስቲያን፡ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ እያ’ሞ፡ እቲ ፍረ መንፈስ ከኣ፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል ምዃኑ፡ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና’ዩ (ገላ 5.22)። ጽሑፍ፡ መጋቤ ኣእላፍን፡ መጋቤ ሃይማኖትን ግና፡ ብዛዕባ’ዚ ዘይኰነ፡ ”መምርሒ መሰነይታ ሬሳ ብዝምልከት” እዩ። 

እቲ ቅድሚ ክልተ ቕነ፡ ብዕለት 02 መጋቢት 2025፡ ኣብ ኤውሮጳ ናብ ዝርከባ ኣባይተ ክርስቲያንን ማሕበራትን እተላእከ ጽሑፍ፡ ትሕዝቶኡ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦

ሓደ ኤርትራዊ ድሕሪ ሞቱ፡ ሬሳኡ ናብ ዓዲ ክልኣኽ እንተዀይኑ፦

  1.        ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ፡ መዋቲ ኣብ እምነተ ኦርቶዶክስ ምንባሩ ዘረጋግጽ፡ መሰነይታ ሬሳ ይጽሕፉ

  2.       ሰብ ጉዳይ፡ መሳልል ተኸቲሎም፡ ነቲ ጽሑፍ ናብ መንበረ ፓትርያርክ ኣስመራ የብጽሕዎ

  3.       መዋቲ፡ ኣባል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ምንባሩ ዘረጋግጽ ካርድ ኣባልነት እንተዘይጸንሖ፡ መሰነይታ ኣይጸሓፈሉን

  4.       መዋቲ፡ ኣበ-ነፍሲ ከይሓዘ እንተጸኒሑ፡ መሰነይታ ጽሑፍ ኣይጸሓፈሉን

  5. ድሕሪ ሞት፡ ኣበ-ነፍሲ ክዀኖ እኽእል’የ ዝብል ካህን እንተተረኸበ፡ እሞ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንመዋቲ፡ መሰነይታ ሬሳ እንተተጻሒፉሉ፡ እቲ ንኸምኡ ዘፍቀደ ሰበኻ ጉባኤን እቲ ካህንን ተሓታቲ ይኾኑ።

    ትዕዝብቲ

    ቤተ ክርስቲያን፡ ብዛዕባ ህይወት ደኣ’ምበር፡ ብዛዕባ ሞት ክንድዚ ፋዕራን ሻቕላን ከተርኢ፡ የጸብቐላ ዶ፧ ብዛዕባ ንዝሞተ ምቕባርን ዘይምቕባርንሲ፡ ያኢ ንቤተ ክርስቲያን ዝገድስ ዓብዪ ሕቶ ኰይኑ፡ እንተወሓደ ክልተ ጊዜ ንህዝቢ ዝንበብ ብዝብል፡ ዛዕባ መሰነይታ ዝጸሓፈሉን ዘይጸሓፈሉን ሬሳ፡ መምርሒ ንምድላው ክትርህጽ ካብ ምርኣይ ዝኸፍእ ካልእ ውድቀት፡ እንታይ ክህሉ ይኽእል፧!
    ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። ኢየሱስ ግና፡ ስዐበኒ ደኣ፡ ንምዉታትሲ ምዉታቶም ይቕበርዎም ሕደጎም፡ በሎ” (ማቴ 8.21-22)።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ጻውዒት ንሓባራዊ ጸሎት

Next
Next

መንበረ ረመጽ፡ ብቓላት ጸሓፊ ”ኣብ ረመጽ መንበር”