መንበረ ረመጽ፡ ብቓላት ጸሓፊ ”ኣብ ረመጽ መንበር”

ንድሕሪት ኣንዊሕካ ምስ እትጥምት፡ ኣርሒቕካ ንቕድሚት ከም እትጥምት ትኸውን” ብዝብል፡ ኣብዛ ክንዛረበላ ኣንቂድና ዘለና መጽሓፍ፡ “ኣብ ረመጽ መንበር” ኣብ ገጽ 229 ተጻሒፉ ብዘሎ ሓሳብ ሒዝና፡ ንበገስ። 

ነቲ ንወተሃደራዊ መንግስቲ ዝመርሕ ዝነበረ፡ መንግስቱ ሃይለማርያም ንዘክሮ’ሞ፡ ኣብ ሓንቲ 16 ኣባላት ዝነበርዋ ኮሚተ ዕርቂ ኰይኖም ንዝተመርጹ፡ ቀኛዝማች ረዘነ ብርሃነ ንዝብሃሉ ኤርትራዊ ሽማግለ ድማ ብዓይነ ልቦና ንቕረጾም። ንሶም ንመንግስቱ ሃይለማርያም፡ ”ኣብ ኤርትራ ዝፈስስ ዘሎ ደምን፡ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሳቐ ዘሎ ኤርትራውን ከሕዝነካ ይግባእ። ቅድም ቀዳድም፡ ንእሱራት ምሕረት ግበር. . .” ብምባል ብትብዓት (ብቓላት ጸሓፊ ብድፍረት) ከም እተዛረብዎ እዩ፡ ኣብ ገጽ 205 ሰፊሩ’ሎ። ኤርትራዊ ቀኛዝማች ረዘነስ ንመንግስቱ ሃይለማርያም “እሱራት ፍታሕ” ቢሎም ተዛሪቦሞ ኢና ንብል ዘለና’ሞ፡ ግብረ መልሲ መንግስቱ ሃይለማርያም ከ፡ እንታይ ኮን ነበረ፡ ቢልና ኸኣ እስከ ንገምት። ግምትና ልክዕ እንተኔሩ፡ ምስቲ  ኣብ ታሕቲ ተጻሒፉ ዝጸንሕ ምላሽ ከነነጻጽሮ ኢና።

  • ጸሓፊ፡ ኢሳቕ ጸጋይ ኢማንዝጊ (ኣመሓደሪ ክፍለ ሃገር ኤርትራ ዝነበሩ)

  • ሕትመት፡ ቤት ማሕተም ናለት፡ ግንቦት 2024 ኣስመራ ኤርትራ (ካልኣይ ሕታም ከይኰነ ኣይተርፍን፣ ቀዲማ ብ2018 ተሓቲማ ስለ ዝነበረት)።

  • ብዝሒ ገጻት፡ ኣብ 22 ምዕራፍ ዝተኸፋፈለ፡ 252 ገጻት

  • ትሕዝቶ፡ ካብ መወዳእታ ምሕደራ ንጉስ ሃይለ ስላሴ፡ ክሳዕ መወዳእታ ምሕደራ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ ንዝነበረ ጊዜ እትትርኽ መጽሓፍ እያ። ወተሃደራዊ ምሕደራ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ኣረኣእያን፡ እተኸተሎ ስርዓተ ምሕደራን ኣተሓሕዛ (ኣጨዃኹና) ህዝብን ከመይ ምንባሩ፡ ብኣባል እቲ ምሕደራ ዝነበሩ ዝቐረበ ጽሑፍ’ዩ።

ስለምንታይ ”ኣብ ረመጽ መንበር፧”

ኣብ ገጽ XII ተገሊጹ ብዘሎ መሰረት፡ ”ንህዝቢ ከይጐድእ ክጥንቀቕ፡. . . በቲ ሓደ ወገን ድማ ኤርትራዊ ምዃነይ ብወገን መንግስቲ ደርግ፡ ጥርጣረን ጽዑቕ ምክትታልን ከም ዝግበረለይ ይርድኣንን እፈልጥን ስለ ዝነበርኩ” ብምባል ገሊጾም ኣለዉ።

ፖለቲካዊ ሱታፌ፡

1963-65 ኣብ ዝነበረ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ብጽልዋ መሳቱ ተደፋፊኦም ተሳቲፎም ነበሩ። 1973፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ባሌ ኣብ ዝብሃል ክፍለ ሃገር፡ ሱፐርቫይዘርን ኣቦ መንበር ማሕበር መምህራን ባሌን ኰይኖም ኣገልገሉ። ኣብቲ እዋን’ቲ ብመምህራንን ተማሃሮን ኣንጻር ምሕደራ ንጉስ ሃይለስላሴ ተቓውሞ ይግበር ብምንባሩ፡ መሪሕነት መም. ኢሳቕ ተኣፋፊ ኰነ። ረስኒ እታ መንበር፡ ኣብዚ’ዩ ዝጅምር። ኣብቲ እዋን’ቲ ሓላፊ ጸጥታ ዝነበረ፡ ኮሎኔል ሰሎሞን ከድር፡ ንመም. ኢሳቕ ክልተ መዓልቲ ድሕሪ ምእሳር፡ ብምፍርራህ ፈትሖም።

1975 ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግ ስልጣን ምስ ጨበጠ፡ መም ኢሳቕ ከም ኣቦ መንበር ማሕበር መምህራን መጠን ምስቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ እናመጹ ንመምህራን ዘንቅሑ ዝነበሩ ካድራት ደርግ ጥቡቕ ርክብ መስረቱ። ”መሬት ንሓራሲኡ” ዝብል ኣዋጅ ንምትግባሩ፡ ከም ኣመሓደርቲ ወረዳታትን ኣውራጃታትን ኰይኖም ዝምደቡ ሰባት ክርቍሑ ከለው፡ መም ኢሳቕ ሓደ ካብኣቶም ኰኑ። ስድስት ኪሎ ኣብ ዝብሃል ዩኒቨርስቲ ድማ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምስልጣን ከኣ፡ ኣብ ክፍለ ሃገር ባሌ ናይ ሓንቲ ኮኮሳ እትብሃል ወረዳ ኣመሓዳሪ ኰኑ።

1976 ወኪል ኣመሓዳሪ ክፍለ ሃገር ባሌ ኰኑ። ድሕር’ዚ ብ1978 ኣብ ትግራይ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኣመሓዳሪ ክልተ ኣውላዕሎ ኰይኖም ድሕሪ ምግልጋል፡ ካብ መስከረም 1978 ምክትል ኣመሓዳሪ ኤርትራ ኰይኖም ተመደቡ።

ሁኣሰ (ሁለተኛ ኣብዮታዊ ሰራዊት- ካልኣይ ሰውራዊ ሰራዊት)፣ ድህንነት፡ ኢሰፓኣኮ፡ ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ (በገላልጻ ህዝባዊ ግንባር፡ ሻድሻይ ወራር) ናደው ዕዝ ብግንባር ኣፍዓበት፣ መብረቅ ዕዝ፡ ብግንባር ከርከበት፣ ውቃው እዝ፡ ብግንባር ዓልጌና፣ መንጥር ዕዝ፡ ብግንባር ከረንን ሓልሓልን፣ መክት ዕዝ፡ ኣስመራን ከባቢኣን፡ ብድምር 136,585 ሰራዊት ኣውፊሩ ምንባሩ፡ ተገሊጹ’ሎ። ኣመራርጻ ስም እቶም ዕዝታት መሲጡኒ። ዕሎ (ናደው)፡ በሎ (ውቃው)፡ በርቂ (መብረቅ)፡ በቍጽ (መንጥር)፡ መክት. . . 

በብኸባቢኡ ዝተላዕላ ፖለቲካውያን ውድባትን፡ ንዕአን ደምሲሱ፡ ልዕሊ ሓደ ፓርቲ ክህሉ የብሉን ናብ ዝብል እምነት ከም ዝረዓመ፡ ኢሰፓ፡ ምንቅስቓስ ”ቆላማ” ኣብ ኤርትራ፡ ብሚስዮናውያን ዝውነና ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ከም ዝተወሰነ፡ ዕልዋ መንግስቲ፡ ብልሽውና መራሕቲ፡ ክፍኣት ውልቀ-ሰባት፡ ርክብ ምስ ኣገድስቲ ሰብ ሰልጣን፡ ወዘተ ነፍሲ ወከፎም መጽሓፍ ክጽሓፍሎም ዝኽእሉ ሰፋሕቲ ዛዕባታት ኣብዛ መጽሓፍ ሓጺር ሌላ ተጌሩሎም ኣሎ።

ዘስተማቐርክዎም ቃላት

  • ህዝቡብ 

    ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ክንድህስሳ ብምባል ትማሊ ብኣላይነት መም. መኰነን ተስፋይ፡ ምስ መም. ሴፉን ጋዜጠኛ ራድዮ ኤስቢኤስ፡ በየነ ሰመረን፡ ኣብ ዝተራኸብናሉ፡ በየነ፡ ብዛዕባ እዛ “ህዝቡብ” እትብል ቃል፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ከም ዝጸሓፈ ነጊሩና። ነዛ ቓል እዚኣ መጀመርታ ዝነበብክዋ፡ ብ2019 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ራድዮ ኤረና ኰይኑ፡ እቲ ዜና ከምዚ ይብል ነበረ፦ "ሞት ናይቲ ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ህዝቡብ ዝነበረ መንእሰይ ኣኽርያ፣ ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብፍላይ ኣብ መዛንኡ ሓያሎ ቁጠዐ ከምዝፈጠረ’ውን ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ፈለጥቱ ገሊጾም።” እቲ ዜና ብዛዕባ’ቲ እቲ  ‘መታ’ ብዝብል ዝፍለጥ፡ ስዒድ መሓመድ ዓሊ ዝተባህለ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓላ ዝዓረፈ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት ዝርከብ ዝነበረ ዝምልከት ነበረ።  

  • ኣጋሚዶ  

    ኣብ እዋን ንግስነት ሃይለስላሴ፡ ንመሪሕነት ንጉስ ዝቃወም ዘበለ ኤርትራዊ፡ ”ኣጋሚዶ” ይብሃል ምንባሩ ኣብ ገጽ 4 እዛ ተጻሒፉ’ሎ። ”ኣጋሚዶ” ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ በጽሐት፡ ጸይፋ እንተዘይኰይና፡ ንዓይ ከም ዝመስለኒ፡ ”በጋሚንዶ” ንምባል’ዩ ዝኸውን። ብቓላት ተኪአ ተስፋይ፡ ”በጋሚንዶ” ዝብል ቃል፡ ካብ ጥልያን ዝተወርሰ ኰይኑ፡- ዕዋላ፡ ወዲኒ፡ ስዲ፡ ስርዓት ዘየኽብር ወዘተ ማለት’ዩ።

  • ቀበሌ

ኣብ እዋን ደርግ፡ እታ ዝነኣሰት ኣሃዱ ምምሕዳር፡ “ቀበሌ” እያ ትብሃል ዝነበረት። መም. ኢሳቕ ነዚኣ ምስ ቀቢላ ኣመሳሲሎም ጽሒፎማ ኣለዉ። ጴጥሮስ ወራሲ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ፡ ቀቢላ ካብ ቋንቋ ዓረብ ዝመጸ ቓል’ዩ ብምባል ሓደ መብርሂ ኣቕሪቡ’ሎ። ንሓደ قَبِيلَة (ቐቢላ)፡ ንብዙሓት ድማ قَبَائِل‎ (ቐባኢል) ይበሃል። ቐቢላ ልክዕ ከም ነገድ ብቛንቋ እንግሊዝ tribe ተባሂላ’ያ ትትርጐም ዘላ፡ ድሕሪ ምባል ከኣ “ነገድ እምበኣር፡ “ሓደ ዝመቈሎም ወይ ዝመፈጠሮም ህዝቢ፣ ዓሌት፣ ሓረግ” (ተኪኤ፡ 482) ኮይኑ፡ ደቂ ሰባት ከም ህያውያን ዝፈጥርዎ፡ ብ “ዓሌት፡ ዘርኢ፡ ትውልዲ፡ ሓረግ” ዝቖመ ዓይነት ማሕበራዊ ኣወዳድባ ወይ ውዳበ (ካሳን አማኑኤልን፡ 62) እዩ” ይብል። ጋዜጠኛ በየነ ሰመረ ግና፡ ቀቢላ ብቛንቋ ኣምሓርኛ፡ ጎሳ ደኣ እምበር ቀቢላ ስለ ዘይብሃል፡ ከምኡ ክትከውን ኣይትኽእልን’ያ ዝብል ምጉት ኣሎዎ። 

ግብረ መልሲ መንግስቱ እንታይ ነበረ፧ 

ኣብ ላዕሊ ከም እተጠቕሰ፡ እኒ ቀኛዝማች ረዘነ ብርሃነ ንመንግስቱ ሃይለማርያም ብትብዓት ምስ ተዛረብዎ፡ መንግስቱ፡ ሽጋራ የትክኽ እኳ እንተዀነ፡ ኣብቲ ጊዜ ኣኼባ ግና፡ ንኽብሪ እቶም ሽማግለታት ክብል ከም ዘየትከኸ ኣብ ገጽ 208 ተጻሒፉ ንረኽቦ። ኣብ ገጽ 205 ድማ፡ ክምልሰሎም ከሎ ”ዝኸበርኩም ኣቦታተይ” ብምባል ዘረባኡ ከም ዝፈለመ፡ ይንገረና። እቲ ዘገርም፡ ተንሲኡ ንግዳም ከም ዘፋነዎም፡ ንኣመሓዳሪ ኢሳቕ ጸጋይ ድማ ”ንምዃኑ ጽቡቕ መሕደሪ ኣዳሊኻሎም  ዶ፧” ከም ዝበሎም’ውን ተጻሒፉልና’ሎ። ”እወ ኣብ ዋቢሸበሌ ሆቴል ኣዕሪፍና ኣለና” ምስ በልዎ ኸኣ፡ መንግስቱ ሃይለማርያም ”ጽቡቕ” ከም ዝበለ ንነብብ።

ዝተራእዩኒ ብልጫታት

ንዘመነ ወተሃደራዊ ምሕደራ ደርግ፡ ብዓይኒ እቶም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ እትገልጽ መጽሓፍ ብትግርኛ ምቕራባ፡ ሚዛናዊ ፍልጠት ንኽህልወና ሓጋዚት እያ።

ብሕቡእ-ውጋእ (between the lines) ዝተጻሕፉ

ኣብ ገጽ V ተገሊጹ ከምዘሎ፡ ብዙሕ መአረምታን ርእይቶን ዝለገሱ፡ ደራስን ተጋዳላይን ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ተጋዳላይ ዘምህረት ዮሃንስ፡ ተጋዳላይ ጠዓመ በየነ፡ ተጋዳላይ መኩርያ ወልዱ. . . ምባሎም፡ እታ መጽሓፍ፡ ኣብ ደገ ተጻሒፋ እንተትነብር፡ እንታይ ክትመስል ከም እትኽእል ክትግምት የኽእለካ’ዩ። ሓደ ኣብነት ንውሰድ፦

ግንቦት 1984 ኣብ ሓይሊ ኣየር ኣስመራ ዝተገብረ ስርሒት፡ እቲ ሓዊ ገና ኣጸቢቑ ከይጠፍአ፡ ብርሑቕ ቅርበት ከም ዝተዓዘብዎ ይጠቕሱ። መንግስቱ ሃይለማርያም ነቲ ኣብኡ ዝተረኽበ ሬሳ ተጋዳላይ፡ ብኽብሪ ክቕበር ከም ዝኣዘዘ ድሕሪ ምጥቃስ፡ እቲ ስርሒት ከመይ ከም ዝነበረ ግና፡ ”በቶም ኣብኡ ዝወዓሉ ጀጋኑ ተገሊጹ ስለ ዘሎ፡ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ካብኡ ንላዕሊ ክገልጾ ኣይክእልን’የ” ብምባል’ዮም ዝሓልፍዎ፡ (ገጽ 157)። ነቲ ብህዝባዊ ግንባር፡ “ሻድሻይ ወራር” ዝብሃል ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ ግና፡ ብኣሃዛት ዝተሰነየ ስፍሕ ዝበለ ጸብጻብ ምቕራቦም፡ ኣብቲ ሕቡእ-ውጋእ፡ ብዙሕ ክትነብብ የኽእለካ።  

ዝተራእዩኒ ድኻማት

  • ስያመ መጽሓፍ፡ ኣብ ኣጸሓሕፋ ቅደም ተኸተል ቃላት፡ ሊቃውንትና ሓደ ውዱን መምርሒ ከቕርቡ ብዘይምኽኣሎም፡ ኣርእስቲ እዛ መጽሓፍ፡ ኣዘራርቢ ከም ዝኸውን ይገብሮ። "ኣብ ረመጽ መንበር” ገና ዘይተወድአን ዘይንጹርን ሓሳብ እዩ። ካብ ኮለል ንምድሓን፡ ከም “ፍኖተ-ሰሃራ”፡ “መንበር መላገጽቲ፡” እዚኣ’ውን "መንበረ-ረመጽ” ተብሂላ እንተትስመ ምመረጽኩ።    

  • መእተዊ፡ ካብ ገጽ V ክሳዕ ገጽ IX ”መእተዊ” ብዝብል ቀሪቡ ዘሎ ሓፈሻዊ ጽማቝ ታሪኽ ኤርትራ፡ ነዛ ንዘመነ ወተሃደራዊ ምሕደራ ደርግ፡ ብተፈልዮ ከተዘንቱ ዝዓለመት መጽሓፍ፡ ይገፍሓ’ዩ። እቲ ”ዕላማን ትሕዝቶን እዛ መጽሓፍ” ብዝብል ድሕሪኡ ቀሪቡ ዘሎ፡ ከም መእተዊ ነታ መጽሓፍ እኹል እዩ ዝብል መርገጺ እዩ ዘሎኒ።

  • ቴክኒካዊ መዳይ፦ ዓይነት ወረቐት፡ ቅዲ ኣወዳድና ጽሑፍ፡ እርያ ፊደላት፡ ውሁድ ኣጸሓሕፋ ንኣብነት ንእኒ መርዕድ ንጉሴ ”ኣቱም” ንእኒ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ሻለቃ ዳዊት ዝኣመሰሉ ድማ ”ኣታ” ብዝብል ኣቀራርባ ወዘተ፡ ሓዲኡ ኣገባብ እንተዝምረጽ።

ዕዙዝ ምስጋና

ምስ ጸሓፊ ሓቢረ ከመስግኖም ዝደሊ፡ መጽሓፍ ኰይና ንኽትሕተም ንዘተባብዑ፡ ዶር ዑቕባስላሴ ገብረኣምላኽን ኣቶ ስዩም ኣርኣያን እዮም። ብህይወት ዘለዉ እንተዀይኖም፡ ኣብ ዘለውዎ ሰላም! ንጸሓፊ መም. ኢሳቕ ድማ የቐንየልና ድሕሪ ምባል፡ እንቋዕ መጐሰኩም ክብሎም እፈቱ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ምዉት ንሙውት ክቐብሮ ከሎ. . .

Next
Next

14 መጋቢት ዝነበረ ሓባራዊ ጸሎት