ረብሓ ኣይሁዳውነትን ጥቕሚ ግዝረትን፡ ተሳተፍቲ እንታይ በሉ፧

ሓሙስ መጸት መጽናዕቲ ሮሜ ኢና እነጽንዕ ዘለና። ነዚ ሰሙን እዚ ዝተዋህበ ዕዮ፡ ረብሓ ኣይሁዳውነትን ጥቕሚ ግዝረትን እንታይ እዩ፧ ዝብል’ዩ ኔሩ። ኣብዚ መጽናዕቲ ሓቢሮምና ዘጽንዑ ዘለው ኣቦይ ቀሺ ነቲ ዕዮ ብኸምዚ ዝስዕብ መሊሶምዎ ኣለዉ፦

ኣቦይ ቀሺ ዝጸሓፍዎ

ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ጠቒስዎ ዘሎ፡ ረብሓ ኣይሁዳውነት ብዙሕ’ዩ። ኣምላኽ ደቁ ገበሮም፡ ክብሩ ገለጸሎም፡ ምሥጢሩ ገለጸሎም፡ ኪዳን ኣተወሎም፡ ሕጊ ሓገገሎም፡ ኣምልኾ ሰርዓሎም፡ ተስፋ ሃቦም፡ ክርስቶስ ከኣ ብሥጋ ካባታቶም እዩ፡ ዝተወልደ። ንመረዳእታ፡ ካብ ትንቢተ ሕዝቅኤል እንተጠቐስና፡- ”ሕጋጋተይ ሃብክዎም፣ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዚነብረሉ፣ ፍርደይ ከኣ ኣፍለጥክዎም። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ዚቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡስ፣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ትእምርቲ ምእንቲ ኪዀና ኢለ፣ ሰናብተይ ሃብክዎም” ዝብል ንነብብ፡ (ሕዝ 20፡ 11-12)። ደቂ እስራኤል፡ ነቲ ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝተዳለወ ጽድቂ (ምድሓን) ኣምላኽ ንምቕባል ከዳልዎም ዝኽእል ሓለፋ ተቐቢሎም ነበሩ።

”ጥቕሚ ግዝረት” ናብ ዝብል ካልኣይ ኣርእስቲ ክንሰግር ከለና ድማ፡ ግዝረት፡ ናብታ ብኣቦና ኣብርሃም ኣቢላ ዝጀመረት እምነት፡ ማለት ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ሙኻን እተብቕዓካ፡ ኣፍ ደገ እያ። ኣባል ወይ ኣካል እዚ ህዝቢ እዚን፡ እዚ እምነት እዝን ምዃን ማለት ድማ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ረብሓ ኣይሁዳውነት ምርካብ ማለት ነበረ። ቃል ኣምላኽ ከም ዝምህረና ግና፡ ኣይሁዳዊ እዚ ኩሉ ዝዘርናዮ ሓለፋ’ኳ እንተ ተቐበለ፡ ግናኸ፡ ከጽድቖም ስለ ዘይከኣለ፡ ሓደ እኳ ጻድቕ ኣይተረኽበን ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝደሊ የልቦን ዝብል ቃል ተጻሕፈ።  ንሶም’ውን ከም ኩሉ ፍጥረት ሰብ፡ ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ከኣ ርሒቕዎም እዩ። እምበኣርከስ፡ ግዝረት ኮነ ኣይሁዳዊ ምዃን ኰነ፡ ዘምጽኦ ለውጢ፡ ሓደው ዘምጽኦ ፍታሕ የልቦን። ንሶም’ውን ምስ ዓለሞም፡ በቲ መደምደምታ ሕጊ ዝዀነ፡ ጐይታና ኢየሱስ ብምእማን፡ ተኻፈልቲ ጽድቂ ኣምላኽ ክዀኑ ኣድለዮም።

ሓንቲ ተሳታፊት ዝጸሓፈቶ

ጽድቂ ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ክሳብ ዘይኣመንካ፡ ኣይሁዳዊ ምዃንካ፡ ምግዛርካ ወይ ወዲ ኣብርሃም እየ እንተበልካስ ዋላ ሓደ ረብሓ የብሉን። ከምቲ ኣብ ሮሜ 3.2 ቃል ኣምላኽ ንኣታቶም ሕድሪ ተዋሂብዎም እዩ፡ ዝብለና። ግናኸ ኣይጠቐሞምን። እኳ ደኣ ብሕጊ ሙሴ ዝምክሑ፡ ንባዕሎም ጻድቃናትኰይኑ ዝስምዖም ንኻልኦት ግና ዝፈርዱ፡ ስለዚ ኣይሁዳዊ ብምዃንካስ ዋላ ደኣ ብዅሉ ነገር ፍሉይ ኰይኑ ይሰማዕካ፡ ብሓደ ወዲ ኣምላኽ ክሳብ ዘይኣመንካ ግና ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ዘትርፈካ ኣይኰነን።

ሓንቲ ካልእ ተሳታፊት ዝጸሓፈቶ 

ኣምላኽ በቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ቃል ኪዳን፡ ኩሎም እቶም ካብኡ ዝተወልዱ እቲ  በረኸት ኣምላኽ አቲ ሓለዋ ኣምላኽ፥ ህዝበይ ኢሉ ዝጽውዖም፥ ኣብ ክንድኦም ዝዋግእሎም፥ ካብ  ባርነት ግብጺ ናጻ ዘውጽኦም  ፣ ንዓኹም ዝተንከየ ብሌን ዓይነይ ከም ዝተንከየ እዩ ዝተበሃለሎም ፥ ንኣምላኽ ብግብሮም ስለ ዘሐጎስዋ ኣይነበረን። ኣምላኽ ንኣብርሃም ብዝኣተወሉ ኪዳን ስለ ዝመረጾም፥ ብሕርየት ኣቦታት እዮም በረኸት ኣምላኽ ዝቕበሉ።  ረብሓ ኣይሁዳውነት እዚ  እዩ። ሮሜ 9:4፤ ደቂ እስራኤል እዮም እሞ፡ ውልድነትን ክብርን ኪዳንን ምሕጋግ ሕግን ምግልጋል ኣምላኽን ተስፋን ናታቶም እዩ” ይብለና። ሮሜ 9:5 ”ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፡ ክርስቶስውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ልዕሊ ዂሉ እዩ፡ ኣሜን” ዝብል’ውን ተጻሒፉ’ሎ።

ጥቕሚ ግዝረት ብዝምልከት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ምዃኖም ምእንቲ ኽፍለጡ፡ ኽግዘሩ ኔርዎም። እቲ ዘይተገዝረ ዘበለ ግና ካብቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ኺዳን ወጻኢ’ዩ ዝኸውን። ካብ ማእከል እቲ ህዝቢ’ውን ክምንቈስ ከም ዝዀነ፡ ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም ኪዳን ክኣቱ ኸሎ ነጊሩዎ’ዩ። ስለዚ ጥቕሚ ግዝረት፡ መፈለጥታ፡  ናይ እስራኤላዊ ፥ ምልክት ናይቲ ኺዳን እዩ።

ሓደ ተሳታፊ ዝጸሓፎ

እቲ ኣይሁዳዊ ዘይኰነ፡ ክሳዕ ግዜ ምውላድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ማለት ክሳዕ እቲ ኣብ ገላትያ ”ምልኣት ዘመን” ኢልዎ ዘሎ፡ (ገላ፡4:4) ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናይ ምፍላጥ ዕድል ኣይነበሮን።  እቲ ሕጊ፡ እቲ ዝተኣተወ መብጽዓታት፣ እቲ ዝተኣትወ ኪዳን፡ ንቤት እስራኤል ማለት ነታ ስጋዊት ቤት እስራኤል (ኣይሁድ) እያ ነይራ። እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝንበብን ዝንገርን ዝነበረ፡ ሕግታት ኣምላኽ፡ ነቶም ፍሉይ ዕድል ዝረኸቡ ደቂ እስራኤል’ዩ ኔሩ። ስለዚ እዩ ኸኣ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ረብሓ ኣይሁዳውነት ብዙሕ’ዩ በለ። ግዝረት ድማ፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ዝፍለይሉ፡ ምልክት እቲ እተዋህቦ ኪዳን ብምንባሩ ጥቕሙ ብዙሕ እዩ።

ሓንቲ ተሳታፊት ዝጸሓፈቶ፡

ዘዳግም 7.6 ከም እነንብቦ፡ ”ንስኻስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ካብ ኲሎም ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዘለዉ ህዝብታት ፈልዩ፡ ህዝቡ ኽትኰኖ ሓረየካ” እዩ ዝብል። ኣብ ዘጸ 4.22 ድማ ንፈርኦን ኣብ ዝተነግረ ቃል፡ ”እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ እስራኤል በዅሪ ወደይ እዩ” ዝብል ንረክብ።

*መጽሓፍ ቅዱስ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ ምዃኖም ይነግረና፣ ንርእሱ “መርዓት" ናይ ኣምላኽ ዝተሓርዩ ህዝቢ ክኾኑ ዝተመርጹ ምዃኖም ይነግረና። ቃል ኣምላኽ፣ ኣገልግሎት ቤተ መቕደስ፣ ቃል ኪዳናትን ዝተኣትወሎም ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ  መሲሕ ዝኾነ ክርስቶስ ኢየሱስ ካብኦም ንኽውለድ ዝተጸዉዑ ን ኣምላክ  ዝተፈልዩ ህዝቢ ምዃኖምን ይገልጸልና።

ጥቕሚ ግዝረት ብዝምልከት ድማ ኣብ ዘፍ 17፡10-11 ”እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ዘርእኻ ዘሎ እሞ ንስኻትኩም እትሕልዉዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዘበለ ዂሉ ይገዘር። ስጋ ዕልቦኹም ግዘሩ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን መንጎኹምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ” እዩ ዝብል።

እግዚኣብሄር ንእስራኤል ነዚ በረኸት እዚ ንምቕባል መሪጽዎም። ልዕሊ ኩሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣህዛብ ድማ ንዕኦም ከም ዝመረጸ ተዛሪቡ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝኣወጆ፤ ጥቕሚ ግዝረት ምልክት ኪዳን ነቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዝኾኑ ዝተዋህበ ከም ዝኾነ ቃል ኣምላክ ይገልጸልና። ጐይታ ንዘይምእዛዝ እስራኤል ብግዝያዊ ፍርዲ ከም ዝመለሰሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ንጊዜ ገዲፍዎ፣ ኣብ ክንድኦም ንኣህዛብ ጸጋኡ እናዘርግሐ። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 11 እዚ "ምቅይያር" ኣብ መደብ ኣምላኽ ግዝያዊ ጥራይ ምዃኑ ይምህር። ኣብ መወዳእታ ኣቓልቦ ጐይታ ናብቲ ሕሩይ ህዝቡ ክምለስ እዩ፣ ኣብታ መጻኢት መዓልቲ ድማ ዳግማይ ጸጋኡ ናብ ህዝቢ ኣይሁድ ከስፍሕ እዩ። ከምቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 11 ዝብሎ፡ ኣብታ እትመጽእ መዓልቲ ኩሎም እስራኤል (ማለት እቶም ኣብታ መጻኢት መዓልቲ እስራኤል ዝኾኑ) ክድሕኑ እዮም፡ ምኽንያቱ ውህበትን ጸዋዕታን ኣምላኽ ዘይምለስ እዩ፤

Reference 

https://versebyverseministry.org/bible-answers/why-is-israel-special

ሓንቲ ተሳታፊት ዝጸሓፈቶ

ረብሓ ኣይሁዳውነት ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ኣምላኽ ቅድሚ ኹሉ ቅኑዕ ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ካብ ካልእ ህዝቢ ኣብሊጹ ንኣይሁድ ሃቦም( ዘዳ 4፥8)፥ ንሱ ኣምላኾም ኪኸውን ንሳቶም ድማ ህዝቡ ኪኾኑን ከገልግልዎን  ሓረዮም። ኩሎም ናይ እምነት ኣቦታትን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብስጋ ናታቶም ኢዮም(ሮሜ 9፥4-5)። እንተኾነ ግና ኣይሁድ ነዚ ሕርየት'ዚ ኣየስተውዓልዎን። ጐይታ ቅድም ናብኦም መጸ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ሓዲጎም ጽድቂ ርእሶም ብምድላዮም ግና ካብታ ብምእማን ብክርስቶስ እትርከብ ጽድቂ ኣምላኽ ተፈልዩ። ግዝረት ሕጊ እንተ ሓሎኻ ደኣ እምበር ሕጊ እንተ ኣፍረስካስ ጥቕሚ የብላን(ሮሜ 2፥25)። ነቲ ኣብ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ኹሉ ኺገብሮ ዘይጸንዕ ርጉም ይኹን ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፡ ንሕጊ ሓደ'ኳ ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን። ስለዚ ንሰብ እታ ብመንፈስ እትግበር ናይ ልቢ ግዝረት ደኣ ኢያ ኣይሁዳዊ ትገብሮ እምበር፡ እታ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረትሲ ገለ'ኳ ኣይትጠቅምን ኢያ፡ (ሮሜ 2፥29)። 

ሓደ ተሳታፊ ዝጸሓፎ

ረብሓታት ኣይሁዳዊ ምኻንን ግዝረትን ማለት ብዘርኢ እስራኤላዊ ምኻንን ሕጊ ምሕላውን ማለት እዩ። ብሕጽር ዝበለ ኣብ ሮሜ 9፡4-5 ጥቕሙ ዘርዚርዎ ኣሎ። ብኸምዚ ዝስዕብ ገለ ካብቲ ብዙሕ ጥቕምታት እንሆ።

1. ቃል ኣምላኽ ተቐቢሎምን ብዛዕባ ኣምላክ ካብ ኣህዛብ ዝሓሸ ኣፍልጦ ነይሩዎም። ሮሜ 3፥1-2; ዘዳ 6:4-9

2. "እስራኤላውያን" ብስም ኣብኦም ያእቆብ ስሙ ብኣምላኽ ዝተለወጠ ዝተጸውዑ እዮም። ዘፍ 32፥28

3. ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ እዮም። ዘዳ 7፥6-9

4. ክብሪ እግዚኣብሔር ዝርኣዩ ህዝቢ እዮም። ኣምላኽ’ውን ብቐረባ ምስኦም ርክብ ነይርዎ እዩ። ዘጽ24፥16-17;   29፥43; 40፥34-38 ከም'ኡውን ዘሁ 7፥89; ዘዳ 4:6-7፣

5. ውልድነትን፥ ክብርን ኪዳንን ምሕጋግ ሕግን ምግልጋል ኣምላኽን ተስፋን ናታቶም እዩ። ሮሜ 9:4፤

6. ሃገርን ሕግን ካብ ኣምላክ ተዋሂብም። ዘጽ6፥8; 20፥1-17   መዝሙር ዳዊት 147፡19-20

7. ኣገልግሎት ቤተ መቕደስን ክህነትን ካብ ነገድ ሌዊ ንእምላክ ተፈልዮም። ዘሁ 3:6-10

8. ፍሉይ መብጽዓታት።

መጻኢ መንግስቲ ከም ዝቐውም፤ ሕጊ ካብ ጽዮን ከም ዝወጽእ፡ ኢሰ 2፥2-4 ከም ዝድሕኑ፥ ኤር 30፥10-11

9. ኣቦታት እምነት፤ በረከትን ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እዩ። ዘፍ 12፥2-3፡ 17፥7-8 ዘጽ 3፥6 ማቴ 22፥32 ግብሪ ሃዋርያ 3፥13

10. እቲ ቅቡእ ወይ ክርስቶስ ብስጋ ካብኦም እዩ፥ ናብኦም ውን ቀዲሙ መጸ፡ ሮሜ 9፥5 ዮሃ 1፥11

11.  ብብዙሕ ነገር ቅድም ንእስራኤላዊ እዩ ሮሜ 1፥16; 2:9-10

እዘን ጥቕስታት እዚኣተን ነቲ ህዝቢ ኣይሁድ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ፍሉይ ርክብ ዘጉልሓ እየን፣ ቃሉን ሕግታቱን መብጽዓታቱን ብሓላፍነት ተዋሂብዎም። ጳውሎስ ኣገዳስነት ናይዚ ውርሻ እዚ እናገለጸ ነቲ ንኣይሁድን ንኣህዛብን ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጽእ ኣድማሳዊ መልእኽቲ ምድሓን እውን የመልክት፥ ምኽንያቱ እቲ ረብሓታት ናይ ኣይሁድን ግዝረትን እቲ ናይ መወዳእታ ጽድቂ ዘምጽእ ኣይኮነን።

ምንጪ፥ መጽሓፍ ቅዱስ፡ YouTube፡ Google፡ AI Chat

ሓንቲ ተሳታፊት ዝጸሓፈቶ

ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ ኣብዚ ጥቕሲ እዚ ክገልጾ ከሎ፡ ኣጠቓልል ኣቢሉ፡ ብኹሉ ወገን ብዙሕ እዩ  ኢልዎ ዘሎ። ኣብ ዝርዝሩ እንተኣቲና ግና፡ እግዚኣብሄር ዘቐድሞ ነገር ከም ዘለዎ ንኸነስተውዕል፡ ቀዳምነት ቃል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ቅድሚ ዅሉ  ቃል ኣምላኽ ንዓኣቶም እዩ ሕድሪ ተዋሂብዎም ይብል። ኣብ ዳዊት ከኣ ከምዚ ይብል፡ ቃሉ ንያእቆብ፣ ስርዓታቱን ፍርድታቱን ንእስራኤል ነገረ። ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዚ ከቶ ኣይገበረሎምን፣ ፍርድታቱ ኸኣ ኣይፈለጡን። ሃሌሉያ። (ዳዊት 147፡19-20)።

ስለዚ እቲ ኣይሁዳዊ ምዃንን ግዙር ምዃንን  ብዙሕ ጥቕሚ ዘለዎ እኳ እንተኾነ እቲ መሰረታዊ ነገር ግና ቃል እግዚኣብሄር  እዩ። እዚ እግዚኣቢሄር ቃሉ ንዓኣቶም ምሃቡ፡  እቲ ቀንድን ወሳንን ነገር እዩ ክንብል ንኽእል። ንሳቶም ግና፡ ነቲ እግዚኣቢሄር ዝሃቦም ኪዳን (ቃል) እሙናት ኰይኖም ኣይተረኽቡን። እዚ ናታቶም ዘይእሙንነት ግን ነቲ ናይ እግዚኣብሄር እሙን ምዃን ከንቱ  ክገብሮ ኣይክእልን  እዩ፡(ሮሜ 3፡3-4)። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ንዘልኣለም እሙን ስለ ዝዀነ ።   

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

የሱስ ብዩደር ፖ ፍሩኮስት

Next
Next

ሮማ ኣብ እንዳ ገሬ እሙን