የሱስ ብዩደር ፖ ፍሩኮስት

ወጋሕታ ሰዓት 05.30 ኣብ ማእከል መናሃርያ ባቡር-ምድሪ ስቶክሆልም። ግዳም ሓደር ምዃኖም በከዳድናኦምን በቲ ኣብ ዘይምቹእ መቓምጦ ተዓማጺጾም ምድቃሶምን ብቐሊሉ ይልለዩ። ናብ ኦስሎ እትወስደኒ ቀጻሊት ባቡር ንምጽባይ፡ ብርከይ ሰቢረ፡ እግረ-መገደይ ድማ መልእኽቲ ሮሜ እናነበብኩ፡ ”ጉ ሞሮን፡ የሱስ ብዩደር ፖ ፍሩኮስት ኦ ካፈ” እናበለ፡ ቀቀስቂሱ ዘተንስእ ሰብኣይ፡ ንኣቓልቦይ ማረኾ። ”ደሓን ዶ ሓዲርኩም፡ ኢየሱስ ቍርስን ቡንን ይጋብዘኩም ኣሎ” እዩ ዝብሎም ዘሎ።

ነቲ ዝርእዮን ዝሰምዖን ዝነበርኩ፡ ክኣምኖ ኣይከኣልኩን። ተንሲአ ኸኣ፡ ደድሕሪኡ ሰዓብኩ። ቡን፡ ተዳልዩ ዝተዓሸገ ቍርሲ’ውን ከምኡ፡ ነንዝመጸ፡ ብብሩህ ገጽ፡ ብነጻ ክዕድል ከኣ ረኣኹዎ። ርእሰይ ኣብ ክልተ ጭድድ ክብል እናደለየ፡ ”እምብኣርሲ ኣይሁዳዊ ደኣ እንታይ እዩ ረብሓኡ፧ ጥቕሚ ግዝረትሲ እንታይ እዩ፧” ዝብል ኣብ መልእኽቲ ሮሜ (3.1) ንዝነበብክዎ፡ ኣብ ውሽጠይ፡ ”ክርስትና ደኣ እንታይ’ዩ ረብሓኡ፧ ጥቕሚ ክህነትሲ እንታይ’ዩ፧” ብዝብል ድምጺ ተተኪኡ፡ ብዓውታ ከቃልሕ ተሰምዓኒ። ሓፊረ፡ አረ ሓኒኸ’ውን!

ቍርሰይ ነቲ ዝቝረስ ዘይብሉ

እቲ ብሕቡእ ርእዩ ብግሁድ ዝኽሕስ ኣምላኽ ክርእየና እምበር፡ ሰብ ክርእየና ቢልና ላዕልን ታሕትን ኣይንብልን።  ከም ሕብረት እናተደጋገፍና ምእንቲ ክንዓቢ ግና፡ ሓደ ሓሳብ አንቅድ ኣለኹ። ብምኽንያት ጾመ ነነዌ፡ ኣብታ እንነብረላ ከተማ ዝርከቡ፡ ምግቢ ዕለቶም ንዝልምኑ ወይ ግዳም ሓደር ንዝዀኑ፡ ክልተ ነገር ክንገብር እዩ ጻውዒተይ።

ሀ. ከመይ ሓዲርኩም፧ ቢልና፡ ጐይታና ኢየሱስ የፍቅረኩም’ዩ ክንብሎም

ለ. እቲ ዘዳለዮ ቍርሲ ክንህቦም (ምስኦም ክንቈርስ ንኽእል፡ ወይ ብገንዘብ ተሚንና ክንህቦም ንኽእል፡ ከም ዘዋጽኣናንን ከም ምርጫናን)

ነዚ ንምግባር፡ ብጸሎትን ምኽርን ምእንቲ ክንደጋገፍ፡ እቶም ዝወሰንኩም ዘበልኩም፡ ነዛ እትስዕብ ቅጥዒ (ኣብዚኣ ጠውቑ) ምልእዋ እሞ፡ ሓቢርና ክንጽልን ክንመኻኸርን ኢና።

ጸጋ ይብዝሓልኩም!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ሓፈሻዊ መብርሂ ሮሜ 1.1-3.20 ብተሳተፍቲ ዝቐርብ

Next
Next

ረብሓ ኣይሁዳውነትን ጥቕሚ ግዝረትን፡ ተሳተፍቲ እንታይ በሉ፧