ሓፈሻዊ መብርሂ ሮሜ 1.1-3.20 ብተሳተፍቲ ዝቐርብ

ሎሚ ምሸት፡ ሓሙስ 29 ለካቲት 2024፡ ነቲ ብልዑል ህንጡይነትን ሃረርታን ክጽበዮ ዝጸናሕኩ፡ ድምጺ ተሳተፍቲ መጽናዕቲ መልእኽቲ ሮሜ፡ ሰሚዐ ዝባረኸሉ ምሸት’ዩ። ተሳተፍቲ ኣብ ኣርባዕተ ጉጅለ ተመቓቒሎም፡ ሓፈሻዊ ድግማን መብርህን ሮሜ 1.1- ሮሜ3.20 ከቕርቡ እዮም። ንቓል ኣምላኽ ብኸመይ ዝበለ ጥንቃቐ ይምሃርዎን የጽንዕዎን ከም ዘለዉ፡ ሓፈሻዊ ስእሊ ንምርካብ እንተደሊኹም፡ ጉጅለ 3 ዘቕረብዎ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ   
  
ጉጅለ ሓደ፡ ድሕረ ባይታ ሃዋርያ ጳውሎስ ከቕርቡልና’ዮም

  • ሃዋርያ ጳውሎስ መን’ዩ፧ (ግብ 9- ግብ 28) ዘሎ ብምንባብ ዝምለስ

  • ሓጺር ሓበሬታ ብዛዕባ እተን 3 ሃዋርያዊ ጉዕዞ ሃዋርያ ጳውሎስ፡

  • ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሮማ ዝነበሩ ክርስቲያን፡ ብኸመይ ክፈልጥ ከኣለ፧

  • ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሮማ ብኸመይ ኣተወ፧  

ጉጅለ ክልተ፡ ሓፈሻዊ ድሕረ ባይታ መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ ከቕርቡልና’ዮም

  • ካብ መን ናብ መን እያ ተጻሒፋ፧

  • መዓስን ካበየናይ ቦታን ተጻሒፋ፧

  • መሰረታዊ ትሕዝቶ፡ መልእኽቲ
    ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ እንታይ ዝብል’ዩ፧

  • ንመልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ክንደይ ክፋላት መቒልና ክንርድኣ ከም እንኽእል፡ ሓደ መረዳእታ ኣቕርብ

ጉጅለ ሰለስተ፡ እንታይነት ጽድቂ ኣምላኽ ክገልጹልና እዮም

  • ጽድቂ ኣምላኽ ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧

  • ጽድቂ ኣምላኽ ብምንታይ እዩ ዝግሃድ፧

  • ወንጌል ማለት እንታይ ማለት እዩ፧

  • ኣህዛብ ኣብ ጽድቂ ኣምላኽ ተማቐልቲ ክዀኑ ይኽእሉ ዶ፧

ጉጅለ ኣርባዕተ፡ እንታይነት ቍጥዓ ኣምላኽ ክገልጹልና እዮም

  • ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ምንታይ እዩ ዝግለጽ፧

  • ቍጥዓ ኣምላኽ ካበይ እዩ ዝግለጽ፧

  • ቍጥዓ ኣምላኽ፡ ንኣህዛብን ንኣይሁድን ብማዕረ ድዩ ዝምልከቶም፧

  • ሰብ ካብ ቍጥዓ ኣምላኽ ክመልቈሉ ዝኽእል መገዲ ኣሎ ዶ፧

ለቡ መዝሙር ዳዊት 1.1-2

“ብፁዕ ብእሲ. . . ዘዳእሙ ሕገ እግዚአብሔር ሥምረቱ ወዘሕጎ ያነብብ መዓልተ ወሌሊተ

“ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ”

Blessed is the one . . . whose delight is in the law of the Lord,  and who meditates on his law day and night.

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ብትግርኛ ኣብዮምሲ፡ ብግእዝ፡ “ሰላም” ኢሎምኒ

Next
Next

የሱስ ብዩደር ፖ ፍሩኮስት