እዝም ዝእዝም፡ ዕዝም!

ጽምብርብር ስለ ዘበልክምዎ፡ ”መዝሙር ድዩ ደርፊ፡ ፍለየለይ ኣይብለካን’የ፥ ’ድምጺ ዕንዱር ድዩ፡ ድምጺ ከበሮ፧’ ቢለ’ውን ኣይከዋጥረካን’የ። ብሱሩ፡ ንስኻ፡ ተዝይም እምበር መዓስ ትዝምር፧ ትወዛወዝ እምበር መዓስ ትሽብሽብ፧ ኣእዳውካ ተጋጩ እምበር፡ መዓስ ከ ተጣቕዕ ኴንካ፧!” ብጊሓቱ፡ በላሕላሕ በለትለይ። ከም ሓውሲ ፍርሕ እናበልኩ፡ ”ሰላምታ ምዃኑ ድዩ፧” ቢለ፡ ተወከስክዋ። ክትዝሕል ድያ መሲሉኩም፧ ዓይነ-ዓይነይ እናጠመተት፡ ”ዕዙም፡ ዕዙም’ወ ዕዙም!” በለትኒ። 

ንድምጺ ብርዐይ፡ ብዘየወላውል ሰሚዐዮ ክንሰይሲ፡ ነእዛነይ ግና ጠርጠርክወን። ንኻልእ ክትከውን ኣለዋ ብምባል ከኣ፡ ንየማነ ጸጋም ግልጽልጽ በልኩ። ብዘይካይ፡ ካልእ ኣይነበረን። ”ክትሰብኽ እምበር፡ ክትስበኽ ስለ ዘይለመድካ’ኳ`ዩ” በለትኒ። ነቲ ግልጽ-ግልጽ ምባለይ ስለ ዘይፈተወቶ እያ። ንኣበሃህላኣ ኣይሰሓትክዎን። ”ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧” ብምባል’ያ ክትሸምጥጠኒ ደልያ። ከምታ የነታ ገብረኣምላኽ ጌሮም ዘዋጥሩና ዝነበሩ ኸኣ፡ ”እስከ በል፡ ዕዛመ ሰብ ገላትያ፡ እንታይ’ዩ ዝነበረ፧” ብምባል፡ ቀዳመይቲ ሕቶ፡ ኣቕረበትለይ።

መጽሓፍ ምግንጻል ከየድለየኒ፡ ”ኣቱም ዓያሱ ሰብ ገላትያ፡ ቀደም፡ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም፡ ከም ስቑል ኰይኑ ተስኢሉ ነበረ። ንሓቂ ከይትእዘዙ ደኣ መን ዓዘመኩም” ብምባል፡ ሓንቲ ቃል’ኳ ከየዛባዕኩ፡ ተረር-ተረር ኣበልኩላ (ገላ 3.1)። ”እቲ ቀጥታዊ መልሲ፡ ”ንሓቂ ዘይምእዛዝ እዩ” ብምባል ድማ መለስኩ። ብመልስይ ዓጊባ ክንሳስ፡ ይሕመቕ ይጸብቕ ግና፡ ርእይቶ ኣይሃበትንን።

”እሞ፡ ሓደ ዕዙምሲ ከም ዝተዓዘመ፡ ባዕሉ ዝፈልጥ ዶ ይመስለካ፧” ብምባል ከኣ፡ ዳግማይ ሕቶ፡ ኣስዓበትለይ። ”እንተተዓዚሙ ደኣ . . .ተዓዚሙ እንድዩ. . .” እንታይ ከም ዝብል ሕርብት ስለ ዝበለኒ፡ ወልደፍደፍ፡ ወልደፍደፍ፡ ቢለ፡ ኣስቅጥ ኣበልኩ። ገና ውዱእ ሓሳብ ከስምዓ ትጽበየኒ ምንባራ፡ ካብ ኣጠማምታኣ ተረዳእኩ’ሞ፡  ”ተዓዚሙ፡ ማለትሲ ፈዚዙ፡ ቀዚዙ፡ እናፈለጠስ ግናኸ ምንባርን ምግባርን ተሳኢንዎ ማለት እንድዩ. . . ስለዚ፡ ዕዙም፡ ከም ዝተዓዘመ ዝፈልጥ ኣይመስለንን፡” ብምባል፡ ተማዊተ፡ ሓሳበይ፡ ሰው ኣበልኩላ። ”ልክዕ ከምዛ ትብላ ዘለኻ፡. . . ንስኻ’ውን ከምኣ ኢኻ ኴንካ ዘለኻ። ተዓዚምካ ክንስኻስ፡ ግናኸ ነቲ ምዕዛምካ ግና፡ ገና ክትፈልጦ ኣይተኻእለካን ዘሎ” ብምባል፡ ዳሕድሓትለይ። 

”እምቧእ!” በልኩ፥ ክልቲኤን ኣእዳወይ ኣብ ኣፈይ ተመሳቐላ። እቲ ትኽ-ንትኽ ዝተፈነወ ዘረባ ብርዐይ፡ ከም ብመጅሙዕ ዝተፈነወ ጠያይቲ ስለ ዝበሳስዓኒ፡ ምጽዋሩ ኣይከኣልኩን። 

”ንሓቂ ትፈልጣ ዶ፧” ደገመትኒ፥ ኣይተገደሰትሉን እምበር፡ ምሉእ ገጸይ፡ ምልክት ሕቶ ተቐይሩ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ።

”ንሓቂ ከም ዝፈልጣ ደኣ፡ ንስኽስ ትፈልጢ እንዲኺ” ብምባል፡ ብቕዲ ኣመላልሳ ሃዋርያ ጴጥሮስ መለስኩ።

”ምፍላጥ ደኣ ትፈልጣ’ወ፡ አረ እናጨደርካ’ውን ትሰብካ ኢኻ፥ ግናሲ፡ ትእዘዛ ዶ ኸ፧” ብምባል ኣስዓበትለይ። እንተነኺሳ፡ ፍጹም ኣይትለቀካን’ያ። ነዛ ሕቶ’ዚኣ ዝኸውን፡ ቅልጡፍ ምላሽ ኣይነበረንን። ”ርኢኻ፡ ሰብ ገላትያ’ውን እኮ፡ ከምዛ ኴንካያ ዘለኻ እዮም ኰይኖም። ብመንፈስ ጀሚሮም፡ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ስቑል እናረኣዩ ኸኣ፡ ጽቡቕ ይጐዩ ኔሮም፥ ደሓር ግና፡ ከምቲ እትፈልጦ፡ ነታ ዝፈለጥዋ ሓቂ፡ እንተስ ንሰብ ባህ ከብሉ ኽብሉ፡ እንተስ ሓሳረ-መከራ ክጸግቡ ዘይፈተዉ፡ ደው ክብሉ ኣይከኣሉን። ክእዘዝዋ ኸኣ ኣይመረጹን። እንታይን ከመይ ክገብሩ ከም ዝግብኦም እናፈለጡስ፡ ኣይገበርዎን። ስለዚ ኸኣ መንፈስ ኣምላኽ ብሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ጌሩ፡ ተዓዚሞም ምህላዎም ነገሮም። ንዓኻ’ውን እዚኣ’የ ዝብለካ ዘለኹ፡ ንሓቂ ትፈልጣ ኢኻ፡ ትሰብካ’ውን ኢኻ፡ ግናኸ ብተግባር ክሳዕ ዘይተኣዘዝካያ፡ ተዓዚምካ ኢኻ ዘለኻ።”

”እምቧእ!” ደገምኩ። እዛ ናይ ሕጂ ”እምቧእ!” ካብታ ቀዳመይቲ፡ ኣዝያ ህስስ ትብል ነበረት። ብርዐይ ግና ክትሓድገኒ ዝደለየት ኣይትመስልን። ”ትምህርቲ ምድሓን፡ ትምህርቲ ወንጌል፡ ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ እናበልካ፡ ሰብ ስለ ዝነፋሕካስ፡ ሰብ ዝሃነጽካ ዶ ይመስለካ’ሎ፧” ነቲ ድሮ ተበሳሲዑ ዝነበረ ኣካላተይ፡ ደጊማ መንፊት ኣምሰለቶ።

”እምቧእ!. . .ኣንታ እንታይ ሞሲባኡ’ዩ ” . . . ከይተረድኣኒ፡ ዘረባ ንእስነተይ ፈንጢሱ ወጸ። ”ኣንታ እንታይ ጸገሙ ወረደኒ” ክብል’የ ደልየ ኔረ። “እዚ’ውን ምልክት መንፋሕቲ እዩ፥ ዝተነፍሐ፡ ኣብ ቅድሚ ብልሒ፡ ዕምሪ የብሉን” ርእሲ ርእሰይ ቀጥቀጠትኒ። ”እዚ ብኦን-ላይን እትህብዎ ትምህርቲ፡ ብርግጽ፡ ፍልጠት የቕስም ይኸውን’ዩ፡ ፍቕሪ ግና ኣየለማምድን’ዩ። ስለዚ ኸኣ ብፍቕሪ ዘይተዀስኰሰ ፍልጠት ስለ ዝዀነ፡ ይነፍሕ ደኣ እምበር ኣይሃንጽን፡” ደምደመት በርዒ፡ (1ቈረ8.1)። ዝተነፍሐ ሰብ፡ ብፍልጠት ዘቕቢቡ ክንሱ፡ ስለቲ ቃል፡ መከራ ወይ ስደት ምስ ዝመጽእ ግና፡ ኣሰሩ ኣይርከብን’ዩ!

“መገዲ ምድሓን ምሂርካዮ፡ ወንጌል ነጊርካዮ፡ ንኣገልግሎት’ውን ዓሊምካዮ፡” ግርም ገበርካ። “ኣበይን ከመይን ከም ዘገልግል፡ ነታ ብክርስቶስ ዝረኸባ ሰላምን ሓርነትን፡ እፎይ ኢሉ ብዘይ ምትሕውዋስ ንጹህ ኣምልኾ ንኽለማመድ ግና ባይታ ኣይፈጠርካሉን። እጓሲ ኣለኹ፡ ቢልካ ዶ ንርእስኻ ትጥብር ኣለኻ፧ ናትካ ከይረአኻ ኸኣ፡ ብዘይ ሕንከት፡ “ኣቱም ዓያሱ ሰብ ገላትያ፡ . . .’ ቢልካ ትሰብኽ፡ ከምኡ ቢልካ ትዝምር፡ ከምኡ ቢልካ’ውን ትሓሚ፥ ብርግጽ፡ እተዓዘመ ዘበለ፡ ከም ዝተዓዘመ ኣይፈልጥን’ዩ፡” በለትኒ። ኣይመለስኩላን። ደጋጊመ ግና፡ ርእሰይ ሓኸፍ-ሓኸፍ ኣበልኩ። ኣይጸገብክዎን’ውን! 

”ትነፍሕ እምበር፡ ትሃንጽ የለኻን” ዘረባኣ፡ ተተመሊሱ ድቃስ ከልኣኒ። ”መገዲ ምድሓን ምሂርካ፡ ወንጌል ነጊርካ፡ ንኣገልግሎት’ውን ዓሊምካ ከተብቅዕሲ፡ ሰብ፡ ነታ ብጐይታ ዝረኸባ ሓርነት፡ እፎይ ኢሉ ከስተማቕራ ዝኽእለላ ባይታ’ውን ኣየዳለኻሉን፡. . .”

ደጊም ምንጪ ምዕዛመይ ዝፈለጥክዎ ይመስለኒ’ሎ። ብዓል እከለን እከለን ዶ ይሕግዙና ይዀኑ፧ እኒ እከሊትን እከሊትን ከ ይድግፋና ዶ ይዀና፡ . . . ነታ ሓቂ ከይእዘዛ ዓዚሙኒ ዝጸንሐ፡ እዚ’ዩ። ንሰብ ሓዲገ፡ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ስቑል ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ጌረዮ እንተዝነብር ኔረ፡ እተን ሕያዎት ኣባጊዕ፡ ዘብልዐንን ዝሕልወንን ስኢነን፡ እተን መሳኪን ዕያውቲ’ውን ከምኡ፡ ዘብልዐን ስኢነን፡ ብጥምየት እናተቐዝፋን፡ ብተዃሉ እናተዘረፋን፡ መጻወቲ ሸፋቱ ኸኣ እናዀናስ፡ ብኸንቱን ንኸንቱን፡ ኣፈይ ኣጋህቲፈ፡ ”አፍቅረካ’የ” ቢለ ኣይምዘመርኩን፡ ዶ ክብል ኣይምደረፍኩን፧! “ጽምብርብር ስለ ዘበልኩሞ” ዶ በለት ብርዒ፡ ሓቃ’ያ፡ ኣገልግሎትና፡ እዝም፡ ዝእዝም፡ ዕዝም እዩ ተቐይሩ ዘሎ። 

ኣንቱም ህዝቢ፡ እትሰምዕ እዝኒ እንተላትናስ፡ እንሆ መልእኽቲ፡ ”ተንስኡ ለጸሎት” 

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ሰይጣን ይተሓረድ፡ እሞ መን የኸስትኖ፧!

Next
Next

ፍኖተ ሰሃራ፡ ውልቀ መዘክር ስደት