ጻውዒት ጸሎት፡ እግዚኣብሄር ከኣ ነታ ሃገር ተለመና፡

እግዚኣብሄር ከኣ ነታ ሃገር ተለመና፡ እቲ መቕዘፍቲ ኸኣ . . . ተኸልከለ (2ሳሙ24.25) ብቪድዮ ኣብዚ ጠውቑ

ናይ ሕብረት ጾምን ጸሎትን እንተዝእወጅ” ዝብል ምሕጽንታ ብዝተቐበልኩ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ፡ ዛንታ ነብዪ ዮናስን እቲ ሓለቓ መርከብን ተቐጀሉኒ። እቲ ሓለቓ መርከብ ናብ ዮናስ ቐረበ እሞ፣ ”ኣታ ደቃሲ፣ እንታይ ትገብር አሎኻ፡ ተንስእ፣ ምናልባሽ እቲ ኣምላኽካ ከይንጠፍ እንተ ሐሰበናስ፣ ናብ ኣምላኽካ ተማህለል” ዝበሎ ድማ ዘከርኩ (ዮና1.6)።
ሰላም ንዓኻ ይኹን ቀሺ ዮናስ! እዚ ዝጥነስ ዘሎ ኵናት መቸም ትዕዘቦ ትህሉ ኢኻ! ወተሃደራት ዓሊሞም ወዲኦም፡ ኣጽዋር ገዚኦም ወዲኦም’ዮም፣ ናብ ዶብ ይጓርትዎ ኣለዉ! እግዚኣብሄር እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፡ ይከኣሎ እዩ እሞ፡ ናይ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን ጾምን ጸሎትን እንተዝእወጅ ዝብል ሓሳብ ኣሎኒ እሞ፡ እንታይ ይመስለካ፧
መልሲ ኣይነበረንን። ኣስቂጠ። ኣማስያኡ ደዊሉ፡ ስለ ዘይጠዓመኒ፡ ኣየልዓልክዎን። ንጽባሒቱ ደጊሙ ደዊሉ፡ ሽሕን ሚእትን ምኽንያት ነጊረዮ። “እዚ ኹነታት ድቃስ ከሊኡኒ’ዩ ቀንዩ፡ ናባኻን ይምልከቶም’ዩ ናብ ዝበልክዎ ካልኦት ገለ ሰለስተ ዝዀኑ ኣገልገሎትን ምስ ጸሓፍኩ ግና፡ ግቡአይ ዝገበርኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ ልበይ ዓሪፉ’ሎ። ኣነ ጾረይ ኣራጊፈ ኣለኹ፡ ንስኹም ጾርኩም ኣራግፉ” ድሕሪ ምባሉ ኸኣ፡ ተፈላሊና።

ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን፡ ጾር ዝኸበደኩምን፡ ንዑ፡ ሓንቲ ሰዓት ነቒሕና፡ ጾርና ናብ እግዚኣብሄር ንደርቢ! ሰለስቲአን መዓልትታት፡ ዓርቢ፡ 14 መጋቢት፡ ዓርቢ 21 መጋቢት፡ ዓርቢ 28 መጋቢት፡ በቈጻጽራ ኤርትራ፡ ልክዕ ፍርቂ ለይቲ፡ (ሰዓት 22.00- 23.00 ብሽወደን) ብጸሎት ክንነቅሕ ኢና!

”ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ። ብድንገት ድማ፡ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዚናወጽ፡ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ኰነ። ብኡብኡ ኸኣ ኵሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፡ ናይ ኵላቶም መቓውሕ’ውን ተፈትሔ፡ (ግብ16.25-26)።

ሕጂ ድማ ጐይታ፡ ብስም እቲ ቕዱስ ወድኻ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ደሓንን ሰላምን ክትገብረልና፡ ትዕቢትናን፡ ብዘሎ ኣበሳናን ገበንናን፡ ምትሕልላፍናን ይቕረ ክትብል፡ ኢድካ ክትዝርግሕ እሞ ካብ ውግእን ወረ ውግእን ክትባልሃና ንጽሊ ኣለና። ሓለፋ እቲ እንልምነካ ከም እትገብር ፈሊጥና፡ ክብሪ ንህበካ! ስብሓት ወክብር፡ ለሥሉስ ቅዱስ ይደሉ፡ ይደልዎሙ ለኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ዕሩይ ኵሎ ጊዜ ይእዜኒ ወዘልፈኒ፡ ወለዓለመ ዓለም ኣሜን!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

14 መጋቢት ዝነበረ ሓባራዊ ጸሎት

Next
Next

ሰንበተ ኦርቶዶክስ ኣብ ናይጀርያ