ሰንበተ ኦርቶዶክስ ኣብ ናይጀርያ
ኣብያተ ክርስቲያን ምብራቕ ኦርቶዶክስ፡ ነታ ቀዳመይቲ ሰንበት ዘጾመ ኣብርዓ፡ “ሰንበተ ኦርቶዶክስ” ብምባል ኣብ መላእ ዓለም ብኽብሪ ከም ዝጸምበላኣ ኣብ ዝሕብር ዜና ኦርቶዶክስ ታይምስ፡ ሊቀ-ጳጳስ ዘናይጀርያ ብጹዕ ኣቡነ ኒቆዲሞስ’ውን፡ ንሰንበተ ኦርቶዶክስ ኣብ ዝጸምበሉሉ ጊዜ፡ ንጉስ ዞባ ናንካ ብድሙቕ ከም ዝተቐበሎምን፡ ኣብ ቅዳሴ ምስኦም ከም ዝሓበረን ኦርቶዶክስ ታይምስ ሓቢሩ’ሎ። ኣብቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተገብረ ቅዳሴ፡ እቲ ንጉስ ምስ ሰበ ስልጣን ምምሕዳር እታ ከተማን ከምኡ’ውን ብኣማኢት ዝቝጸሩ ምእመናንን፡ ከም ዝተሳተፉ ክጥቀስ ከሎ፡ ሊቀ-ዲያቆናት ኰይኑ ከገልግል ንዝጸንሐ ሓደ ዲያቆን’ውን ማዕርገ ክህነት ከም ዝሃብዎ ተፈሊጡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ብምጥዋቕ ክርከብ ይከኣል።