ሰንበተ ኦርቶዶክስ ኣብ ናይጀርያ

ኣብያተ ክርስቲያን ምብራቕ ኦርቶዶክስ፡ ነታ ቀዳመይቲ ሰንበት ዘጾመ ኣብርዓ፡ “ሰንበተ ኦርቶዶክስ” ብምባል ኣብ መላእ ዓለም ብኽብሪ ከም ዝጸምበላኣ ኣብ ዝሕብር ዜና ኦርቶዶክስ ታይምስ፡ ሊቀ-ጳጳስ ዘናይጀርያ ብጹዕ ኣቡነ ኒቆዲሞስ’ውን፡ ንሰንበተ ኦርቶዶክስ ኣብ ዝጸምበሉሉ ጊዜ፡ ንጉስ ዞባ ናንካ ብድሙቕ ከም ዝተቐበሎምን፡ ኣብ ቅዳሴ ምስኦም ከም ዝሓበረን ኦርቶዶክስ ታይምስ ሓቢሩ’ሎ። ኣብቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተገብረ ቅዳሴ፡ እቲ ንጉስ ምስ ሰበ ስልጣን ምምሕዳር እታ ከተማን ከምኡ’ውን ብኣማኢት ዝቝጸሩ ምእመናንን፡ ከም ዝተሳተፉ ክጥቀስ ከሎ፡ ሊቀ-ዲያቆናት ኰይኑ ከገልግል ንዝጸንሐ ሓደ ዲያቆን’ውን ማዕርገ ክህነት ከም ዝሃብዎ ተፈሊጡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ብምጥዋቕ ክርከብ ይከኣል።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ጻውዒት ጸሎት፡ እግዚኣብሄር ከኣ ነታ ሃገር ተለመና፡

Next
Next

ዝጥነስ ዘሎ ኵናት