ዝጥነስ ዘሎ ኵናት
“ናይ ሕብረት ጾምን ጸሎትን እንተዝእወጅ” ዝብል ምሕጽንታ ብዝተቐበልኩ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ፡ ዛንታ ነብዪ ዮናስን እቲ ሓለቓ መርከብን ተቐጀሉኒ። “እቲ ሓለቓ መርከብ ናብኡ (ናብ ዮናስ) ቐረበ እሞ፣ ኣታ ደቃሲ፣ እንታይ ትገብር አሎኻ፡ ተንስእ፣ ምናልባሽ እቲ ኣምላኽካ ከይንጠፍ እንተ ሐሰበናስ፣ ናብ ኣምላኽካ ተማህለል” ዝበሎ ድማ ዘከርኩ (ዮና1.6)።
”ሰላም ንዓኻ ይኹን ቀሺ ዮናስ! እዚ ዝጥነስ ዘሎ ኵናት መቸም ትዕዘቦ ትህሉ ኢኻ! ወተሃደራት ዓሊሞም ወዲኦም፡ ኣጽዋር ገዚኦም ወዲኦም’ዮም፣ ናብ ዶብ ይጓርትዎ ኣለዉ! እግዚኣብሄር እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፡ ይከኣሎ እዩ እሞ፡ ናይ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን ጾምን ጸሎትን እንተዝእወጅ ዝብል ሓሳብ ኣሎኒ እሞ፡ እንታይ ይመስለካ፧”
መልሲ ኣይነበረንን። ኣስቂጠ። ኣማስያኡ ደዊሉ ስለ ዘይጠዓመኒ፡ ኣየልዓልክዎን። ንጽባሒቱ ደጊሙ ደዊሉ፡ ሽሕን ሚእትን ምኽንያት ነጊረዮ። “እዚ ኹነታት ድቃስ ከሊኡኒ’ዩ ቀንዩ፡ ናባኻን ይምልከቶም’ዩ ናብ ዝበልክዎ ካልኦት ገለ ሰለስተ ዝዀኑ ኣገልገሎትን ምስ ጸሓፍኩ ግና፡ ግቡአይ ዝገበርኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ ልበይ ዓሪፉ’ሎ። ኣነ ጾረይ ኣራጊፈ ኣለኹ፡ ንስኹም ጾርኩም ኣራግፉ” ድሕሪ ምባሉ፡ ተፈላሊና።
በብውልቂ ንጽሊ ምህላውና፡ ከም ሎሚ’ኳ ጸሎት ኣይበዝሐን። በብኣብያተ ክርስቲያንና ንጽሊ ምህላውና’ውን፡ ከም ሎሚ እኳ ኣብያተ ክርስቲያን ብህዝቢ ኣየዕቕለቕለቐን፡ እቲ ብሓደ ልቢ፡ ብሓደ ኣፍ ኴንካ፡ ተጸዋዊርካን፡ ተኸኣኢልካን ብሕብረት ምጽላይ ግና፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ርኡይ ለውጢ ዝረኸብናሉ ኰይኑ፡ ብእኡ መጠን ድማ ተጻረርቱ ሒደት ኣይኰኑን።
እቶም ነዚ መልእኽቲ እዚ እተንብቡ ዘለኹም፡ ሓሳብኩምን ቅሩብነትኩምን፡ ጽሓፉ። ብስምዒትን ንስለ ምጽላይን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ይቕረታ ብዝተመልአ ልቢ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ዝተሰለመ ህይወት፡ ስለ ህዝብናን ሃገርናን፡ ክንጽሊ ምእንቲ ክከኣለና፡ ነናብ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንኩም ከተቕርብዎ እምሕጸነኩም። እቶም ንሓባራዊ ጸሎት እተዳለኹም ኣቦታት ኣገልገልቲ ድማ ንምዝርራብ ምእንቲ ክጥዕም፡ ሓሳብኩም ክትህቡ እጽውዕ!