5 ሳንቲምን፡ 5 ሰናቲምን

ገና ብድድ ክብልን፡ ”ምሕሳብ ካብ እተቋርጽ ክንደይ ጌርካ ኣለኻ፧” ዝብል ዱቦላ ሕቶ ከተዝንበለይን ሓደ ኰነ። ብርዐይ ንሰንኰፍ ሓሳብ ስግድግድ ክሳዕ ዝብላ ከም እትጽየኖ ኣይሰሓትክዎን። ”ሽሩፍን ጥቕሉልን እስከ ሕሰብ” ብምባል ኣንፈተትለይ። ሓምሽተ ሳንቲም (ሰናቲም) ብኽልቲኡ መዳይ፡ ማለት ብጥቕሉልን ብሽሩፍን እንተዝወሃባኻ፡ ንኽልቲኤን ዶ ’ሓሙሽተ ሳንቲም’፡ ምበልካየን፧ ወይስ ነታ ጥቕልልቲ፡ ’ሓሙሽተ ሳንቲም’፡ ነተን ሽሩፋት ግና፡ ’ሓሙሽተ ሳናቲም’ ምበልካየን፧” ብምባል ከኣ ወጠረትኒ። ምሕሳብ ከም ዘቋረጽኩ፡ ሓደው ብሱሩ’ውን ሓሲበ ከም ዘይፈልጥ ኰይኑ ተሰምዓኒ።

እንታይ ደኣ ተዓኒድካ፡ ገለ’ባ በል፧!” ኣባጨወት ብርዒ። እንተተደናጊረ፡ ሓደው ሕቶ እንተኸቢዱኒ፡ ነቲ ዘልዓለቶ ዛዕባ መሊሳ’ያ ትሓናኽሮ። ”ናይ ሓሙሽተ ሃገራት በበይኑ ዝዓይነተን ሓሙሽተ ሰናቲም ኣለዋኻ እንዶ ንበል። ነዚአን ብሓባር ክትሰምየን ከለኻ፡ ’ሓሙሽተ ሰናቲም’ ዲኻ ክትብለን፡ ወይስ ’ሓሙሽተ ሳንቲም’፧” ደገመትኒ። ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝነበረ ቢኬሪ ማይ፡ ብኸመይ ኣልዒለ፡ ኣሻበይ ናብ ውሽጠይ ከም ዘዕረቕክዎ ኣይተረድኣንን።

ንሽሩፍ ’ሰናቲም’፡ ንጥቕሉል ግና ’ሳንቲም’ ክብሃል ከም ዝግብኦ ኣስተብሃልኩ። ”ደጊም ኣብ ሞንጎ ክርስቲያንን፡ ክርስቲያናትን ዘሎ ፍልልይ’ውን ተረዲእካ ይኸውን። ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን፡ (ንበል፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን፡) ሓያሎ ጨናፍር ኣብያተ ክርስቲያን ክህልዋ ይኽእል’ዩ። እዚአን ብሓባር፡ ‘ኣብያተ ክርስቲያን’ ደኣ እምበር፡ ‘ኣብያተ ክርስቲያናት’ ኣይብሃላን እየን። ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት እንተዀይነን ግና (ንበል፡ ኦርቶዶክሳዊት፡ ካቶሊካዊት፡ ወንጌላዊት ወዘተ) ዝተፈላለያ ኣባይቲ ጥራይ ዘይኰናስ፡ ዝተፈላለያ ጨናፍር ክርስቲያን’ውን ስለ ዝዀና፡ ‘ኣብያተ ክርስቲያናት’ ክንብል ንኽእልነተን ኣባይቲ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ክርስቲያን ዝብል’ውን ነብዝሖ ማለት’ዩ” 

”ዋ. . .ው!” ክብል ከለኹ ኣይተፈለጠንን። ”ደጊም ምሕሳብ ጀሚርካ ኣለኻ” ብርዐይ ንመጀመርያ ጊዜኣ ፍሽኽ በለት። ከብስሎ ግዲ ደልያትኒ ግና ነዚ ዝስዕብ ዕዮ ገዛ ሓደገትለይ፦ ሓቢርና እስከ ንሕሰብ።
5 ወርሒ፡ 5 ኣዋርሕ፡ . . . 5 ዓመት፡ 5 ዓመታት. . . እንታይ ንምባል 5 ወርሒ፣ እንታይ ንምባል ከ 5 ኣዋርሕ ንብል፧ እንታይ ንምባል 5 ዓመት፣ እንታይ ንምባል ከ 5 ዓመታት ንብል፧

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ዝጥነስ ዘሎ ኵናት

Next
Next

ዝክረ ኒቅያ ኣብ ርክበ ካህናት