ዝክረ ኒቅያ ኣብ ርክበ ካህናት
ረቡዕ ፮ ግንቦት ፳፻፲፯ ዓ.ም. ወይ 14 May 2025 ርክበ ካህናት እዩ። ኣብ ዓመተ 325፡ ቀዳማይ ጉባኤ ኒቅያ ክቃናዕ ከሎ፡ እቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣቦታት፡ ኣብ ዘመኖም ንፍቓድ እግዚኣብሄር ብምግልጋል፡ ንቤተክርስቲያን ሓልዮምን ንመጻኢ ድማ ብዝግባእ ኣረኪቦምን ዓረፉ። እዚ ዘሎናዮ ዓመት፡ ዓመተ 2025 ብምዃኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ፡ ብዝተፈላለየ መልክዕ፡ መበል 1700 ዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ ይግበር ኣሎ። ንሕና እቶም ኣብዚ ዘመን’ዚ ካህናት ተሰሚና ዘለናኸ እንታይ ክንገብር’ዩ ዝግብኣና፧!
ኣብ መፋርቕ ትንሳኤን በዓለ ሓምሳን፡ ማለት፡ ካብ ትንሳኤ ኣብ መበል 25 መዓልቲ፡ ተዘኪሩ ዝውዕል፡ ርክበ ካህናት እዩ። “ርክበ ካህናት” ማለት ከኣ፡ ምርኻብ፡ ጉባኤ፡ ምትእኽኻብ፡ ምዝርራብ . . . ወዘይመስሎ ዝብል ትርጕም ከም ዘለዎ፡ ኣብ ሓያሎ ንርክበ ካህናት ዝምልከት ጽሑፋት ንረኽቦ።
ኣብዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ብውሑዱ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ክልተ ዛዕባታት፡ ተጋቢእና ክንዘራረብ እሞ፡ ኣብ ዘመንና ኸኣ ሓደ ኣሰር ክንሓድግ፡ ብልዑል መንፈሳዊ ኣኽብሮት ንዕድም ኣለና።
ዛዕባ
ዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያን ኣድላይነቱ ኣብ ዘመንናን
ሌላ ምስ ኣብ ዘመነ ሃጸይ ኃይለሥላሴ እተመሓየሸ፡ «ጸሎት ዘቤተ ክርስቲያን»
ጥልያን ንኢትዮጵያ ወሪሩ ምስ ሓዛ፡ ሃጸይ ኃይለሥላሴ ሃዲሞም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተዓቝቡ። ኣብቲ እዋን’ቲ ቤተ ክርስቲያን ምድረ ሓበሻ፡ ገና ናይ ገዛእ ርእሳ ፓትርያርክ ኣይተፈቕደላን ነበረ። ሃጸይ ኃይለሥላሴ ምስቶም ምስኦም ዝነበሩ መነኰሳት ኣገልገልቲ፡ ህዝቢ ብዝሰምዖ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ዝተጻሕፈ ሓደ መጽሓፈ ጸሎት ዘቤተክርስቲያን ክዳሎ ኣዘዙ። ኣቐዲሞም፡ ኣባ ማርቆስ ዝብሃሉ ፈላሲ፡ ከምኡ ኣዳልዮም ብምንባሮም፡ እቲ ቀዳማይ ሕታም፡ ብ1931 ግእዝ (1937-38 ፈረንጂ) ንሱ ከም ዝኸውን ተገብረ። ጸኒሑ ግና ጥልያን ተሳዒሩ ሃጸይ ሃይለሥላሴ’ውን ናብ ዙፋኖም ምስ ተመልሱ፡ እቲ መጽሓፍ ብጉባኤ ሊቃውንት ተኣሪሙ፡ ከም ብሓድሽ ብ1936 ግእዝ (1943-44 ፈረንጂ) ካልኣይ ሕታም ኰይኑ ተዳለወ። ምሉእ ትሕዝቶኡ እንታይ ከም ዝመስል ክንላለዮ፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ተርጒምና ከም ኣማራጺ ከነቕርቦን።
ኵላትና ኣቦታት ካህናት፡ ኣብ ዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ፡ ብዘይኣፈላላይ ሓቢርና ክንዝቲ፡ እንሆ ዝኸበረ መንፈሳዊ ዕድመ ነቕርብ ኣለና!
መስመር መራኸቢ፡ ብማንዛ (ZOOM)
ዕለት፡ 14 ግንቦት 2025
ሰዓት፡ 20.00-22.00 ሎንዶን፡ 21.00-2300 በርሊን (22.00-00.00 በቈጻጽራ ኤርትራ፡)
ንካህናት ጥራይ ይምልከት!
ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና’ዩ!