“ስመይ፡ ንጭርሖ’ውን ተገልግል’ያ” ይርጋኣለም ፍስሃ

ምስ ይርጋኣለም ፍስሃ ኣዕሊልና ኣለና። “7 ፍረ ሕቶታት” ቅድሚ ሕጂ፡ ንደሳለ በረኸት፡ ኣብርሃም ተስፋልኡል፡ ፎርቱና ገብረገርግሽ፡ ግርማይ ደበሳይ፡ ሙሴ ኬክያ፡ ኢሳቕ ኣብርሃም ወዘተ ሒዛ ቀሪባ ምንባራ እናዘኻኸርኩ፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ድስካለ፡ እንሆ ሎሚ፡ ምስ ይርጋኣለም ጉጅም ንብል ኣለና፡ ጠጥዕሙ!

ካብ ኤርትራ ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ፡ ክንደይ ሽልማት ተቐቢልኪ ኣለኺ፧ እንተዘኪርክዮም ዘርዚርኪ ጸሓፍለይ።

Ø  ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ዝቕበላ፡ ሓንቲ ሽልማት ኣላ፡ ምስ ተቐበልክዋ ክትሰምዓ ኢኻ

Ø 2023 ሽልማት Georg Elser prize

Ø  2022 ሽልማት ጋዜጠኛ ሚልክያስ ምሕረተኣብ

Ø  2019 ዓ.ም. ሽልማት ሓሳባትካ ብሓርነት ምግላጽ፡ ፐን ኤርትራ

Ø  2005 ዓ.ም. ብሃማደኤ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ግጥሚ ውድድር፡ ናይ 1ይ ደረጃ ስልማት ተቐቢለ።

Ø  2000 ዓ.ም. ኣብቲ ቦኽሪን ሕንሳስ-ልደን ዀይኑ ዝተረፈ፡ ሃገራዊ ፈስቲቫል ተመሃሮ ኤርትራ፡ ብግጥሚ ናይ ካልኣይ ደረጃ ስልማት ወሲደ ነይረ።

ንመጻሕፍትኺ ግለጽዮም እንተትብሃሊ፡ እንታይኪ እዮም ዝብጽሑኺ፧ (መንነትኪ፡ መሓዙትኪ፡ ውላድኪ፡ ውጽኢት ስራሕኪ፧ . . .)

ድሃይ (ድምጺ) ናይ ስምዒታተይ… ምባሎም ዝቐለኒ ይመስለኒ።

ብቛንቋ ጀርመን ምስ ታንያ ኪንከል ተጸሓሒፍክን ዝጸሓፍክናኣ ከይረሳዕኩ፡ “ኣለኹ” ኢልኪ፡ “ዘይበረየ ጐድነይ” ኢልክና ኣለኺ፡ ብሕጂ እንጽበዮ ስራሕ እንታይ ክኸውን ይኽእል

ብልፍንትን ብውልቀይን ተዳልዮም ናብ መስርሕ ቅድመ-ሕትመት ዝኣንፈቱ ስርሓት ኣለዉ። ቀዲመ ግና ነታ ብዙሓት ብዕምቈት ዝዳህሰሱ ዛዕባታት ሓቚፋ፡ ብቛንቛ ጀርመን ተሓቲማ ዘላ፡ ምስ ጀርመናዊት ጽሓፊት ታንያ ኪንከል (Tanja Kinkel) ዝተጸሓሓፍናዮም ደብዳቤታት ዝሓዘት ሓዳስ መጽሓፍና፡ ንዓኣ ዝኣክል ግዜ ክህባ’የ ዝሓስብ።

ይርጋኣለም ፈጺማ ክትጻወሮ ዘይትኽእል እንታይ’ዩ፧

ብዙሓት ነገራት ኣይትጻወርን’ያ። ሓንቲ ጥቐሲ እንተተባሂለ ግና፣ በለጽ!

እተን ዝተኣሰርክለን ዓመታት፡ ነተን ዘይተኣሰርክለን ዓመታት ብኸመይን ማዕረ ኽንደይን ጸልየናኦ ኣለዋ፧

እተን ዓመታት፡ ብዙሕ ጽልዋ ከም ዝገበራ ይስምዓኒ’ዩ። ግና ሓደ፡ ክልተ፡… ኢለ ክጽብጽቦ ዝኽእል ኰይኑ ኣይረኽቦን። ሽዱሽተ ዓመታት፡ ዋላ ከይተኣሰርካ’ውን ክትልወጠሉ ክትጽለወሉ ዘኽእል ብዝሒ ዓመታት ስለ ዝዀነ፣ ናይ ማእሰርቲ ድዮም ወላስ ናይቲ ዓመታት ናይ ባዕሉ’ዮም ክፈልዮ ዘይክኣልኩ ለውጢታት’ውን ስለ ዘስተብህል። ሓደ ብምትእምማን ክጠቕሶ ዝኽእል ግና፡ ዳርጋ ኩሉ እዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘለኹ ንጥፈታት፡ እተን ዓመታት ዘሰከማኒ ጾር ይመስለኒ።

ኣብ ሕልምኺ ዘላ ኤርትራ ክርእያ ምደለኹ

ልዕልና ሕጊ ዝኽበረላ፣ ስልጥንቲ፣ ንዜጋታታ እትምችእ ኤርትራ! ብዙሕ ግዜ ንጀርመን እናሓሰብኩ’የ ንኤርትራ ዝስእላ። “ጀርመን ካበይ ተሲኣ፡ ኣበይ ኣላ፧” ዝብል ነጥቢ ከኣ ንተስፋይ የዳብሮ።

“ይርጋኣለም”፡ “ፍስሃ”፡ “ዛይድ” እቲ ኣብ ቤትኩም ዘሎ ስም፡ ዘገርም ትርጉም’ዩ ዘሎዎ- ሓሲብኩሉ ትፈልጢ እንተዀንኪስ ከ ገለ በልኒ፧

ሓሲበሉ ዝፈልጥ፣ ሰለስቲኤን ንኽልቲኡ ጾታታት ዝኾና ምዃነን’ዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኸኣ፡ ስመይ ንጭርሖ ከተገልግል’ውን ከም ትኽእል ተረዲኡኒ። ዓለም ትርጋእ! “ዓመጽ ይወገድ፡ ኲናት ደው ይበል፡ ዓለም ትርጋእ!” ዓይነት… (😃)

ክብረት ይሃብለይ!
________________________
ካብ መፋርቕ 1990ታት ጀሚራ ኣብ ስነ-ጽሑፋዊ ፍጻመታት ክትሳተፍ ዝጸንሐት ይርጋኣለም፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ውልቃውን መንግስታውን መራኸቢ ብዙሃን ከም ናጻ ጋዜጠኛ ኮይና ትሰርሕ ዝነበረት’ያ። ካብ 2002 ክሳብ 2003 ኣብ “ኢንስቲትዩት ስልጠና መምህራን ኣስመራ” ብ ስነ ምምህርና ዝሰልጠነት ክትከውን ከላ፡ ካብ 2003 ክሳብ 2009 ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ሬድዮ ባና፡ ኣፍራዪትን ኣቕራቢትን መደብ ጥዕና ኰይና እናሰርሐት ከላ፡ ምስ መሳርሕትን ብጾታን ኣባላት ራድዮ ባና፡ ብ19 ለካቲት 2009 ተኣስረት። ወግዓዊ ክሲ ይኹን ፍርዲ ከይተቐበለት፡ ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምስጻይ ከኣ፡ ኣብ 2015 ተፈትሐት። ክልተ ዓመት ጸኒሓ ኣብ ዓመተ፡ 2017 ካብ ኤርትራ ክትስደድ ፈቲና፡ ኣብ ዶብ ስለ ዝተታሕዘት ግና፡ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ተኣስረት’ሞ፡ ድሕሪኡ ኣብ መጋቢት 2018፡ ዳግማይ ኣብ ዝገበረቶ ፈተነ፡ ናብ ኡጋንዳ ተሰደት። ካብ ታሕሳስ 2018 ኣትሒዛ ድማ ኣብ ሙኒክ፡ ሃገረ ጀርመን፡ እናነበረት፡ ኣብ 2019 እኩብ ግጥሚ “ኣለኹ” ኣሕቲማ፡ ኣብ 2022 ከኣ እኩብ ዛንታታት “ዘይበረየ ጐድነይ” እትብል ካልአይቲ መጽሓፋ ኣሕተመት።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ዝክረ-እሱራት

Next
Next

መንን መንን’ዮም ተዓሪቖም፧