ዝክረ-እሱራት
25 ግንቦት 2008፡ እሱር ኰይነ፡ ኣብ ምዕጥር ንዝጸሓፍክዎ ጸብጻብ’የ ዝነብብ ዘለኹ። እሱራትና ኾን ከመይ ይህልዉ፧ ዝብል ከኣ ንሓሳባተይ ወኒንዎ’ሎ። (ሓንሳእ ኣብ ዓመት እንዲና ንዝክሮ ሓቀይ፧!) ናይ ልበይ’የ ዝሓትት ዘለኹ። “ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩም’ውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም” ይብል’ዩ’ሞ (እብ13.3) እሱራትና፡ (ንሕና ኸ ፍቱሓት ዲና ዝብል ጠንቃም ሕቶ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እናተገተረ፡ ግናኸ ከምዛ ዘይረአኽዎ ሸለል እናበልኩ) እሱራትና ኾን ከመይ ይህልዉ፧ ቢለ እሓትት ኣለኹ። ካብ ጸጕሪ ርእሰይ ክሳዕ ከብዲ እግረይ፡ ብግብዝና እተዓለስኩ ምንባረይ (ሓደው፡ ምናልባሽ’ውን ብግብዝና ተዓሊሰ ምህላወይ) የስደምመኒ’ሎ። ምስ ነበብኩሞ፡ ከምዛ ትስምዓኒ ዘላ እንተዘይተሰሚዓትኩም፡ ጽሓፉለይ።
መችዩና’ሎ ምንባር
ብምኽንያት ስግረ ዶብ፡ ኣብ ምዕጥር ተኣሲርና እናሃለናስ፡ ኣብ ዝኽሪ ዕለተ ናጽነት፡ “ሃገርና ኣብ ሕቝፎኺ መችዩና`ሎ ምንባር” ቢልና ከም ዝዘመርና ኣብቲ ጽሑፍ ክጸንሓኩም’ዩ። ሕሰብዎ’ሞ. . . ኣብ ምዕጥር ዝኣክል ምድራዊ ሲኦል እናሳጸኻስ፡ “መችዩና’ሎ ምንባር” ቢልካ ትዝምር፧! ሓደ ካብቶም መተኣስርትና ድማ፡ ንዅልና እቶም እሱራት ብምውካል፡ “ብሰንኮፍ ትምኒት ድንቁርና ዝተፈጸመ ይቕረ-ኣልቦ በደል” ከም ዝፈጸምና ተኣሚኑ፡ “እንኩ ገመድ ሕነቑኒ” ብዝዓይነቱ ከም ዝመደረ፡ እንሆ ተጽሒፉ እነቦ ኣለኹ። ንስኹም’ውን ክትነብዎ ኢኹም።
“እሱር” ንምባል’ኳ ዘይተብዕ
ሕጂ፡ ማይ ሽወደን ምስ ሰተኹ ደኣ፡ “እሱር፡” “መተኣስርቲ” ወዘተ ዝብሉ ቃላት እጥቀም ኣለኹ እምበር፡ ኣብዚ ጽሑፍ ከም እትነብዎ ግና፡ ተሃድሶ፡ ተሃዳሲ፡ ወዘተ ብዝብሉ ቃላት’ዮም ተወሪቖም ዘለዉ። ግብዝነትና እስከ ንፈትሽ። እቶም እሱራትና ድዮም እሱራት፡ ወይስ ንሕና ኢና እሱራት፧! 24 ግንቦት 2008 ኣብ ምዕጥር ንዝተጻሕፈ መዘክር፡ ከይነከኹ ከይወሰኽኩ፡ እንሆ ከምቲ ዘለዎ ቀዲሐ፡ አቕርቦ ኣለኹ፦
25 ግንቦት 2008፡ ኣብ ምዕጥር
ተሃደስትን ኣባላትን ተሃድሶ ምዕጥር፡ ንመበል 17 ዓመት ዝክረ ብዓል ናጽነት፡ ብ24 ግንቦት ብድራማ፡ ብግጥምታት ብናይ ሓፈሻዊ ፍልጠት ውድድርን ዝተፈላለዩ ነቲ ብዓል ብዘዘኻኽሩ ደርፍታትን ኣብ ማእከል እቲ ተሃድሶ ጸምቢሎማ።
ኣብቲ ካብ 7.30 ንግሆ ጀሚሩ ንሰለስተ ሰዓታት ዝቐጸለ ጽምብል፡ ኣዛዚ እቲ ተሃድሶ፡ ካፒቴን ኣለም ተኽለሃይማኖት “ተስፋ፡ መናብርቲ ወዲ ሰብ” ምዃኑ ኣብ መኽፈቲ እቲ ብዓል ኣብ ዘስምዖ ሓጺር ዘረባ ብምዝኽኻር “ዝኽረ ብዓል ናጽነትና፡ ብልዑል ተስፋ እንጽምብሎ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ብዓል’ዩ” ኢሉ። ናይ ራህዋ፡ቅሳነትን ፍትሕን ሰናይ ትምኒቱ ኸኣ ገሊጹ።
ብወገን ተሃደስቲ፡ ካብ ኣወሃሃዲት ኮሚተ ብዓል ኣቶ ካሕሳይ ኪዳነ ኣብ ናይ መኽፈቲ መደብ መደርኡ፡ መዓልቲ ናጽነት፡ ንተሃደስቲ ከም ንዅሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድምቕቲ ዕለት ምዃና ድሕሪ ምጥቃስ፡ ብሰንኮፍ ትምኒት ድንቁርና ንዝተፈጸመ ይቕረ-ኣልቦ በደል፡ ብምኽንያት እዛ ክብርቲ ዕለት፡ ብንጽህና ተሓዲሶም፡ ንሃገርን ህዝብን ክኽሕሱ ምዃኖም ብስም ኵሎም ተሃደስቲ ኣረጋጊጹ።
እቲ ብዓል ብኣላይነት ናይታ ኣብቲ ዕለት ብካፔን ኣለም፡ “ጉጅለ ባህሊ ተስፋ” እተሰምየት እዩ ተጸምቢሉ። እታ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልትታት ብዝተገብረ ልምምድ ብተሃደስቲ ዝቘመት ጉጅለ፡ ሓባራዊ ናይ መኽፈቲ መደብ መዛሙር፡ 2 ናይ ትግርኛን ትግረን ድራማ፡ ሓንቲ ኮሜዲ ብትግርኛ፡ 3 ናይ ትግርኛ፡ 1 ዓረብ፡ 1 እንግሊዝን ግጥምታት፡ 9 ደርፍታት ከኣ ብቛንቋታት ትግረ፡ ትግርኛ፡ ሕዳርን፡ ናራን ኩናማን ሒዛ’ያ ቀሪባ።
መደብ ብዝክረ-ሰማእታት ምስ ተኸፍተ፡ ካፒተን ኣለም፡ “ርሑስ ብዓል ናጽነት ይግበረልና” ብዝብላ ቃላት’ዩ ነቲ ጽምብል ከፊትዎ። ነቲ ተዳልዩ ዝነበረ መደባት ብዓቕሊ ምክትታል፡ ናይ ኵሉ ሓላፍነት ምዃኑ ኸኣ ኣዘኻኸረ። ንተሃደስትን ንኮሚተ ብዓልን ወኪሉ ናይ መኽፈቲ ቃል ዘስምዐ ኣቶ ካሕሳይ ብወገኑ፡ ድሕሪ ሰላምታን ምስጋናን፡ “መዓልቲ ናጽነት ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዘበርስ ሓወልቲ ከም ዝሃነጸት ኣረዲኡ። ተሃደስቲ ካልኣይ ጌጋ ካብ ምድጋም ተቘጢቦም ኣብ ጐኒ መንግስቶምን ህዝቦምን ሓይልታት ምክልኻልን ተሰሊፎም ኣብ ድርብ መኸተ ክርዕሙ ምዃኖም ከኣ ገሊጹ።
ብድሕር’ዚ ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ተስፋ “ናትና ኢኺ ናይ ኵልና ብሓባር፡ ሃገርና ኣብ ሕቝፎኺ መችዩና’ሎ ምንባር” ብምባል ድሕሪ ምዝማሮም፡ ብኮሚተ ብዓል እተዳለወን እተኣልየን ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ስዒቡ፡ ንኣስታት 45 ደቓይቕ ከኣ ቀጺሉ። መራሒ መደብ፡ ኣብ ናይ መእተዊት ግጥሙ “ኣንታ ተሓጒሰ እምበር፡ ፍስህ ኢሉ ልበይ፡ ቅዱስ ዋዕላኹም ባህታ ዘሪኡለይ” ብምባል ንተሳተፍቲ ኣብቲ ጉባኤ ብጣቕዒት ክሓብርዎ ተወኪስዎም። ነጐድጓድ ጣቕዒት ተሰምዐ።
“መርሓባ ኢለኪ 91፡ መጺኽለይ ኢለ ኣደ ሓበን” ቀዳመይቲ ዝቐረበት ደርፊ እያ። “ቀጣን ገበይ ስጋለት” እትብል ደርፊ ኸኣ ስዒባታ። “ናጽነት፡ ናጽነት’ያ ስማ ከም ተግባራ” ንእትብል ብትግርኛ ንዝቐረበት ግጥሚ ኸኣ “ድርሻማትኪ ጀነንሶ” እትብል ናይ ብሌን ደርፊ ተቐቢላታ።
ዕባይ ኣስመራ ወዲ 20 ዓመት ዋርሳይ እዩ። ወድን ጓልን ኣሕዋቱ ኣብ ሓርነታዊ ገድሊ ተሰዊኦም። ኣብታ ስዒባ ዝቐረበት “ድቃስ ጅግና” እትብል ትረኻዊት ድራማ፡ ምስታ “ሰሓቕ ዝድራራ” መስርዑ፡ ኣብ ምዕቃብ ናጽነት ተጸሚዱ ከሎ’ዩ ዝርአ። ኣብ ሳልሳይ ወራር ብዘጋጠሞ መውጋእቲ ኣብ ጥቓ ሓንቲ ዓዲ ይስዋእ እሞ፡ ሓለፍቲ መገዲ ኣብ ልዕሊ ሬሳኡ ኰይኖም፡ ብናይ ሓሳብ ምፍልላይ እናተኻትዑ፡ “ደም ስዉእ፡ ጸበል ፈላላዪ ስነ ሓሳብ ዝዀነ፡ ተኣምራተ-ስዉእ እዩ” ዝብል ዓብላሊ ድምጺ ዝውንን ተራኺ ዛንታ ይውሰኾም። ሓድነትና ምስ እነትርርን ናይ ሓሳባት ምፍልላይ ወጊድ ኢልና ብሓባር ምስ እንዓይን ጥራይ ከኣ እቲ ስውእ ልዋም ዘሎዎ ድቃስ ከም ዝድቅስ ብምምሃር ትውድእ።
“ወደ’ቦ ኣኺሉ ኤርትራዊ ይኽበር፡ ዘይሕጉስ እንተልዩስ ጸሊም ካቦት ይግበር” እትብል ደርፊ ብጠርናፊ እታ ጉጅለ ባህሊ ዝዀነ፡ ተስፉ ምስ ቀረበት፡ ነቲ በታ ድራማ ኣብ ተመስጦ ኣትዩ ዝነበረ እኩብ፡ ኣዛንያቶ። “ሎሚ’ዩ መዓልቲ ሓጐስኪ” እትብል ግጥሚ፡ ብቛንቋታት ትግርኛ፡ እንግሊዝኛን ዓረብን ምስ ቀረበት፡ “ሴራ” ዘርእስታ ደርፊ ብቛንቋ ሕዳርብ ስዒባ። ኣቕራቢ ናይታ ደርፊ ብዘርኣዮ ናይ ባህላዊ ሳዕስዒት ምንቅስቓስ፡ ንተዓዘብቲ ኣገረመ።
ቀጺላ ዝቐረበትን 12 ደቓይቕ ዝሸፈነትን ብቛንቋ ትግረ ዝተዓየት ሙዚቃዊት ድራማ እያ። ኣቦኦም ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ እተሰውአ፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ምዕቃብ ናጽነት ከቲቱ ደሃይ ዘጥፍአ ዓብዪ ሓዎም ምስ ወላዲቶ እናተዘራረቡ ይርኣዩ። ሕድሪ ኣቦኦም ተቐቢሉ ዝሕብሕቦም ዝነበረ ሓደ ኣቦ ኸኣ፡ ናይ ዕለተ ናጽነት ህያብ ሒዙ ክበጽሖም ይመጽእ እሞ፡ ሓዎም ኣብ ሳልሳይ ወራር ከም ዝተሰውአ እናርድአ፡ ትርጉም ጅግንነትን ሰማእትነትን እናነገሮም ትውድእ። ነዛ ድራማ ስዒባ ብቛንቋ ትግረ ዝቐረበት ደርፊ “ ኤረትርያ፡ ኣርዌናኪ ምን ደምና” እትብል ኰይና ነታ ሙዚቃዊት ድራማ ብጽቡቕ ኣሰረታ።
“ምልሻ ስርናይ” ዘርእስታ ናይ ሱዚኒኖ ሓጻር ኮሜዲ’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ በጉጅለ ባህሊ ተስፋ ተደጊማ ምስ ቀረበት፡ ልዑል ኣቓልቦ ረኸበት። ንኤርትራ ብተኽሊ ወይኒ ብምውካል፡ “ጽወይኒ ወይኒ” እትብል ግጥሚ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብቲ ጽምብል እተነባ ግጥምታት እያ። ኣብ ገጽ ተሳተፍቲ ፍሽኽታ ዘዕሰለት ናይ ኩናማ ደርፊ ድማ ተኸቲላታ።
ኣብ መዛዘሚ እቲ መደብ፡ ኣቶ ገብረኣብ ተኽለሃይማኖት (ወዲ ቐሺ)፡ “መጺአ’ለኹ ካብ ታሕታይ ቈላ፡ ኤረይ ዓልሊ ሰዓት ኣኺላ” እናበለ ንተሳተፍቲ ኣዘናጊዑ። ኣብ መደምደምታ፡ ኣብ ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ሳልሳይ ንዝወጹ ዕዉታት ካብ ኢድ ካፒተን ኣለም ዝተዳለወሎም ሽልማት ክቐብሉ ከለዉ፡ ከምዚ ዝዓይነቱ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ኣብ ከክልተ ወርሒ ክዳሎ ምዃኑ ካፒተን ኣለም ብምብሳር ንጽምብል እቲ በዓል ደምዲምዎ።
ኣርምሞ
“ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩም’ውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም” ይብል’ዩ’ሞ (እብ13.3) ክንዝክሮምሲ፡ እቶም እሱራትና ኾን ከመይ ይህልዉ፧ ናይ ልበይ’የ ዝሓትት ዘለኹ፣ እቶም እሱራትና፡ (ንሕና ኸ ፍቱሓት ዲና፧ እሞ ንበል) ከመይ ኰን ይህልዉ፧ ሼላ፡ ጐዳጉዲ፡ ባስካ፡ ኮንተይነር፡ ምድረ ኣጻምእ፡ መፈጠርካ ዘጽልእ ሃሩር፡ ኣዕጽምቲ ዝሰብር ቍሪ፡ ሲኦላዊ መግረፍትን ምቕጥቃጥን፡ ተነጽሎ፡ ምድሃል፡ ኣማዕዲኻ’ውን እንተዀነ፡ ዝርአን ዝስማዕን ተስፋ ዘይብሉ፡ ንዕለት ክንድዚ ዘይብሃሎ ጽኑዕ ማሕዩርን ማእሰርትን ወዘተ።
ናይ ዕለት እንጌራና፡- ቀለብ ኣእምሮ
”ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ” (ምሳ28.13) እዩ ዝብል እሞ፡ ዘይሰልጠና ዘሎስ፡ ምናልባሽ ዶ ኾን ገበንና ንኽውሎ ስለ ዘለና ይኸውን፧! ንሓይኮ እስኪ፡ መላሊስና ነስተማቕሮ፡ ኣድላዪ እንተዀነ’ውን፡ መጕስዕ እናመለስና ነስተንትኖ። ካባ ግብዝናና፡ ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ይተርባዕ’ሞ፡ ሕፍረትና ንርአ። እወ እቲ ዝወረደና ንመልከት፡ ብንስሓ ድማ ናብቲ ምሕረት ዘውርድ ኣምላኽና ንመለስ!