ዋና ጸሓፊ ንኡስ ሃገረ ስብከት፡ ተራ ምእመን ክኸውን ይግባእ ዶ፧!

ዋና ጸሓፊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ነርወይ፡ ክህነት ኰነ ዲቍና ዘይብሉ እዩ ብምባል፡ እቲ ዘዕልለኒ ዝነበረ ብጻይ ገለ ሰነድ ኣውጺኡ ኣርኣየኒ። ግድን ዶ ኣባል ቤተ ክህነት ክኸውን ኔርዎ’ዩ፧ ዝብል ሓሳብ ተቐልቂሉኩም ክህሉ ከም ዝኽእል ፍሉጥ ይመስለኒ።

እወን፡ ኣይፋልን ንምባል ከይተረበጽና፡ ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣንቀጽ 61 ገጽ 41 ንገንጽል’ሞ፡ ኣብ ዝርዝር ፊደል ”ቀ” ቀሪቡ ንዘሎ ኸኣ ንንበቦ። ቅልል ብዝበለ ኣገላልጻ፡ መራሕ ስራሕ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣብ ዘይህልወሉ፡ ንመዝነትን ተግባርን እቲ መራሕ ስራሕ፡ ተኪኡ ዝሰርሕ፡ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት እዩ። (ዓንቀጽ 60 ቍጽሪ 3 ከምኡ’ውን ቍ 7’ውን ነዚ ሓቂ እዚ’ዩ ዘረጋግጽ)።

”መዝነትን ተግባርን መራሕ ስራሕ ንኡስ ሃገረ ስብከት” ንዝብል ሓሳብ ሒዝና፡ ናብ ፊደል ”ለ” ንመለስ። ንምሕደራ ሰብን ገንዘብን፡ ንዲፕሎማስያዊ ርክባት፡ ወዘተ ኣብ ግምት ብምእታው ዝዀነ ከምዚ ዓይነት ብቕዓት ዘሎዎ ሰብ፡ መንፈሳዊ ኩነታቱ ብዘየገድስ፡ ኣብዚ ጽፍሒ’ዚ ከገልግል ከም ዝኽእል ርዱእ’ዩ። ኣብ ገጽ 41 ኣብ ፊደል ”ረ” ምስ በጻሕና ግና፡ ከምዚ ዝስዕብ፡ መዝን ተግባርን ተጻሒፉ ክጸንሓና’ዩ፦

”በብጊዜኡ ናይ ዕለትን ናይ ዘወትርን ናይ ስራሕ መምርሒ ብምድላው ነናብ ሰበኻኡ እናተዘዋወረ፡ ወንጌል እናሰበኸን እናኣበሰረን ንምእመናን ብምንቕቓሕ፡ ሰበኻ መንፈሳዊ ጉባኤ ከም ዝደራጆን ከም ዝበራታዕን ይገብር።”

ደጊም ነቲ ዋና ጸሓፊ ንዘክሮ። ወንጌል እናሰበኸን እናኣበሰረን ንምእመናን ከነቓቕሕ ይኽእል ዶ፧!

ገርሀይና ሕቶ፡

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት፡ ብዋና ጸሓፍነት ተመዲቦም ዘገልግሉ ዘለዉ፡ ነዚ ረቛሒ’ዚ ከማልኡ ግዱዳት ድዮም፧

ኣይፋል እንተዀይኑ፡ ስለምንታይ ደኣ እዚ ረቛሒ’ዚ፡ ኣብ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝሰፍር ተጌሩ፧

እወ እንተዀይኑ ኸኣ፡ ስለምንታይ ደኣ ከምኡ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ብቕዓት ዘይብሎም፡ ኣብ ቦታ ሓላፍነት ተቐሚጦም ኣለዉ፧!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ብጉጅለታት ዝቐረበ መጽናዕቲ ሮሜ

Next
Next

ዘቄሳር ለእግዚአብሔር