ኤርትራውያን፡ ብዓይኒ ሓደ እንግሊዛዊ

ኣብ ኣከለጉዛይ፡ ኣብ ሰራየ ሎሚ ኸኣ ኣብ ሓማሴን ኣለኹ። ዳርጋ ንኹሎም ምስሌነታት፡ ጭቃታትን ሽማግለታትን እፈልጦም’የ ክብል ምኸኣልኩ። ዳርጋ ምስ ኩሎም ተዘራሪበ፡ ዳርጋ ንዅሎም መርሚረዮም. . .

ኤርትራውያን፡ ጐራሓት፡ ፈላጣት፡ ከኣልቲ እዮም። በዚ መገዲ’ዝስ ካብቶም ካልኦት ዓሌታትን፡ ካልኦት ኤውሮጳውያን’ውን ከይተረፈ ድሕር ክብሉ ኣይምኸኣሉን። ግናኸ ሓደ ክሕደግ ዘይከኣል፡ ቍንቍነ ነፍስን ስጋን ዝዀነ በደል ኣሎዎም። ንሱ ኸኣ ናይ ሓድሕድ ጽልእን ሕስድናን እዩ።

እቶም ዓበይትን ምሁራትን ዝብሃሉ. . . ክሳዕ ክንድዚ ንሓድሕዶም ክጸላልኡን ክተሓማመዩን፡ ክወዳደሩን ክከፋፍኡን ምርኣይ፡ ብዙሕ የጕህየኒ፡ ተስፋ ኣብ ምቕባጽ ከብጽሓኒ ድማ ቀሪቡ ነበረ። እወ፡ ከምዚ ዝበለ ኣረጊት ጠባይን ባህርን ካብ ልቢ ኤርትራውያን ፈጺሙ እንተዘየልጊሱ፡ ኤርትራውያን ወርትግ ብኻልኦት ክእዘዙን ክምርሑን ክነብሩ እዮም። ሓደ ምስሌነ፡ ወይስ ሓደ ዓብዪ ዝብሃል ሰብ፡ ብዛዕባ ካልእ ጉዳይ ሒዙ መጺኡ ከብቅዕሲ፡ ብዛዕባ ብጻዩ፡ ወይስ ብዛዕባ ወዲ ዓዱን ወዲ ኣውራጃኡን፡ ክፉእ ከይተዛረበኒ ኣይወጽእን።

ርእይቶ ሓደ እንግሊዛዊ ኣመሓዳሪ

ጋዜጣ ሓንቲ ኤርትራ 2 ታሕሳስ 1951 ቍ 104

ምንጪ ጽሑፍ

ንርኣዮ ባህረን ካልኦትን "ተዘካሪ ጥቕስታት ጋዜጣታት ኤርትራ 1942-1962 ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ 2015 ኣስመራ

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ዕርቂ ዝተሓሰመት ቤተ ክርስቲያን

Next
Next

ቃለ-መጠይቕ ምስ SBS