ዕርቂ ዝተሓሰመት ቤተ ክርስቲያን

ልክዕ ከምዛ ሎሚ፡ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ 29 ሚያዝያ 2023፡ ክልተ ጉጅለታት ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ነቲ ብ18 ሚያዝያ 2023 ዝኸተምዎ ዕርቂ፡ ብስርዓተ ቅዳሴ ሓተምዎ። ድሕር’ዛ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዝረኸበት፡ ናይ ሓባር ቅዳሴ፡ ኣቡነ መቃርዮስ ኰነ ኣቡነ ሲኖዳ፡ ሓባራዊ ዑደት ኰነ ቅዳሴ ክገብሩ ኣይተራእዩን። ብኣንጻሩ፡ ኣቡነ መቃርዮስ ናብ ግብጺ፡ ኣቡነ ሲኖዳ ድማ ናብ ኣውስትራልያ ብተናጸል፡ ዑደት ከም ዘካየዱ፡ ብማዕከናት ዜና ክጋዋሕ ርኣናዮን ሰማዕናዮን።

ነታ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን እንተዘከርና’ውን፡ እታ መርኣያ ዕርቅን ሰላምን ክትከውን እተጸውዐት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ንገዛእ ርእሳ ዕርቂ እትፍንፍን ኰይና ምርካባ፡ በኺኻ ዘይጽገቦ ናይ ዘመንና ብድሆ ኰይኑ’ሎ። እታ ብቓልን ብግብርን ንምህር ክርስቶስ እናርኣየት፡ ተዓረቑ ክትብለና ዝግብኣ ቤተ ክርስቲያን፡ ንገዛእ ርእሳ፡ ዕርቂ ተሓሲማ ክትነብር፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንርእያ ኣለና። ምእንቲ ሰላም ቤተ ክርስቲያን ዝተጸውዐ፡ ጾምን ጸሎትን ይህሉ ዶ፧!

እቲ ብኣቡነ መቃርዮስ ዝምእከል ደምበ፡ ዝቕጽል ሰሙን፡ መበል 25 ዓመታዊ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያን ሰሜን ኣመሪካ ከካይድ’ዩ። ኣብቲ ጉባኤ፡ ብርግጽ ኣቡነ መቃርዮስ ክርከቡ ከም ዝኽእሉ ዘማትእ የብሉን። እቲ ኣብ ምዝዛም ወርሒ ሚያዝያ ማሕተም ዝተነብረሉ ዕርቂ፡ ትንፋስ ዝዘርአ እንተዀይኑ፡ ኣቡነ ሲኖዳ ኣብቲ ጉባኤ ክንርእዮም ከኽእለና እዩ። ዕራቑ ዝወጸ ዕርቂ እንተዀይኑ ግና፡ ኣቡነ ሲኖዳስ ይትረፍ፡ ወከልቲ ኣቡነ ሲኖዳ’ውን ኣይክርከቡን እዮም። 

ጸልዩ በእንተ ሰላመ ቤተ ክርስቲያን!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

“ፕራንክ” ምግባር፡ ሰይጣናዊ ድዩ፧!

Next
Next

ኤርትራውያን፡ ብዓይኒ ሓደ እንግሊዛዊ