“ፕራንክ” ምግባር፡ ሰይጣናዊ ድዩ፧!

ንጉስ ሰሎሞን፡ ”እቲ ንብጻዩ ጠቢርዎስ፡ ኪጻወተካ እየ ዝገበርክዎ፡ ዚብል” ዝብላ፡ ኣበሃህላ ኣላቶ፡ (ምሳ26.18)። ነዛ ብህሎ እዚኣ፡ ንሱ ጽሒፍዋ ኽነሱስ፡ ግናኸ ኣነ ዝጸሓፍክዋ ኰይኑ ክሳዕ ዝስምዓኒ፡ ንትርጉም ፕራንክ ቈለጭ ኣቢላ ተርእይኒ። እቶም “ፕራንክ” ዝገብሩ፡ ጠቢሮሙኻ ከብቅዑስ፡ ”ክጻወተካ’የ ዝገበርክዎ” እዮም ዝብሉ። ጸዋግ ገጽ ግዲ ተዓዲለ ኸኣ፡ ፕራንክ ዝብልዎ፡ ብሱሩ ኣይብርሃንን’ዩ፡ (ሓቂ ንምዝራብ፡- ቅጭ ደኣ`ኳ የምጽኣለይ!)።

ሃዋርያ ጳውሎስ ”ዘይግባእ ዋዛ ኣይሰማዕኩም” ብምባል ንሰብ ኤፌሶን መኸሮም፡ (ኤፌ5.4)። “ዘይግባእ ዋዛ” ምባሉ፡ ግቡእ ዋዛ’ውን ከም ዘሎ፡ ምልክት ይመስለኒ። አየናይ’ዩ ግቡእ፧ ኣየናይ ከ እዩ ዘይግቡእ፧ ቢልና፡ ክንሓስብን ብሓሳብ ክንፈላለን ንኽእል ኢና። ንኹልና ክጠምረና ዝኽእል ግና፡ እቲ ዋዛ ኣባይ እንተዝፍጸምሲ፡ ከመይ ኮን ምተሰምዓኒ፧ ቢልና ብምሕሳብ ክንገብሮ እንተንኽእል እዩ። ነፍስ-ወከፍ ከምዚ እንተዝገብር፡ ካብቲ ግቡእ ዝብሃል ዘሎ ክንርሕቕ ኣይምኸኣልናን ይመስለኒ። ኣባኻ ክበጽሕ ዘይትደልዮ፡ ኣብ ብጻይካ ኣይትመነዮ!

ንጉስ ሰሎሞን ግና ከምዚ ኸማይ ግዲ ዝሓስብ ኔሩ፡ ”ንዓሻ ኽፉእ ምግባር፡ ዋዛኡ እዩ” ብምባል፡ ብሱሩ፡ እቲ ”ፕራንክ” ዝብልዎ፡ መውዓል ዓያሹ’ዩ ቢለ ክሳዕ ዝሓስብ’ዩ ጌሩኒ፡ (ምሳ10.23)። ክፉእ ምግባር፡ ዋዛ ኰይኑ ዝረኣየኩም እንተሎ፡ እዛ ምሳሌ እዚኣ ብማዕረ-ቝመት ተሰፍያ ተዋሂባትኩም ኣላ ማለት’ዩ።

”ፕራንክ” ብገዛእ ርእሱ፡ ሰይጣናዊ’ዩ ክንብል ዝከኣል ኣይመስለንን። ከምቲ ብዝተፈላለየ ጸወታታትን ምንቅስቓሳትን እንዘናጋዕን እንስሕቕን፡ ፕራንክ’ውን ከም መቐጸልታኡ ጌርካ ክውሰድ ዘይከኣል ኣይመስለንን። ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ”ዘይግባእ” ኰይኑ ምስ ዝርከብ ግና፡ ሰይጣናዊ ባህርይ ምልባሱ ኣይተርፎን። ንምጥቕላል፡ ምስ ንጉስ ሰሎሞን ትሰማምዑ እንተዄንኩም፡ ፕራንክ ዝገብር ሰብ፡ ”እያድን ፍላጻን ሞትን ከም ዚውርውር ዕቡድ’ዩ” ምበልኩሞ ዶ፧! “እቲ ንብጻዩ ጠቢርዎስ፡ ኪጻወተካ እየ ዝገበርክዎ፡ ዚብል፡እያድን ፍላጻን ሞትን ከም ዚውርውር ዕቡድ’ዩ” (ምሳ26.18)።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ዓለም-ለኸ መዓልቲ ብጻይነት

Next
Next

ዕርቂ ዝተሓሰመት ቤተ ክርስቲያን