ዓለም-ለኸ መዓልቲ ብጻይነት

ሎሚ 30 ሓምለ 2023 ብሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓመተ 2011 እተኣወጀት International Friendship Day ዓለም-ለኻዊት መዓልቲ ዕርክነት፡ ምሕዝነት ብጻይነት እያ።

ጓል ንጓል፡ ”ዓርከይ” ክትብላ ንቡር ብህሎ ኣይመስልን። ወዲ ኸኣ ንወዲ፡ ”መሓዛይ” ክብሎ’ውን ከምኡ፡ ንቡር ኣይመስልን። (ተክአ ተስፋይ ኣብዚ ኣይሰማማዕን’ዩ- መሓዛ ማለት ጾታ ከይፈለየ፡ መተዓብይቲ፡ መፋልጥቲ፡ መሳርሕቲ፡ ዓርኪ ወይ ኣዳኖ ማለት’ዩ፡ እዩ ዝብል)። ኣነ ግና ክራቐቐሉ ብሂገ። ጓል ንወዲ፡ ”ዓርከይ” እንተኢላቶ፡ ወዲ ድማ ንጓል፡ ”ዓርከይ” እንተኢልዋ፡ እቲ ዝምድናኦም ዝያዳ ፍቕራዊ ቅርበት ዘሎዎ ምዃኑ ብሩህ ይመስለኒ። ስለዚ፡ ጓል ምስ ጓል—> መሓዛ፥ ወዲ ምስ ወዲ —>ዓርኪ. . ወዘተ።

ኽልቲኡ፡ ዕርክነት ኰነ ምሕዝነት፡ ኣቐዲምካ እንተስ ብመተዓብይቲ፡ እንተስ ብትምህርቲ እንተስ ብስራሕ ኰታ ብገለ ምኽንያት ኣቐዲምካ ምፍላጥ ዝጠልብ’ዩ። ብጻይነት ግና ልዕሊ’ዚ’ዩ። ሓደ እዋን፡ ሓደ ፈላጥ-ሕጊ፡ ምስ ጐይታና ኢየሱስ እናተዘራረበ ከሎ፡ እቲ ፈላጥ-ሕጊ፡ ዋዛ ኣይነበረን እሞ፡ ንጐይታና ኢየሱስ ድማ፡ ”ብጻየይከ መን’ዩ፧” ብምባል ወጠሮ። ደሓን ይእቶ፡ ንሱ ሳላ ዝሓተተ፡ ሎሚ፡ ንሕና ትርጉም ብጻይነት ዘየከራኽር መልሲ ረኺብናሉ’ለና።

ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። ኰነ ኸኣ ሓደ ካህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሓለፈ። ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ፡ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ በጽሔ፡ እናረኣዮ ሐለፈ። ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረአዮ ኸኣ ደንገጸሉ። ናብኡ ቐሪቡ ኣቝሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ አለዮ። . . . ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧ ደጊም እቲ መልሲ ክህብ ዝነበሮ ፈላጥ-ሕጊ፡ ”እቲ ምሕረት ዝገበረሉ፡” በለ። የሱስ ከኣ፡ ኪድከ፡ ንስኻውን ከምኡ ግበር፡ በሎ (ሉቃ 10.29-37)።

ብጻይነት ማለት፡ እዚኣን ከምዚኣን እያ። ከምዚ ኸማኻ ብኣርኣያ ስላሴ ንዝተፈጥረ ሰብ፡ ፍጹም ሰብኣውን ግብራውን ርህራሄ ከተርኢ ምኽኣል። እቲ ሰብ፡ ሕብሩ፡ እምነቱ፡ ባህሉ፡ ቁመቱ፡ ትርኢቱ፡ ጾታኡ፡ ዘገድስ ኣይኰነን። ሰብ ብምዃኑ ጥራይ እተርእዮ ሰብኣውን ግብራውን ርህራሄ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብጻይነት ይብሃል።

ርሑስ መዓልቲ ብጻይነት!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

BBC ትግርኛ-ርእይቶ ቀሺ ዮናስ

Next
Next

“ፕራንክ” ምግባር፡ ሰይጣናዊ ድዩ፧!