BBC ትግርኛ-ርእይቶ ቀሺ ዮናስ

ንእዋናዊ ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ነዞም ዝስዕቡ፦
  • ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍሎሪዳ ክፍሊ መጽናዕቲ ኣፍሪቃን ሃይማኖትን ኣባል ንዝዀነ ፕሮፌሰር ቴሪ   
  • ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ኢትዮጵያን መምህር ዝኾነ ዶክተር ተካልኝ ነጋ 
  • ኣብ ሽወደን ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ኢየሱስ መድሃኔኣለም ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል  
    ብምዝርራብ፡ ዘዳለዎ ጽሑፍ  ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ፦

ካብቲ ኣነ ዝበልክዎ’ሞ ኣብዚ ጽሑፍ ቀሪበን ዘለዋ ሓሳባት እዘን ዝስዕባ እየን-

  • እዚ ጸገም’ዚ ‘ሱር ዝሰደደ’ ምዃኑ፡ ምስ ምምላስ እቶም ኣቦታት እቲ ናይ ወጻኢ ሲኖዶስ ተዛሚዱ ንሳቶም ነቲ ሒዞሞ ዝመጹ ቅርሕንቲ፡ ኣብ እዋን ኲናት፡ እቲ ጽልኦም ብዝያዳ ጐሊሑ ንኽወጽእ ከም ዝገበሩ፡

  • ቤተ ክርስቲያን፡ እንተላዕለ-ኵሉ ስለ ዝዀነት ብቛንቋታት እትመቓቐል ከም ዘይኰነት፡ ቋንቋን ብሄርን ተኰር ዝገበረ ቀንዲ ምንጪ ፍልልይ ክኸውን ከም ዘይክእል

  • ቀንዲ ምንጪ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ቅልውላው፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዘሎ ዶባት ብዝግባእ ብዘይምሕላዉ ከም ዝተጋህደ

  • ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ኣብ እዋን ኲናት ዝወሰደቶ መርገጺ፡ ፖለቲካዊ ደኣ’ምበር መንፈሳዊ ዘይምንባሩ

  • ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ፡ ለውጢ መንግስቲ ብዝተገብረ መጠን፡ ነታ ቤተ ክርስቲያን’ውን ብቐጥታ ዝጸሉ ኰይኑ ከም ዝጸንሐ፡ ስለዚ ኸኣ፡ ብልጽግና መንበር ምስ ተረከበ’ውን ከም መቐጸልታ ናይቲ ታሪኽ፡ ነታ ቤተ ክርስቲያን’ውን ይጸልዋ ከም ዘሎ

  • እቲ ዝተፈጥረ ወጥሪ፡ ኣዝዩ ከቢድን ሓደገኛን ምዃኑ፡ ናብ ምብትታን ገጹ ዘምርሕ ዘሎ ግናኸ ፈጺሙ ከምኡ ክኸውን ከም ዘይነበሮ

  • እቶም ነቲ ኲናት ዝመርሑ ፖለቲከኛታት ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም እናተዘራረቡ፡ እታ መራሒትን ኣብነትን ዕርቂ ክትከውን ዝነበራ ቤተ ክርስቲያን ግና ብኸምዚ ዝበለ መሪር ኵነታት ክትፈላለ ግቡእ ከም ዘይኰነ

  • ሲኖዶስ ኢትዮጵያ፡ በቲ ኣብ እዋን ኲናት ብዝወሰዶ መርገጺ፡ ብምሉእ ልቢ ብምንሳሕ፡ ደጋጊሙ ይቕረታ ክሓትት፡ ነቶም ኣብ እዋን ኲናት ካብ ኣንደበቶም ክወጽእ ዘይነበሮ ነገራት ብምዝራብ ጽልእን ኲናትን ብምጕህሃር ዘረሳሰኑ ኣቦታት ድማ፡ ግቡእ መቕጻዕቲ ክወሃቦም፡ "ኣቦታት ሃይማኖት ትግራይ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቦምን ቤተ ክርስቲያኖምን ዝወረደ በደል ኣዝዩ ከቢድ እኳ እንተዀነ፡ ግናኸ፡ ከምቲ ክርስቶስ ብደሙ ይቕረ ዝበለልና፡ ንሳቶም’ውን ይቕረ ክብሉን፡ ናብ ዕርቀ-ሰላም ክመጹን ከም ዝግባእ፡ ዝጠቅስ እዩ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

TV OTEBE-ስለምንታይ ኰረኻ፧

Next
Next

ዓለም-ለኸ መዓልቲ ብጻይነት