መበል 12 መዓልቲ፡ እናነቓሕኩ ክሓስበካ ከለኹ

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ክሓስበካ ከለኹ፡ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጉዕን ትጸግብ፡ ኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ከመስግነካ እዩ፡ (መዝ63.5-7)።

ነፍሲ ወከፍና እቲ፡ ኣብ ምድቃስና እንዝክሮ፡ ብለይቲ እናነቓሕና ድማ እንሓስቦ፡ እንታይ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና። መንግስትኻ ትምጻእ ዝብል ዝኽርን ሓሳብን፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ዝብል ሓሳብን እንተዀይኑ ድማ ነፍሲ ወከፍና ምስክር ኢና። እዚ ዘማሪ ግና፡ ኣንጊሀ እደልየካ ኣለኹ ብምባል ጀሚሩስ፡ ኣብ ምድቃሱን ብለይቲ እናነቕሐ’ውን ሃረር ዝብሎ ድማ፡ ህላውነት ኣምላኽ ምዃኑ ገለጸ።

 ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፣ ኣንጊሀ እደልየካ ኣሎኹ፡ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ ኣላ፡ ስጋይ ማይ ኣብ ዜብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ኰይኑ፡ ይናፍቐካ ኣሎ። ከምኡውን ስልጣንካን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፣ ናብ መቕደስካ አማዕዱ ኣለኹ።

ኣብዘን ዝነበብናየን ክልተ ፍቕድታት ጥራይ፡ ነዘን ዝስዕባ ሓሳባት ደጊምኩም ርኣይወን

1.       እደልየካ ኣለኹ

2.      ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ ኣላ

3.      ስጋይ ይናፍቐካ ኣሎ

4.     ናብ መቕደስካ አማዕዱ ኣለኹ

እቲ ሃረርታን ናፍቖትን ልባዊ ምንባሩ፡ እቲ ዘማሪ፡ ”ነፍሰይ ኣብ ድሕሬኻ ትጠብቕ ” በለ። እቲ ንዘልኣለም ምስኡ ከረስትየና ተስፋ ዝሃበና የሱስ፡ ሕጂ ምስኡ ሓደ ክንከውን፡ ንሱ ርእሲ ንሕና ድማ ክፍለ ኣካላቱ ክንከውን’ዩ ጸዊዑና ዘሎ። ከምቲ ዝበሎ ድማ ብርግጽ ክምለስ’ዩ፡ ሽዑ ብግሉጽ፡ ገጽ ክንርእዮ ኢና፡ ማራን ኣታ! ናፍቖትና፡ ምጽብባይና ግና ከመይ ኮን ይህሉ፧!

ዝንበብ ክፍሊ:-

መዝሙር 63

ንጸሊ፦

ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፣ ረድኤተይ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ ምሕጓስ ኣለማምደኒ። ኣንጊሀ ክደልየካ፡ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፡ ብለይቲ እናነቓሕኩ ክሓስበካ፡ ነፍሰይ ኣብ ድሕሬኻ ክትጠብቕ እጽሊ ኣለኹ። ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መበል 13 መዓልቲ፡ ምስጢር መንግስተ ሰማያት

Next
Next

መበል 11 መዓልቲ፡ ባህ ዜብላ ማሕደራት