መበል 13 መዓልቲ፡ ምስጢር መንግስተ ሰማያት

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። “ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። (ማቴ13.11)።

ንነፍስና ምስቶም ”ንኣኻትኩም” ተባሂሎም ዘለው፡ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ዝተዋህቦም ዶ፡ ወይስ ምስቶም ”ንኣታቶም” ተባሂሎም ዘለዉ፡ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ዘይተዋህቦም ኢና እንቘጽራ፧ ምስጢር መንግስተ ሰማያት እንታይ እዩ፧ ተዋሂቡኒ ድዩ ኸ፧ ሎሚ እነስተንትኖ ሓሳብ፡ እዚ’ዩ።

ኣብ ገምገም ባሕሪ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ጐይታና ኢየሱስ ምስ ተኣከበ፡ ጐይታ ብምስላ ዘርእን ዘራእን ጌሩ፡ ኣብ ኣርባዕተ ከም ዝምቀሉ ኣረድኦም። ነስተንትን ኢና ዘሎና እሞ፡ ገዛእ ርእስና እስከ ኣብዘን ስዒበን ተዘርዚረን ዘለዋ ሓሳባት ንድለያ።

1.       ቃል ሰሚዑ ዘየስተውዕል

2.      ሰሚዑ ክንሱ ብስደት ወይ መከራ ዝዕንቀፍ

3.      ሰሚዑ ክንሱ፡ ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ዝሓንቆ

4.     ነቲ ቃል ሰሚዑ ዘስተውዕሎ

ጉጅለ “ንኣኻትኩም”- መስተውዓልቲ እዮም። ብምስትውዓል ድማ ይመላለሱ። ጉጅለ “ንኣታቶም” ግና ምስማዕ ደኣ እምበር፡ ምስትውዓል ዝብሃል የብሎምን። ”በእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዓመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝብ’ዚ ረጕድ እዩ እሞ፡ ምስማዕሲ ትሰምዑ፡ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ፡ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም” ብምባል ድማ ገለጾም።

እቲ ንዘልኣለም ምስኡ ከረስትየና ተስፋ ዝሃበና የሱስ፡ ብርግጽ ክምለስ’ዩ። ግናኸ ”ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ” እዩ ተባሂሉና ዘሎ’ሞ፡ ማራን ኣታ! ኣሜን ጐይታና ኢየሱስ ንዓ ንምባል፡ ነቒሕና ዶ ንህሉ፧!

ዝንበብ ክፍሊ:-

ማቴ13.1-23

ንጸሊ፦

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ እናሰማዕኩ ከየስተውዓልኩ ከይሓልፍ፡ እናረአኹ ኸኣ ከይጠመትኩ ከይነብርሲ፡ ብልበይ ከስተውዕል እሞ ክምለስ ስለዚ ኸኣ ንስኻ ከተሕውየኒ፡ ነቲ ዝረጐደን ዝተረረን ልበይ ብጽሓዮ። ዘይእዘዝ ናይ እምኒ ልቢ ኣውጺእካ፡ ትሑት ብቓልካ ዝርዕድን ንቓልካ ዝእዘዝን ህይወት ሃበኒ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ዓመተ 2022 ከመይ ሓለፈት፧

Next
Next

መበል 12 መዓልቲ፡ እናነቓሕኩ ክሓስበካ ከለኹ