መበል 20 መዓልቲ፡ ናፍቖት ቃል

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። ንሎሚ እምበኣር፡ ”መአዝ ኢኻ እተጸናንዓኒ፧ እናበልኩ፣ ብናፍቖት ቃልካ ኣዒንተይ ሐመቓ” ዝብል ቃል ሒዝና ኢና ከነስተንትን፡(መዝ119.82)።

መዝሙር 119 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ ዝነውሐት ምዕራፍ እያ። ኣሌፍ፡ ቤት፡ ጋሜል፡ ዳሌጥ፡ ሄ፡ ዋው ወዘተ ኣብ ዝብሃሉ፡ ኣብ 22 ፊደላት እብራይስጥ ተኸፋፊላ፡ ነፍስ-ወከፍ ክፋል ድማ፡ ብ8 ጥቕሲ ተሃኒጻ ዝቖመት፡ ብድምር 176 ጥቕስታት ዝሓዘት ምዕራፍ ድማ’ያ። ጸሓፊኣ ብንጹር መን ምዃኑ’ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ዳዊት፡ እዝራ፡ ዳንኤል፡ ወይ’ውን ኤርምያስ ክኸውን ከም ዝኽእል ግና ሊቃውንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብሩ።

ከም እኒ ቅዱስ ዳዊት ዝኣመሰሉ ኣመንቲ፡ ንቓል ኣምላኽ ዝናፍቕ ህይወት ነበሮም። መዝሙር 19.7-10 ከምዚ ይብል፦

ሀ. ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ፡ ንነፍሲ ይመልሳ

ለ. ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ፡ ንገርሂ የጥብቦ

ሐ. ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፡ ንልቢ የሐጕሶ

መ. ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፡ ነዒንቲ የብርሀን

ሰ. ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፡ ንዘልኣለም ይነብር

ረ.ፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ፡ ብዘሎ’ውን ጻድቕ እዩ

እቲ ዘማሪ ክቕጽል ከሎ፡ ”ካብ ወርቂ፣ ኤረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ፣ ካብ መዓር፣ ኤረ ኻብ መዓር ወለላ ዚጥዕም እዩ” ይብል።

ከመይ ዝበለ ምግላጽ ቃል ረኺቡ ምንባሩ የስደምመካ። ሽዑ፡ ኣርባዕተ ወንጌልን ግብረሃዋርያትን ኣይነበረን። ሽዑ ንባዕሉ መዝሙር ዳዊትን መጽሓፍቲ ነብያትን ኣይነበረን። ነተን ሓሙሽተ መጽሓፍቲ ኦሪት ነቢብካ፡ ”ካብ ወርቂ፣ ኤረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ” እንካብ ተባህለ፡ መጽሓፍቲ ነብያትን፡ መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳንን ነቢብካ ኸ ደኣ እንታይ ኰን ክብሃል ምተኻእለ፧

ጐይታና ኢየሱስ፡ ብርግጽ ክምለስ’ዩ። ግናኸ ማራን ኣታ! ኣሜን ጐይታና ኢየሱስ ንዓ ንምባል ንቑሓት ምህላውና ነስተብህል።

ዝንበብ ክፍሊ:-

መዝ 119

ንጸሊ፦

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ናፍቖት ቃልካ ኣብ ልበይ ከተሕድር ብሂገ እጽሊ ኣለኹ። እወ፡ ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ፡ ኣዒንተይ ክፈተለይ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መበል 21 መዓልቲ፡ እንጌራ ህይወት

Next
Next

ገርሀይና ሕቶ፡ ንጉባኤ ሊቃውንት