መበል 21 መዓልቲ፡ እንጌራ ህይወት
ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ
25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። ጐይታና ኢየሱስ፡ ”ኣነ እየ” እናበለ፡ መን ምዃኑ ዝመሃረለን ሾብዓተ ሓሳባት፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክንርእየን ኢና። ንሎሚ፡ ”እንጌራ ህይወት ኣነ እየ” ብዝበሎ ንጀምር፡ (ዮሃ6.48)።
ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 6፡ ጐይታና ኢየሱስ፡ ብሓሙሽተ ጐጎ ስገምን ክልተ ዓሳን፡ ን5000 ዝኣኽሉ ሰብኡት ኣጽጊቡ፡ 12 መሶብ ተረፍ ከም ዘልዓሉ ብዝንታው እዩ ዝጅምር። እቶም ሰብ ከኣ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ረኣዩ፡ “እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩ፡” ከም ዝበሉ ንነብብ፡ (ዮሃ6.14)። ብድሕር’ዚ “ኣበይ ኣትዩ፧” እናበሉ፡ ክደልይዎን፡ መንዚዖም ከንግስዎን ደለዩ። ሽዑ ጐይታና፡ ”ወዲ ሰብ፡ ንእኡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሐቲምዎ እዩ እሞ፡ ነቲ ንሱ ዝህበኩም ንዘለኣለም ህይወት ዚነብር ብልዒ እምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ ኣይትግበሩ” ኢሉ መለሰሎም። ሓላፊ ብልዒ ኣሎ፡ ንዘልኣለም ህይወት ዝነብር ብልዒ ድማ ኣሎ፧ ነየናይ ኰን ብቐዳምነት ንምገብ ንህሉ፧
”ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ። ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ከይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ” (ዮሃ6.49-51)።
ጐይታና ኢየሱስ፡ ብርግጽ ክምለስ’ዩ። ግናኸ ማራን ኣታ! ኣሜን ጐይታና ኢየሱስ ንዓ ንምባል ንቑሓት ምህላውና ነስተብህል።
ዝንበብ ክፍሊ:-
ወንጌል ዮሃንስ፡ ምዕራፍ 6
ንጸሊ፦
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንቓላትካ ምስ ረኸብክዎ በላዕክዎ፡ ብስምካ ተሰምየ እየ’ሞ፡ ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ ነቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ምብላዕ ኣለማምደኒ። ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣዲ፡ እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘሎዋ ዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘሎዋ ዶ ኣይኰነትን፧ ድማ ተባሂሉ ኣሎ’ሞ፡ ከምዚ ዓይነት ርዱእ ህይወት ከተንብረኒ እጽሊ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!