ሓደ ሰብ ምረጽ እንተዝብሃል

ቃላት ኣመቂረ፡ ከሐስኸካ ኣይደልን። ዓስብኻ ካብ ሰብ ከይትቕበሎ እሞ፡ ነቲ ዝዓዘዘ ሰማያዊ በረኸት ድማ ከይትስእኖ፡ ናእዳ ከብዝሓልካ ኣይደልን። እግዚኣብሄር ረዲኡካን ጸጋ ኣብዚሑልካን ግና፡ ኣብ ኣገልግሎትካ እሙን ኴንካ ንኸተገልግል ስለ ዘብቅዓካ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ (2023) ነቲ ኣብኦም ዘሎ ጸጋ ብፍሉይ ከድንቖ ካብ ዝደሊ፡ ሓደ ኴንካ ኣለኻ’ሞ፡ ይመልኣልካ!

ዲያቆን ፕሮፈሰር ብርሃነ ስዩም፡ በቲ ንሱ ዝመርሖ፡ ክፍሊ ትምህርቲ፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፡ እናተዳለወ፡ ሰሙናዊ ዝቐርብ፡ ኣዝዩ ሃናጺ ትሕዝቶ ዘሎዎ መንፈሳዊ ጽሑፍ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ብዘይ ምቁራጽ ናብ ኢመይል ክልእኽ ጸኒሑን ኣሎን። እቲ ኣብ ዲያቆን ፕሮፈሰር ብርሃነ ስዩምን መዓይይቱን ጸጋ ሂቡ ጸዓት ዘሕደረ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ!
እቲ ኣገዳስን ሃናጽን ትሕዝቶ ዘሎዎ ሰሙናዊ ዝዳሎ መልእኽቲ ክልኣኸልኩም እንተደሊኹም፡ በዚ ኢመይል ተወከሱ berhanesy@yahoo.com

ምስ ዲያቆን ፕሮፈሰር ብርሃነ ስዩም ኣብ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ዝተገብረ ቃለ መሕትት ክትነቡ እንተደሊኹም ድማ ኣብዚ ጠውቑ

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መበል 22 መዓልቲ፡ ብርሃን ዓለም

Next
Next

መበል 21 መዓልቲ፡ እንጌራ ህይወት