መበል 22 መዓልቲ፡ ብርሃን ዓለም

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። ጐይታና ኢየሱስ፡ ”ኣነ እየ” እናበለ፡ መን ምዃኑ ዝመሃረለን ሾብዓተ ሓሳባት፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክንርእየን ጀሚርና ኣሎና። ትማሊ “እንጌራ ህይወት” ዝብል ርኢና፡ ሎሚ ድማ፡ “ሽዑ የሱስ፡  ኣነ ብርሃን ዓለም እየ” ዝበሎ ክንርኢ ኢና፡ (ዮሃ8.12)።

እቲ ኦሪት ዘፍጥረት ዝብሃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስሲ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ዘሎ መጽሓፍ፡ ኣብተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ጥቕስታቱ ከምዚ’ዩ ዝብል፦ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረት፡ ጸልማት ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ፥ ብርሃን ይኹን፡ በለ። ብርሃን ድማ ዀነ። ኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮ፡ (ዘፍ1.1-4)።

ብርሃንን ጸልማትን ሕብረት የብሎምን። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦ “ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፡ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧ ክርስቶስ ከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ ኣሎዎ፧ . . . ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን፡ ርኹስ ኣይትተንክዩን” በለ፡ (2ቈረ6.14-17)።

ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት፡ “ኣምላኽ ከኣ፥ ብርሃን ይኹን፡ በለ። ብርሃን ድማ ዀነ” ዝብል ነቢብና ኣለና። ዝበሎ ዝገብር ኣምላኽ ምዃኑ ድማ ኣረጋጊጹልና። ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ከኣ፡ ኣብ ምዕራፍ ሸሞንተ፡ “ሽዑ የሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ” ከም ዝበለ ንነብብ እሞ፡ ጐይታና ኢየሱስ’ውን ነቲ ዝበሎ ዝፍጽም ምዃኑ ንምርኣይ፡ ኣብ ምዕራፍ ትሽዓተ፡ ብተግባር ከሰንዮ ከሎ ንርኢ። ”ክሓልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረኣየ፡ ደቀመዛሙርቱ ድማ፡ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱ ዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሓተትዎ።  . . . ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ በቲ ጥፍጣፉ’ውን ጸብሪ ገበረ፡ በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ለኸየ እሞ፡ ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም ኬድካ ተሓጸብ በሎ፡ ከይዱ ተሓጽበ፡ እናረአየውን ተመልሰ” ይብለና፡ (ዮሃ9.1-7)።

ዝንበብ ክፍሊ፡-

ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 9

ንጸሊ፡

ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን እትነብር ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ኣብ ጸልማት እንተተቐመጥኩ እኳ ንዓኻ ጸልማት ከም ዘይጽልምተካን፡ ብርሃነይን ሓይሊ ህይህወተይን ምዃንካ ኣስተውዒለ ብድድ ክብል ርድኣኒ። ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣሜን

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መበል 23 መዓልቲ፡ እቲ ደገ

Next
Next

ሓደ ሰብ ምረጽ እንተዝብሃል