መበል 23 መዓልቲ፡ እቲ ደገ

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። ጐይታና ኢየሱስ፡ ”ኣነ እየ” እናበለ፡ መን ምዃኑ ዝመሃረለን ሾብዓተ ሓሳባት፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክንርእየን ጀሚርና ኣሎና። ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልትታት፡ “እንጌራ ህይወት” ዝብልን “ብርሃን ዓለም” ዝብል ርኢና። ሎሚ ድማ፡ “እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ክድሕን፡ ክኣቱን ክወጽእን መጓሰዪ’ውን ኪረክብ እዩ” ዝበሎ ክንርኢ ኢና፡ (ዮሃ10.9)።

ጐይታና ብምስላ ጌሩ፡ “እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ፡ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዝሓኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” ምስ በሎም፡ ወንጌል ዮሃንስ ከም ዝሕብረና፡ “ነቲ እተዛረቦም፡ ኣየስተውዓልዎን” (ዮሃ10.6)።

“ደምበ ኣባጊዕ” ዝብሃል ዘሎ፡ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ መበል 25 ምዕራፍ ከም እንርእዮ፡ “ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲ’ውን ምስኡ፡. . . ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ” (ማቴ25.31-34)።

 እቲ ኣብዛ ደምበ ዘሎ ጓሳ፡ ጽባሕ ከም እንርእዮ፡ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ እዩ። እቲ ናብዛ ደምበ እዚኣ ዘእቱ ደገ’ውን፡ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ’ዩ። “እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ክድሕን፡ ክኣቱን ክወጽእን መጓሰዪ’ውን ኪረክብ እዩ” ብምባል ድማ ኣበሲሩና’ሎ፡ (ዮሃ10.9)።

ዝንበብ ክፍሊ፡-

ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 10

ንጸሊ፡

ኣንታ ነፍሰይ እትፈትወካ፡ ንመጓሴኻ ኣበይ ተውዕለን፧ ቀትርስ ኣበይ ተዕርፈን አሎኻ፧ እስኪ ንገረኒ፡ ስለምንታይከ ኣብ መጓሰ መሓዙትካ ከም ኰብላሊት ዝኸውን፧ (መሃ1.7)። ዎ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀንካ ጐይታ፡ እቲ ደገ ንስኻ ምዃንካ ምሂርካኒ ኣለኻ’ሞ፡ ምድሓን ብሓደ ካልእ ከም ዘየልቦ ፈሊጠ፡ ብኻልእ ወገን ምሕኳር ከይፍትን፡ ምልኣተይ ምዃንካ ከስተውዕል ክትረድኣኒ እጽሊ ኣለኹ። ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣሜን

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መበል 24 መዓልቲ፡ ሕያዋይ ጓሳ

Next
Next

መበል 22 መዓልቲ፡ ብርሃን ዓለም