መበል 24 መዓልቲ፡ ሕያዋይ ጓሳ

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

ጐይታና ኢየሱስ፡ ”ኣነ እየ” እናበለ፡ መን ምዃኑ ዝመሃረለን ሾብዓተ ሓሳባት፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክንርእየን ጀሚርና ኣሎና። ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ መዓልትታት፡ “እንጌራ ህይወት” ዝብልን፡ “ብርሃን ዓለም” ዝብልን፡ “እቲ ደገ ኣነ እየ” ዝብልን ርኢና ኣለና። ንሎሚ ድማ ”እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ” ዝበሎ፡ ክንርኢ ኢና፡ (ዮሃ10.11)።

”ጓሳ” ዝብል ቃል ብዝያዳ፡ ንናእዳ ዶ ንጸርፊ ኢና እንጥቀመሉ ብምባል እሞ ንርእስና ዝሑል ማይ ንኽዓወሉ፡ ነተን ኣባጊዕ ድማ ንዘክረን። ትማሊ ኣብ ዝገበርናዮ ምስትንታን፡ እቲ ”ደምበ ኣባጊዕ”፡ ንማሕደር እቶም ብየማን ጐይታ ዝቘሙ ሕሩያቱ ከም ዝውክል ርኢና ኔርና ኢና። እዚ ሕያዋይ ጓሳ፡ ሕያውነቱ ንምግላጽ እተጠቕመሉ ረቛሒ፡ ”ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ ከም ዘሕልፋ እዩ። ህይወቱ እኳ በጃ ንምሕላፍ ዘይበቐቐስ፡ ነተን ኣባጊዕ ብዘድልየን ዘበሉ ኵሉ ከም ዝሓልየለን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኰነን። ”እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፡ ዝጐድለኒ የብለይን” በለ እቲ ዘማሪ (መዝ23.1)።

”ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን፡ እተን ኣባጊዔይ’ውን ይፈልጣኒ እየን” በለ ጐይታና። ናብዛ ደረጃ እዚኣ እንተንበጽሕ ኢልና እስከ ንሕሰብ። ከምቲ ንሱ ዝፈልጠና፡ ንሕና’ውን ክንፈልጦ። ከምቲ ንሕና እንፈልጦ ድማ፡ ንሱ’ውን ከፈልጠና። እንተዘይተረዲኣትኩም፡ ደጊምኩም ንበብዋ። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 7 ዘለዉ ኣገልገልቲ፡ ንጐይታ ይፈልጥዎ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ “ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካ ዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊ ዶ ኣይገበርናን፧” ክብሉ ዝኸኣሉ’ውን እዮም ዝነበሩ። ጐይታ ግና፡ ”ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ” ክብሎም ምዃኑ፡ ጠቒሱ’ሎ፡ (ማቴ7.22-23)። ንስኻ ትፈልጦ፡ ንሱ ግና ዘይፈልጠካ ምዃንሲ ክንደይ ይኸፍእ፧!

እቲ ንባዕሉ ጓሳ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት፡ ን ጉስነት እግዚኣብሄር ክገልጽ ከሎ፡ ”ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዓርፈሉ ማይ ይመርሓኒ” ብምባል፡ ንስጋኡ ዘድልዮ ዝብላዕ ኰነ ዝስተ ከም ዝሓልየሉ ጠቐሰ። እቲ ጉስነት፡ ብስጋ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብነፍሲ’ውን ምዃኑ ንምጥቃስ ድማ ” ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ” ድማ በለ። ጐይታና ኢየሱስ፡ ”ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን፡ እተን ኣባጊዔይ’ውን ይፈልጣኒ እየን” በለ። ከምኡ ዶ ኣለና፧

ዝንበብ ክፍሊ፡-

ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 10

ንጸሊ፡

እግዚኣብሄር ጓሳይየይ ኢኻ’ሞ፡ ብነፍሲ ኰነ ብስጋ ዝጐድለኒ ስለ ዘየለ፡ ተመስገን። ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተኸድኩ፡ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ ተመስገን። ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ ኢኻ’ሞ ተመስገን። ዎ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀንካ ጐይታ፡ ሳህልኻን ምሕረትካብ ብኹሉ ዕድመይ ክስዕባኒ እየን እሞ፡ ኣብ ቤትካ ድማ ንዘልኣለም ከተንብረኒ ስለ ዝዀንካ፡ ደጋጊመ አመስግነካ። ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣሜን

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ኣብ ኣመሪካ፡ ክልተ ኤርትራውያን ገዳማት ክህነጻ’የን

Next
Next

መበል 23 መዓልቲ፡ እቲ ደገ