ኣብ ኣመሪካ፡ ክልተ ኤርትራውያን ገዳማት ክህነጻ’የን

ብሲኖዶስ ኤርትራ ዝምእከልን ብኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳ ዝምእከልን ምምሕዳራት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ በብወገኖም ኣብ ኣመሪካ ገዳም ክሃንጹ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ብሲኖዶስ ኤርትራ ዝምእከል ዘህንጾ ገዳም

ካብ 8-10 ታሕሳስ 2023 ኣብ ሜሪ-ላንድ፡ ዝተኻየደ፡ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን ከም ዝተገልጸ፡ ካብ ጥንታውያን ገዳማትናን ኣድባራትናን ቅዲ መሠረት ዝገብረ፣ ዘመናዊ ኣሠራርሓ ዝተኸተለ ህንጻ ገዳም፡ ብመልክዕ ፕሮጀክት ናይቲ ዓውዲ ምሁራን፡ ብተሞክሮ ዝበሰሉ ዜጋታት ዝሰርሕዎ ኣዝዩ ዘደንቕ ንድፊ ዕዮ ምቕራቡ ተገሊጹ’ሎ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2022 ብብፁዕ ኣቡነ ኤልያስ፡ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን ዝተበገሰ፡ ኣገዳስነት ምምሥራት ገዳም ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን፡ ተጋባእቲ፡ ሓደ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ከም ዘወፈዩ ወግዓዊ መርበብ ልሳን ተዋህዶ ይሕብር።

ብኣቡነ ሲኖዳን ኣቡነ መቃርዮስን ዝምእከል ዘህንጾ ገዳም

“ምዕራፈ ቅዱሳን ደብረ ሊባኖስ ወተክለሃይማኖት” ተሰምዩ ዘሎ፡ ኣብ ሳንታኣንቶንዮ ቴክሳስ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን፡ ዝሓለፈ መስከረም 1- 3 ብኣቡነ መቃርዮስን አቡነ ሲኖዳን እምነ-መሰረት ዝተነብረሉ ክኸውን እንክኸውን፡ ኣብዚ ገዳም ክህነጹ ተባሂሎም ዘለው ድማ፡ ካብ መቕደስ ክሳዕ መቓብር ምዃኖም፡ ወከልቲ እቲ ምምሕዳር ገሊጾም ኣለዉ፦

1. ዘመናዊ ህንጻ ቤተ ክርስትያን

2. ምትካል ሓወልቲ ኣቡነ እንጦንዮስ

3. ክብረ በዓል ጥምቀት ዝበዓለሉ ስፍራ

4. ቤት ትምህርቲ ንባብ ግእዝ፡ ሰዓታት፡ ቅዳሴ፡ ያሬዳዊ ዜማ፡ ትምህርቲ ሥነ መለኮት

5. መንበሪ ኣባይቲ መነኮሳት

6. ንመሸጣ ፍርያት እቲ ገዳም ዝውዕል ህንጻ

7. ብሑት ቦታ ሱባኤ ንምእመናን

8. መሕጸቢ ማይ-ጸሎትን መዕረፊ ቦታን

9. ናብ ኤርትራ ከይዶም ክቕበሩን ዘይከኣሉ፡ ዝኸውን መካነ መቓብር

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መበል 25 መዓልቲ፡ ትንሳኤን ህይወትን

Next
Next

መበል 24 መዓልቲ፡ ሕያዋይ ጓሳ