መበል 25 መዓልቲ፡ ትንሳኤን ህይወትን

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

ጐይታና ኢየሱስ፡ ”ኣነ እየ” እናበለ፡ መን ምዃኑ ዝመሃረለን ሾብዓተ ሓሳባት፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክንርእየን ጀሚርና ኣሎና። ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ መዓልትታት፡ “እንጌራ ህይወት፣” “ብርሃን ዓለም፣” “እቲ ደገ ኣነ እየ፣” ”እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ” ዝብሉን ርኢና ኣለና። ንሎሚ ድማ ”ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ክነብር እዩ” ዝበሎ ክንርኢ ኢና (ዮሃ11.25)።

ኣልኣዛር፡ ሞይቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተቐቢሩ’ውን ነበረ። ተቐቢሩ ጥራይ ዘይኰነ ኸኣ፡ ብቓላት ማርታ ”ራብዕቲ ገይሩ፡ ፈጺሙ ጨንዩ” ነበረ፡  (ዮሃ11.39)። ጐይታና፡ ዝበሎ ዝገብር፡ ምንም ዝሰኣኖ ኸኣ ዘይብሉ ምዃኑ ደጋጊሙ ኣርእዩ ነበረ። ነዚ ፈጺሙ ጨንዩ ዘሎ ሬሳ ግና፡ ከምቲ ዝብሎ ዘሎ፡ ከተንስኦን ህይወት ድማ ክህቦን ይከኣሎ ዶ፧ ዮሃንስ ከዘንቱ ከሎ ”ገሊኦም ግና፡ እዚ ኣዒንቲ እቲ ዕዉት ዝኸፈተስ፡ ነዚ’ውን ከም ዘይመውት ክገብሮ ደኾን ኣይምኸኣለን” ከም ዝበሉ ጽሒፉልና’ሎ (ዮሃ11.37)። እዚ ዘረባ’ዚ፡ ካብቲ ማርታን ማርያምን፡ ”ጐይታይ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” ዝበላኦ፡ (ዮሃ11.21,32) መፈልዪ ዘሎዎ ኣይኰነን። ቅድሚ ሞት እምበር፡ ድሕሪ ሞት ስልጣንን እለትን ከም ዘሎዎ ንምእማን ቀሊል ኣይነበረን።

ጐይታና ግና መርሖ ሞትን ሲኦልን ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ምዃኑ፡ ኪንዮ ቃላት ብግብሪ ንምግሃድ ” ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ፡” በሎም። ድሕሪኡ ሓጺር ጸሎት ብምጽላይ፡ ”ኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ፡” ኢሉ ነቲ ምዉት ከም ህያው ብምጽዋዕ፡  ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። እቲ ሙውት ብግኑዙ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእሱሩ፡ ገጹ’ውን በመኣረምያ ተጐንጕኑ ኸሎ ወጸ። የሱስ ድማ፡ ”ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ፡” በሎም።

ኣልኣዛር፡ ብግኑዙ ካብ መቓብር ምውጻኡ፡ ምልክት ትንሳኤ እዩ። ”ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” ዝብል ትእዛዝ ጐይታና ድማ፡ ምልክት ብህይወት ምንባር’ዩ። ጐይታና ኢየሱስ፡ ”ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ” በለ።

 ዝንበብ ክፍሊ፡-

ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 11

ንጸሊ፡

ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንኸኣልነትካ በዛ ጸባብ ኣእምሮይ ከይድርቶ እሞ፡ ኣባኻ ዘሎኒ እምነትን ትውክልትን፡ ኣብ ኩሉ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዝተወሰነ ጥራይ ከይከውን ክትድግፈኒ፡ እልምነካ ኣለኹ። እንጌራ ህይወት ምዃንካ ዘኪረ፡ ክዓግብ፣ ብርሃን ዓለም ምዃንካ ዘኪረ፡ ንጸልማተይ ከም እተብርሆ ክርድኣኒ፣ እቲ ደገ፡ ንስኻ ምዃንካ ፈሊጠ፡ ብኻልእ ክመጽእ ከይፍትን፣ ከምኡ’ውን፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንስኻ ምዃንካ ኣስተውዒለ፡ ኣብ ጉስነትካን መጓሰኻን ከይርሕቕ፣ ሓልወኒ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣሜን።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣንደልሂጻ ድያ፧

Next
Next

ኣብ ኣመሪካ፡ ክልተ ኤርትራውያን ገዳማት ክህነጻ’የን