ቅንዕና ፍተዉ፡ መፋነዊ ዓመተ 2023

ትማሊ ምሸት 23 ታሕሳስ 2023 ”ደጊም ደሓን ኩኑ” ቢለ ዝተፋነኽዎ (ኣኼባ ረጊጸ ዝወጻእክዎ) ጉባኤ ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ፡ ኣምስዩና። እዚ ”ህጹጽ ጉባኤ” ተባሂሉ ዝተነግረና፡ ”ዛዕባ ህሉው ኩነታት” ብዝብል ኣርእስቲ’ዩ ተላኢኹልና ዝነበረ። ምስ ኣተናዮ ግና፡ ”ንመስርሕ ዕርቂ ዘተግብሩ 3 ሽማግለ ክንመርጽ ኢና ጸዊዕናኩም” ተባህለ። ብልብኹም፡ ቀሺ ዮናስ ደኣ ምስ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ኣሎ ድዩ፧ ትብሉ ትህልዉ ኢኹም።

ደርሆ ዶ እንቋቝሖ፧

ሀ. ንቕድም ሽማግለ ንምረጽለ. ኣይፋል ንቕድምሲ እቲ ተበጺሑ ዘሎ መድረኽ ደኣ ይነገረና፡ ዝብል ዛዕባ፡ ብዲያቆናት ተላዒሉ፡ ረሰነ። እቶም ካህናት ግና፡ እቲ ቆቢዕ ግዲ ጸቒጡና፡ በጨቕ ኣይበልናን። ኣቦ መንበር እቲ ጉባኤ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝተበጽሐ ዕርቀ-ስምምዕ፡ ዕርቂ ክልቲኡ ጉጅለ ምእንቲ ክሳለጥ፡ ንዕኡ ዘቀላጥፉ ሽማግለታት ኢና ክንመርጽ” በሉ። ዲያቆናት ግና፡ እቲ መስርሕ ዕርቂ በጺሕዎ ዘሎ መድረኽ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ንከታተሎ ከም ዘለና፡ ንቐሺ ዮናስን ዲያቆን ዮሃንስን ዘየማእከለ ዕርቂ ክፍጸም ምዃኑ’ዩ። ነዚ ተቐቢልና ዲና ሽማግለታት ንመርጽ ዘለና፡ ወይስ ነዚ ሓሳብ’ዚ ነጺግና ኢና ሽማግለታት ንመርጽ ዘለና፧ ቢሎም፡ ኣብ መህደሚ ዘይብላ ሕቶ ኣእትዮም ቀርቀርዎም።

ኣቦ መንበር ኣዕጠጥዮም፡ ዋና ጸሓፊ ሕስይስይ በለ፡ ሓደ ካብ ኣባላት ምምሕዳር ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ግና፡ እቲ ተሓሲቡ ዘሎ፡ ብመሰረት እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ምዃኑ፡ ማለት ንቐሺ ዮናስን ንዲያቆን ዮሃንስን ብዝምልከት፡ ውሳነ ጳጳሳት እናተጸበና፡ ንሕጂ ግና እቲ ዕርቂ በዚ ኢና ክንከይድ” ብምባል፡ ነታ ተሰዊራ ክትጸንሕ ዝተሓስበት ሓቂ፡ ቦሎኽ ኣበላ።

ድሕር’ዚ ክጻወር ዘኽእል ዓቕሚ ኣይነበረንን። ”ደጊም ደሓን ኩኑ” ዝብል ጽሒፈ ድማ ክወጽእ መደብኩ። እቲ ሓቂ ዘንተጐ ቀሺ፡ ብኡ ንብኡ፡ ”ቀሺ ዮናስ እዛ ዝገበርካያ ጽብቕቲ ኣይኰነትን፡” ስለ ዝበለኒ፡ መሰረታዊ ሕቶ ከቕርብ ነበረኒ’ሞ ኣቕረብኩ ድማ።

ብኣቡነ ሲኖዳ ዝምእከል ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ፡ ብዛዕባይ ምስ ተወከሰኩም፡ ”ቀሺ ዮናስ ምሳና የለን” ከም ዝበልኩሞ፡ ብኽቕየር ዝከኣል ኣፋዊ ትረኻ ዘይኰነስ፡ ብጽሑፍ ዝተቐለመ ሰነድ ከምዘሎ፡ ብዛዕባ’ዚ ድማ፡ ንኣቦ መንበር ኣብ ዝተወከስኩሉ፡ ”ውጹእ ሓሶት” ምዃኑ፡ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ”ቀሺ ዮናስ ምሳና የለን” ከም ዘይበለ ከም ዝሓበሩኒ፡ ኣብ ቅድሚኦም ጠቐስኩ። ብኣቡነ ሲኖዳ ዝምእከል ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዝጸሕፍዎ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ

መልሲ ኣቦ መንበር፡ ”ሕጂ’ውን ዝድገም ሓቂ’ዩ፡ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፡ ቀሺ ዮናስ ምሳና የለን ኣይበለን” ድሕሪ ምባል፡ ”ሕጂ ግና፡ ሽማግለ እሞ ንምረጽ፡ ድሕሪኡ ዝዝረብ እንተሎ ክንዛረብ ኢና” በሉ። ኣነ ዘየለኹሉ፡ ንዓይ ዘይውክል ሽማግለ፡ ንምንታይን ብኸመይን ክመርጾ ከም ዘለኒ፡ ክርድኦ ኣይከኣልኩን። ኣብኡ ምክርኻር ሓዲገ ግና፡ ነቲ ሕቶ ቅንዕና፡ ደጊመ ከቕርቦ ደለኹ። እቶም ኣቦ መንበር፡ ”ቀሺ ዮናስ ንሱ ይጽናሕ፡ ሕጂ ሽማግለ ንምረጽ” ቢሎም ምስ ገንሑኒ ግና፡ ”ደጊም ደሓን ኩኑ” ቢለ ካብቲ ጉባኤ ወጻእኩ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መበል 31 መዓልቲ፡ ገይሸ ተቐበልኩምኒ

Next
Next

መበል 30 መዓልቲ፡ “ጸማእኩ”