መበል 31 መዓልቲ፡ ገይሸ ተቐበልኩምኒ
ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ
ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ካብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ ኣብላዕኩምኒ፡ ጸሚአ ኣስተኹምኒ፡ ገይሸ ተቐበልኩምኒ” (ማቴ25.34-35)።
ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ከም እንነቦ፡ ሓደ እዋን፡ ክልተ መላእኽቲ፡ ምሸት ናብ ሶዶም መጹ። እዞም ብትርኢት ሰብ እተገልጹ መላእኽቲ፡ ሎጥ፡ እንታይነቶም ከይፈለጠ ኣጋይሽ ጥራይ መሲልዎ፡ ብኽብሪ ክቕበሎ ከሎ፡ ሰብ ሰዶም ግና፡ ነቶም ኣጋይሽ ክቕበልዎምሲ ይትረፍ ብኣንጻሩ ክጋሰስዎም ከም ዝደለዩ’ዩ ተጻሒፉ ዘሎ (ዘፍ 19.1-5)።
ጐይታና ኢየሱስ ክውለድ ከሎ’ውን ሰብ ቤት-ልሄም ንእኡ ዝኸውን መሕደሪ ኣይነበሮምን። እቲ ንሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ጐይታ፡ ጋሻ ኰይኑ ኣብ ዝመጻሉ፡ ኪንዮ’ታ ቅድስቲ ስደራን እግዚኣብሄር ክገልጸሎም ዝፈተወ፡ ሒደት ሰባትን ሓዲግካ፡ ብኽብሪ ዝተቐበሎ ኣይነበረን። ሕጂ’ውን እንተዀነ ኣብ ደገ ልብና ደው ኢሉ ኳሕ-ኳሕ ምባል ኣየቋረጸን። ድምጹ ሰሚዑ ዝኸፍተሉ እሞ ዝቕበሎ ግና ብዙሕ ኣይኰነን።
እቶም ጻድቃን ይመልስሉ፡ ”ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ እሞ ተቐበልናካ፧” ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ እቲ ካብዞም፡ ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡” ኢሉ ይመልሰሎም (ማቴ25.37,40)።
እዮብ ኣብ ምዕራፍ 31 ናይ ውሽጡ ከፍስስ ከሎ፡ ከምዚ በለ፦ ”ነቲ መስኪን ለሚኑኒ ኸሊኤዮ እንተ ዀይነ፡ ንዓይኒ መበለት ሃረር ኣቢለያ እንተ ዀይነ፡ ንቚራስ እንጌራይ በይነይ በሊዔያ እንተ ዀይነ፡ እቲ ዘኽታም ካብኡ ዘይበልዔ እንተ ዀይኑ፡ . . . ንዕሩቕ ሰኣን ክዳን ኪጠፍእ፡ ወይስ ንድኻ ብዘይ ማቕ ርእየዮ እንተ ዀይነ” ይብል እሞ፡ ቅጽል ኣቢሉ ድማ ”መጻእተኛ ኣብ ወጻኢ ኣይሓደረን፡ ደጌታተይ ንመንገደኛ ከፈትኩ” ይብል (እዮብ31.16-ፍጻሜ)።
ዝንበብ ክፍሊ፡-
ማቴ 25.31-46
ንጸሊ፡
ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ኣብቲ ቕዱስ ቃልካ፡ ”ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ከም ኣጋይሽ ተቐቢሎም ኣለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ” ዝብል ተጻሒፉ’ሎ፡ (እብ13.2)። ኣብ ካልእ ስፍራ’ውን ” ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ” ተባሂሉ’ሎ (1ጴጥ4.9)። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ቕዱስ ቃልካ፡ ”ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ” ይብል እዩ’ሞ፡ ኣዒንተይ ክትከፍተለይ፡ ንምቕባል ኣጋይሽ ዝኸውን ጸጋ ድማ ከተዕዝዘለይ፡ እጽሊ ኣለኹ፣ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣሜን።